ዝርዝር ዝተኣተፈ ናይ ዝተዛረበ ርእስታት
እዚ ጽሑፍ እዚ 26 መጋቢት 2025 ተሓዲሱ።.
ሓጺር መግለጺ
እዚ ጽሑፍዚ፤ መደብ ህጹጽ ምስጓግ (expedited removal) እንታይ ማለት ከምዝኾነን በቲ መደብ መን ከምዝጽሎን የረድእ። መንግስቲ አሜሪካ፤ ነቲ መደብ አብ ወርሒ ጥሪ (January) 2025 ንምጥንኻር ብዛዕባ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ሓበሬታ ይህብ። ስለዝኾነ ድማ እዚ ጽሑፍዚ ነዘን ዝስዕባ አርአርእስታት የጠቃ፟ልል፤
- ሓበሬታ ብዛዕባ መስርሕ መደብ ህጹጽ ምስጓግ (expedited removal)
- ሓበሬታ በዚ መስርሕ መን ከምዝጽሎ
- አብቲ መደብ ምስ አተኻ እንታይ ይቅ፟ጽል
- ዝኾነ ሰብ አብ ሃገር አሜሪካ ንምጽናሕ ካብቲ መደብ ከመይ ንምውጻእ ከምዝኽእል
መደብ ህጹጽ ምስጓግ (expedited removal) እንታይ እዩ?
እዚ መደብ ህጹጽ ምስጓግ (expedited removal)፡ መንግስቲ አሜሪካ ንዝተወሰኑ ሰባት ብህጹጽ ካብ ሃገር ንኽሰጉግ ዘኽእል መስል ዝህብ መስርሕ እዩ። ንአብነት እዚ መደብ ብህጹጽ ምስጓግ (expedited removal) ንነዊሕ እዋን ኪስርሓሉ ዝጸንሐ ኮይኑ ሕጋዊ መእተዊ ወረቀ፟ት ወይ ቪዣ ከይሃለዎም ናብ አሜሪካ ንዝአተውን አብ ዶብ ኮነ ጥቃ፟ ዶብ ምስ አባላት ኢሚግሬሽን አሜሪካ ንዝተራኸቡን ሰባት ብህጹጽ ምስጓግ ዝምልከት እዩ።
አብዚ መደብ ብህጹጽ ምስጓግ ( expedited removal)፤ አብ ቅድሚ ዳኛ ንምቅ፟ራብ ዘኽእል መሰል የለን። ከክንድኡ ዝኮነ ካልእ ሰበስልጣን መንግስቲ፤ ጉዳይኩም አብ ቤት ፍርዲ ከየቅ፟ረብኩም፤ ካብ ሃገር ንኽትስጎጉ ኪእዝዝ ይኽእል። ጉዳይኩም ሓንሳብ አብቲ መደብ ከምዝአቱ ምስተገብረ፤ ናብቲ ዜግነት ዘለኩም ሃገርኩም ብህጹጽ ኪትስጎጉ ትኽእሉ። ሓደ ሓደ ግዜውን ናብ ካልእ ሃገር ኪትስጎጉ ትኽእሉ።
አብ ግዜ ምምሕዳር ትራምፕ እቲ መስርሕ ከምዝተቀ፟የረ ሰሚዕ። አብ ልዕሊ እዚ መደብ ህጹጽ ምስጓግ (expedited removal) ዝተገብረ ሓዲሽ መምሪሒታት እንታይ እዩ? ንዓይ ይጸልወኒ ምዃኑን ዘይምዃኑን ከመይ ክፈልጥ እኽእል?
ካብ 23 ጥሪ (January) 2025 ጀሚሩ፤ እቲ መንግስቲ፤ ናብ አሜሪካ ብዘይ ሕጋዊ ፈቃ፟ድ ወይ ድማ ብዘይ ቪዛ ዝአተውን አብ አሜሪካ ካብ ዝአትዉ ልዕሊ ክልተ ዓመት ከምዝገበሩ ዘርኢ መረጋገጺ ወረቀ፟ት ዘይብሎምን ሓያሎ ሰባት አብዚ መደብ ህጹጽ ምስጓግ (expedited removal) ኪአትው ይኸእሉ ኢዮም ይብል። እቶም አብ ሕጋዊ መእተዊ ዶብ አሜሪካ በጺሖም ናብ አሜሪካ ክአትው ዝሓቱ ሰባት’ውን አብቲ መደብ ሕጹጽ ምስጓግ (expedited removal) ኪአትው ይኽእሉ እዮም።
አብ ውሽጢ እዘን ክልተ ዓመታት አብ አሜሪካ ብዘይ ቪዛ ወይ ድማ ብዘይ ዝኾነ ካልእ ሕጋዊ መቀ፟መጢ እንተድአ ተቀ፟ሚጥኩም አብዚ መደብ ህጹጽ ምስጓግ (expedited removal) ክትአትዉ ትኽእሉ ኢኹም። መንግስቲ አሜሪካ፤ ካብ 23 ጥሪ (January) 2025 ጀሚሩ፤ ታሪኽ ቤት ማእሰርቲ ንዘለዎም ሰባት’ውን አብዚ መደብ ህጹጽ ምስጓግ (expedited removal) ከእትዎም ከምዝፍትን ገሊጹ አሎ። ንሕና ከምዝተረድአና መንግስቲ አሜሪካ፤ ነቶም አባላት ኢሚግሬሽን፡ ታሪኽ ቤት ማእሰርቲ እናሃለዎም፤ ብገለገለ ፕሮግራማት ናብ አሜሪካ ዝአተው ሰባት እንደገና እናጻረዩ አብቲ መደብ ህጹጽ ምስጓግ (expedited removal) ከእትዉዎም ከምዝኽእሉ ሓቢሩዎም አሎ።
መንግስቲ አሜሪካ፤ እዚ መምርሒ ነቶም ብመደብ ሲ-ቢ-ፒ ዋን ( CBP One) ናብ አሜሪካ ዝ አተውን አብ ቤት ማእሰርቲ አትዮም ዝነበሩ ዜጋታት ኩባ፣ ሄቲ፣ ኒካራጓ ወይ ድማ ቬኑዝዌላን ይምልከት። ንኻልኦት’ውን ይምልከት እዩ።
መሰል ስደተኛ ኪውሃቦም ዝሓተቱን ጉዳዮም አብ ቤት ፍርዲ ኢሚግሬሽን ቀሪቡ ዘሎን አብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ዝርከቡ ሰባት፤ መንግስቲ አሜሪካ ነቲ ጉዳዮም ዓጺዩ ናብ’ዚ መደብ ህጹጽ ምስጓግ (expedited removal) ከእትዎም ኪፍትን እዩ። እቲ መንግስቲ፤ ነዚ መደብ’ዚ ብሓፈሽኡ አብ ልዕሊ ታሪኽ ቤት ማእሰርቲ እናሃለዎም አብዘን ሓደ ክልተ ዓመት ናብ አሜሪካ ዝአተውን ክሳብ ሕጂ ወረቀ፟ት ስደተኛ ኪውሃቦም ዘይሓተቱን ኪጥቀመሉ ከምዝደሊ ይገልጽ።
አብ ወርሒ መጋቢት (March) 2025፤ መንግስቲ፤ ካልእ ተወሰኽቲ ዝርዝራትውን ሂቡ አሎ። ብፍላይ እቶም ሰራሕተኛታት አይስ (አይ-ሲ-ኢ - ICE) ነቲ ናይ ተፍትሽ ስርሖም ኪገብሩ ከለው፤ መንግስቲ፤ አብዞም ዝሰዕቡ ጉጅለታት ዝያዳ ቆላሕታ ኪገብሩን ብፍላይ ወረቀ፟ት ስደተኛ ኪውሃቦም ንዘይአመልከቱ አብ ትሕቲ እቲ መደብ ህጹጽ ምስጓግ (expedited removal) ወይ ድማ አብ ቤትፍርዲ ኢሚግሬሽን ከእትውዎም አተሓሳሲቡ አሎ።
- መእተዊ ፍቃ፟ድ ከይሃለዎም ናብ አሜሪካ ዝ አተውን አብ ዶብ ምስበጽሑ ብሰበስልጣናት ኢሚግሬሽን ናብ አሜሪካ መዓስ ከምዝአተው ብዘየገድስ ናብ አሜሪካ ኪአትዉ ተፈቂ፟ዱሎም ዝአተውን ሰባት
- ናብ አሜሪካ ዝአተውን ካብ ቤት ማእሰርቲ ብ ገለ ኩነታት “ብግዜያውነት ምስ ቅድመ-ኩነት ዝተፈትሑን” (parole with conditions) ወይ ድማ ምልቃቅ፟ ምስ አማራጺታት እንደገና ምእሳር (parole + alternatives to detention)
- አብ ዶብ፤ ብሰበስልጣናት ኢሚግሬሽን ‘አበይ ከምዘለው ከፍልጡ አለዎም ዝብል መዘኻኸሪ” ዝተውሃቦም ሰባት
አብ’ቲ መደብ ህጹጽ ምስጓግ እንድሕር ኪትአትው ተጌሩ ወይ ድማ ጉዳይኩም ናብ ቤት ፍርዲ ኢሚግሬሽን እንተአትዩ እቲ ታሪኽ ቀይዲ በኦቶማቲክ መገዲ የብቅዕ።
እንታይ እዩ ተቀ፟ይሩ? አገዳስነት ለውጥታት እንታይ እዩ?
ቅድሚ’ዚ ለውጥታት፤ አብ ውሽጢ አሜሪካ ዘለው ሰባት አብዚ መደብ ህጹጽ ምስጓግ (expedited removal) አትዮም ካብ ሃገር ኪስጎጉ ዝኽእሉ፤ ካብ ዶብ አሜሪካ ዝሕሰብ አብ አብ ውሽጢ 100 ማይልስ እንተኾይኖምን ካብ ዝአትው 14 መዓልታት ከይመልኦም ብመንግስቲ አሜሪካ እንድሕር ተሪኺቦምን ጥራይ እዩ ኔሩ።
ሕጂ ግና፤ ብዘይ ቪዛ ወይ ድማ ብዘይ ዝኾነ ካልእ ሕጋዊ ወረቀ፟ት መእተዊ፤ አብዘን ውሽጢ ክልተ ዓመታት ናብ አሜሪካ ዝአተው ሰባት ወይ ድማ አብ ላዕሊ ካብ ዝተጠቀ፟ሱ ሰባት ሓደ እንድሕር ኮይንኩም’ሞ ናብቲ መደብ ህጹጽ ምስጓግ አቲኹም፤ ካብ ሃገር ኪትስጎግ ትኽእሉ። ካብቲ ዶብ ዘለኻዮ ርሕቀት ብዘየግድስ ማለት እዩ። እዚ ማለት ድማ አብዚ እዋን’ዚ ዝያዳ ሰባት ናብቲ መደብ ህጹጽ ምስጓግ አትዮም ኪስጎጉ ይኽእሉ ማለት እዩ።
ብዛዕባ መደብ ህጹጽ ምስጓግ (expedited removal) ዝልዓል ልሙድ ሕቶታት
አብ’ዚ መደብ ህጹጽ ምስጓግ (expedited removal) እንድሕር አእትዮምኒ፤ አብ ውሽጢ አሜሪካ ምእንታን ክጸንሕ፤ ወረቀ፟ት ስደተኛ/ ጽግዕተኛ ወይ ድማ ካልእ ዓይነት መጽንሒ ፈቃ፟ድ ኪውሃበኒ ክሓትት’ዶ እኽእል?
ምስ’ዚ መደብ ህጹጽ ምስጓግ (expedited removal)፤ አብ አሜሪካ ንምጽናሕ ወረቀ፟ት ስደተኛ ኪውሃበኩም ንምሕታት ምኽአልኩምን ዘይምኽአልኩምን ኪትፈልጡ ትኽእሉ መስርሕ ምሕታት ምስ ጀመርኩም ጥራይ እዩ። ሓንሳብ አብ መደብ ህጹጽ ምስጓግ( expedited removal) ምስ አተኹም፤ መንግስቲ አሜሪካ ንኽትሓቱ ክሳብ ባዕሉ ዘፍቅደልኩም፤ ወረቀ፟ት ስደተኛ ኪውሃበኩም ኪትሓቱ አይትኽእሉን።
ወረቀ፟ት ስደተኛ ንምርካብ ከመልክት ምእንታን ክኽእል ከመይ ጌሬ እዬ ንመንግስቲ አሜሪካ ክሓትት ዝኸእል?
ናብ ሃገርኩም ንምምላስ ትፈርሑ እንተኾይንኩምን ንሰበ- ስልጣን መንግስቲ አሜሪካ ከምትፈርሑ ገሊጽኩም እንተኾይንኩም፤ ቃለመጠይቅ፟ ንኽትገብሩ ክትሕተቱ ኢኹም። አብቲ ዝግበረልኩም ቃለመጠይቅ፟ ከምትፈርሑን ስለምንታይ ከምትፈርሑን ጽቡቅ፟ ጌሮኩም እንተረዲኡኹምን መንግስቲ አሜሪካ ወረቀ፟ት ስደተኛ/ጽገዕተኛ ወይ ድማ አብ አሜሪካ ከጽንሓኩም ዝኸእል ካልእ ዓይነት ወረቀ፟ት ኪውሃበኩም ኪተመልክቱ ፍቃ፟ድ ክህበኩም አብ ምውሳን ኪሕግዞ ይኽእል እዩ።
ይኹን እምበር፤ እቶም ሰበስልጣን መንግስቲ፤ ናብ ሃገርኩም ኪትምለሱ ትፈርሖ’ዶ ወይ ድማ ወረቀ፟ት ስደተኛ ንምርካብ ትደል’ዩዶ ኢሎም ባዕሎም ከምዘይሓትኹም ምዝካር አድላይ ኢዩ። እዚ ማለት ድማ ፍጹም ከይሓትኹም ይኽእሉ ኢዮም ማለት እዩ። ስለዚ ናብ ሃገርኩም ንምምላስ ትፈርሑ እንተኾይንኩም፤ ቀልጢፍኩም ብቀ፟ጻሊን ብተደጋጋምን ብዙሕ ግዜ፣ ንሓደ ሰበ ስልጣን አሜሪካ ጥራይ ዘይኮነ ንብዙሓት ባዕልኹም ኪተገልጹሎም አለኩም።
ካልእ ኪትፈልጡዎ ዝግባእ ምስ ስድራ ቤትኩም እንተኾይንኩም ዘለኹም ክፈላልዩኹም ከምዝኽእሉ እዩ። ስለዚ ናብ ሃገርኩም ንምምላስ ትፈርሑ እንተኾይንኩም፤ ነፍስወከፍ አባል ስድራ ቤትኩም’ውን ብተደጋጋሚን ብቁ፟ልጡፍን ከምዝፈርሕ ኪገልጽ ከምዘለዎምን እቲ ጉዳይ ከመይ ከምዝሰርሕን ምእንታን ኪፈልጥ ኪትገልጽሉ አለኩም። እዚ ንናእሽቱ ቆልዑ’ውን ይምልከት እዩ።
መስርሕ ቃለመጠይቅ፟ እንታይ ይመስል?
ናብ ሃገርኩም ንምምላስ ፍርሒ ከምዘለኩም ንሰበስልጣን ኢሚግሬሽን እንድሕር ገሊጽኩም፤ ቃለመጠይቅ፟ ኪግበረልኩም እዩ። እቲ ዝግበረልኩም ቃለመጠይቅ፟ ምስቲ ኩነታትኩም ዝተአሳሰር ኮይኑ፤ ቃለመጠይቅ፟ “ኪኸውን ዝኸእል ፍርሒ” (credible fear interview) ወይ ድማ “ምኽንያታዊ ዝኾነ ፍርሒ” (reasonable fear interview) ተባሂሉ ዝጽዋዕ እዩ። ብዛዕባ’ዚ ቃለመጠይቅ፟ ክትፈልጡዎ ዝግባእ አገዳሲ ነገር አሎ፤ እቲ ዝሓትት ዘሎ ሰበ ስልጣን፤ ናብ ሃገርኩም ንኽትምለሱ ስለምንታይ ከምትፈርሑን እቲ ፍርሒ ድማ አብ አሜሪካ ከጽንሓኩም ዘኽእል ወረቀ፟ት ስደተኛ ኪውሃበኩም ኪትሓቱ ዘኽእል ምዃኑን ዘይምዃኑን ንምርዳእ ጥራይ እዩ። ስለዚ አብ ዝኾነ ምስ ሰበስልጣን ኢሚግሬሽን አሜሪካ ትገብሩዎ ቃለመጠይቅ፟ ሓቂ ጥራይ ክትዛረቡን ጽቡቅ፟ ኪተረዱኡን አዝዩ አገዳሲ እዩ።
አስተውዕሉ፡ እዚ ቃለመጠይቅ፟ ወረቀ፟ት ስድተኛ ዘውህበኩም አይኮነን። ነቲ ቃለመጠይቅ፟ ብጽቡቅ፟ እንተሓሊፍኩሞ፤ ወረቀ፟ት ስደተኛ ንኽትረኽቡ ክተመልክቱ ዕድል ይህበኩም ማለት እዩ።
ብዛዕባ እዚ ቃለመጠይቅ፟- ተወሳኺ ሓበሬታ እንተደሊኹም ነዚ ጠውቁ፟።
አኼባ አንጻር ስቅያት (Convention Against Torture) ብዝብል አርእስቲ ዝግበር ቃለመጠይቅ’ውን ኪትገብሩ ኪትዕደሙ ትኸእሉ። እዚ ቃለመጠይቅ፟ ቅድሚ ሕጂ አብ ልዕሌኹም ብዛዕባ ዝተፈጸመ ስቅያት ወይ ድማ ናብ ካልእ ሃገር እንተተመሊስኩም አብ ልዕሌኹም ብዛዕባ ኪበጽሕ ዝኽእል ስቅያት ዝሓተኩም እዩ።
አብ መደብ ህጹጽ ምስጓግ (expedited removal) እንተአትዬ፤ አብ ቀይዲ ኪአቱ’ዶ እኽእል?
እወ። አብ ቀይዲ ክትአትው ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ዝመስል’ውን ከምኡ እዩ። ክሳብ እቲ መስርሕ ምስጓግ ዝሳለጥን አብቲ ቃለመጠይቅ፟- ዝግበረሉ እዋንን፤ አብቲ መደብ ህጹጽ ምስጓግ(expedited removal) ዝአተው መብዝሕቶም ሰባት አብ ቀይዲ ይአትው እዮም። አብ ቀይዲ ምእታው ማለት አብ ቤት ማእሰሪቲ ምእታው ማለት እዩ።
አብዚ መስርሕ መደብ ህጹጽ ምስጓግ (expedited removal) እናሃለኹ ጠበቃ፟ ኪገብር’ዶ እኽእል?
እወ። ጠበቃ፟ ክትገብሩ ፍቁ፟ድ እዩ። እዚ መደብ ህጹጽ ምስጓግ (Expedited removal) ናይ በሓቂ ብህጹጽ ስለዝገበር፤ ቀልጢፍካ ሸዑ ንሽዑ ጠበቃ፟ ምሓዝ የድሊ።
እንድሕር አብ ቀይዲ አቲኹም፤ ጠበቃ ክትገብሩን ጠበቃ ንምድላይ ስልኪ ምድዋልን ኪፍቀደልኩም ምሕታት መሰልኩም እዩ። ( እዚ ማለት ድማ ሰበ ስልጣናት ጠበቃ፟ ክትገብሩ ምሕታትን ጠበቃ፟ ንምድላይ ስልኪ ምድዋልን ኪኸልኡኹም አይክእሉን ማለት እዩ)
ጽቡቅ፟ ጌርኩም ዘይተረዳእኹሞ ዶኩመንት ዘይምፍራም አገዳሲ እዩ። ንስኹም ወይ ትፈልጡዎ ሰብ አብ መደብ ህጹጽ ምስጓግ (expedited removal) እንድሕር አቲኹም፤ ቅድሚ ምስ ሰበስልጣናት መንግስቲ ምዝራብኩም ምስ ጠበቃ፟ ምዝራብ አብቲ ጉዳይኩም ኪሕግዘኩም ይኽእል እዩ።
ካብ’ዚ መደብ ህጹጽ ምስጓግ (expedited removal) ከመይ ጌረ እዬ ክወጽእ ዝኽእል? ምስ ዳኛ ክራኸብ’ዶ እኽእል?
ነተን “ ክእመን ዝኽእል ፍርሒ” ወይ ድማ “ምኽንያታዊ ዝኾነ ፍርሒ” ብዝብል አስማት ዝፍለጣ ቃለመጠይቃ፟ት እንድሕር በጽቡቅ፟ ሓሊፍኩም፤ ጉዳይኩም አብ ቤት ፍርዲ ኢሚግሬሽን ኪቀ፟ርብ ይኽእል እዩ። እዚ ማለት ድማ ንጉዳይኩም አብ ቅድሚ ዳኛ ኪተቅ፟ርቡ ትኽእሉ ኢኹም ማለት እዩ። ነቶም ሰበ ስልጣናት ኢሚግሬሽን፤ ናብ ሃገርኩም እንተተመሊስኩም ከጋጥመኩም ብዛዕባ ዝኽእል ፍርሒ እንተይዘይነገርኩሞም ወይ ድማ ካብቲ ዝገበርኩሞ ቃለመጠይቅ አዎንታዊ ምላሽ ወይ ውሳኔ እነተዘይረኺብኩም፤ ሰበስልጣናት ኢሚግሬሽን አሜሪካ፤ ገና ገጽ ዳኛ ከይረአኹም ቀልጢፎም ወይ ብህጹጽ ኪሰጉኹም ይኽእሉ። ካብ እቲ መደብ ህጹጽ ምስጓግ ወጺኹም ናብ ቤት ፍርዲ ኢሚግሬሽን እንተተሰጋጊርኩም’ውን ክሳብ ጉዳይኩም ዝውዳእ አብ ትሕቲ ቀይዲ ክትጸንሑ ኢኹም።
ብዛዕባ እዚ መደብ ህጹጽ ምስጓግ (expedited removal) ዝሻቀ፟ል እንተኾይነ እንታይ ክገብር እኽእል?
ዝኾነ ሰብ አብ አሜሪካ ንኽነብር ሕጋውን ቀዋምን ወረቀ፟ት እንተዘይብሉን አብዚ ሃገር ካብ ዝአቱ ትሕቲ ክልተ ዓመት እንተጌሩን፤ ብዛዕባ’ዚ ናይ ውልቁ ኩነታት፤ ምስ ጠበቃ፟ ኢሚግሬሽን ዝከአል እንተኾይኑ ከመኻኸር አለዎ። እቲ ጠበቃ፟ ኢሚግሬሽን ነቲ ጉዳይኩም ዝምልከት፤ እቲ ዝሓሸ አማራጺ ወረቀ፟ት ስደተኛ ወይ ድማ አብ አሜሪካ ከጽንሓኩም ዝኽእል ካልእ ሕጋዊ ዝኾነ አማራጺታት እንተሎ ኪውሃበኩም ምሕታት ይሓይሽ ምዃኑን ዘይምዃኑን ንኽትውስኑ ከማኽረኩም ይኽእል። ንሕና፤ ሰበስልጣን ኢሚግሬሽን አሜሪካ፤ ነቲ ዝወጸ ሓዲሽ መምርሒታት ብኸመይ አብ ግብሪ ከምዝትርጉሙዎ ብትኽኽል ንፈልጦ ነገር የለን።
ብዛዕባ’ዚ መደብ ህጹጽ ምስጓግ (expedited removal) ትሻቀ፟ሉ እንተኾይንኩም፤ አባላት ኢሚግሬሽን አብ መገዲ ጠጠው አቢሎም እንተሓተቱኹም ኪሕግዘኩም ዝኽእል ነዚ አብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ነገራት ኩሉሻዕ ምሳኹም ሓዙ፡
-
አብ አሜሪካ ንኽትነብሩ ዘፍቅድ ሕጋዊ ወረቀ፟ት እንተለኩም፡
- ሕጋዊ መንበሪ ወረቀ፟ት ከምዘለኩም ዘሪኢ ወረቀ፟ት - ንአብነት ወረቀ፟ት ኢሚግሬሽን ወይ ወረቀ፟ት ዜግነት
-
አብ ቤት ፍርዲ ዝአተወ ጉዳይ እንተለኩም ወይ ድማ ዘእተኹሞ ማመልከቲ እንተለኩም፡
- አብ ቤት ፍርዲ ዝተጀመረ ጉዳይ ከምዘለኩም ወይ ድማ ማመልከቻ ከምዘእቶኹም ዝገልጽ ወረቃ፟ቅ፟ቲ፣ ብፍላይ ድማ መሰል ጽግዕተኛ ኪውሃበኩም ዝሓተትኩሙሉ ወረቀ፟ት እንተለኩም። እቲ ዘሕዝን ግን እዚ ኹሉ ወረቃ፟ቅ፟ቲ እናሃለወኩም’ውን፤ መንግስቲ ናብ መደብ ህጹጽ ምስጓግ (expedited removal) ከእትወኩም ይጽዕር ምዃኑ እዩ።
-
ናብ ውሽጢ ሃገር ካብ ትአትው ልዕሊ ክልተ ዓመታት እንድሕር ጌርኩም፡
- አብ አሜሪካ ክንደይ ከምዝገበርኩም ዘርድእ ዶኩመንትታት- ንአብነት ቲኬት አየር፣ በመንግስቲ ዝተውሃበኩም ታሴራ፣ ካብ ቤት ንባብ መጻሕፍቲ ተውጽእሉ ካርድ፣ ሽምኩምን አድራሻኹምን ዘለዎ ከምኡ’ውን መዓስ ከምዝተልእኸ ዝሕብር ዕለት ዘለዎ ፖስታ፣ መዛግብቲ ቤት ትምህርቲ፣ ገዛ ዝተኻረኹሙሉ ውዕልን አብ አሜሪካ ልዕሊ ክልተ ዓመት ከምዝተቀ፟መጥኩም ዘርእዩ ካልኦት ተመሳሰልቲ ወረቃ፟ቅ፟ትን
ኪተስተውዕሉሉ ዝግባእ ነገር እንተሎ፤ ብዛዕባ ን ኢሚግሬሽን ዝምልከት ኩነታት ውልቁኹም እንተተሓቲትኩም መልሲ ኪትህቡ ከምዘየድልየኩም እዩ። ብዛዕባ’ዚ ዘለኩም መሰላት ዝያዳ ሓበሬታ እንተደሊኹም አብዚ ጠውቁ፟
ተወሳኺ ሓበሬታን ምንጭታትን
ኤን-አይ-ኤል-ሲ ( NILC) ብዛዕባ አብ መደብ ህጹጽ ምስጓግ ዘለኩም መሰላት (Know Your Rights Expedited Removal Expansion)
ኣህጉራዊ ፕሮጀክት ሓገዝ ስደተኛታት (IRAP) ንገለ ስደተኛታትን ተመዛበልትን ብነጻ ሕጋዊ ሓገዝ ይህብ።
IRAP ንሰባት ኣብ ኣድላይነቶምን ብቑዕነቶምን ንኹነታት ኢሚግሬሽን መሰረት ብምግባር ክሕግዞም ይውስን። ኢራፕ ንሰባት ንምሕጋዝ ብዝኾነ ካልእ ማሕበራዊ ወይ ፖለቲካዊ ወይ ሃይማኖታዊ መዐቀኒታት መሰረት ኣይውስንን እዩ። እዚ መርበብ ሓበሬታ ብዛዕባ ንገለ ስደተኛታት ዝቐርብ ሕጋዊ መስርሕ ሓፈሻዊ ሓበሬታ ይህብ። ንውልቃዊ መመልከቲታት ከም ሕጋዊ ምኽሪ ዝዓለመ ኣይኮነን። ጠለባት ክቕየሩ ይኽእሉ እዮም። ኩሉ ግዜ ካብቲ ሕቶኻ ዝውስን መንግስቲ ወይ ትካል እዋናዊ ጠለባት እንተሃልዩ መርምር። ኣብ ህጹጽ ኩነታት ስደተኛታት እንተሃሊኹም፡ ኣብታ እትነብረሉ ሃገር ዝርከብ ቤት ጽሕፈት UNHCR ክትረኽብዎ ንመክር። |
Comments
0 comments
Please sign in to leave a comment.