ካብ 20 ጥሪ 2025 ጀሚሩ መንግስቲ አሜሪካ፤ አብ ዶብ አሜሪካን ሜክሲኮን ንዝለው ህዝብታት አብ ዝጸልው ሓያሎ ፖሊሲታት ለውጢ ጌሩ አሎ። ካብዘን ዝተግብራ ለውጥታት መብዛሕቲአን ንጠበቃ፟ታት ኮነ ነቶም በቲ ዶብ አቢሎም ናብ አሜሪካ ክኣትዎ ዝፍትኑ ዘለው ሰባት ገና አዝዩ ዘደናግር እዩ። ክሳብ ሕጂ ንፈልጦ ከምዚ ዝቅ፟ጽል እዩ፡
ሲ-ቢ-ፒ ዋን (CBP One)ካብ ሕጂ ንንየው የለን
ሲ-ቢ-ፒ ዋን (CBP One) ዝተብሃለ አብቲ ዶብ ንዘለው ስደተኛታት ቆጸራ ዝገብር ዝነበረ ተንቀሳቃ፟ሲ መተግበሪ Mobile App) ካብ ሕጂ ንንየው የለን። መንግስቲ አሜሪካ፤ ነቲ ኹሉ ተጌሩ ዝነበረ ቆጸራታት ሰሪዙዎ እዩ። ሓዲሽ ቆጸራ ምግባር አይከ አልን። ቆጸራ ጌርካ ናብቲ ዶብ አሜሪካ ንምኻድ አብዚ እዋንዚ ካልእ መገዲ የለን።
ኤም-ፒ-ፒ (MPP) ወይ “አብ ሜክሲኮ ጽንሑ” “Remain in Mexico” ዝብል መምሪሒ
መንግስቲ አሜሪካ፤ ከም ስደተኛ ናብ አሜሪካ ኪትአቱ ትሓትት እንተኾይንካ፤ ክሳብ ቤት ፍርዲ አሜሪካ ዝጽወዓካ “አብ ሜክሲኮ ጽናሕ” ዝብል ሕጊ ኤም-ፒ-ፒ (MPP) እንደገና ይምለስ ከምዘሎ ተዛሪቡ አሎ። እዚ ኤም-ፒ-ፒ (MPP) ዝብሃል ሕጊ፤ ሓተቲ፤ ሕቶ ስደተኛነት ዝምልከት ጉዳዮም ክሳብ ዝፍትሐሎም፤ አብ ሜክሲኮ ኪጸንሑ ዝእዝዝ ሕጊ እዩ ኔሩ። አብዚ እዋንዚ አብቲ ፕሮግራም መን ከምዘሎ ወይ ድማ መን ከምዝህሉ ዝፍለጥ ነገር የለን። እቲ ፕሮግራም ብዝርዝር ብኸመይ አብ ስራሕ ከምዝትርጎም እውን አብዚ እዋንዚ ንፈልጦ ነገር የለን። ሓዲሽ ሓበሬታ ምስ ረኸብና ኪነፍልጠኩም ኢና።
ንዶብ አሜሪካ-ሜክሲኮ ዝጸልዉ ካልኦት ስጉምትታት
ዶብ አሜሪካን ሜክሲኮን ከምዝተዓጸው መንግስቲ አሜሪካ ተዛሪቡ አሎ። እዚ ብትኽክል እንታይ ማለት ከምዝኾነ አይንፈልጥን። ግን መንግስቲ አሜሪካ፤ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ፤ በቲ ሸነኽ ንኽአትው ዝፍትኑ ኩሎም ኪሰጉግን ናብ ሃገሮም ኪመልስን መሰል አለዎ ማለት እዩ ዝመስል።
መንግስቲ አሜሪካ ብህጹጽ ስባት ንኽሰጉግ ይሰርሕ ከምዘሎ ንፈልጥ። እዚ ድማ መብዛሕትኡ እዋናት፤ ሰባት ንዘለዎም መሰላት፤ ነቲ ዕቁ፟ባ ንኽሐቱ ዘለዎም መሰል እውን ከይተረፈ ንኸይጥቀሙሉ ከቢድ ይገብሮ እዩ። አብዚ እዋን ሰባት አብ ዶብ አሜሪካን ሜክሲኮን ከመይ ኢሎም ዕቁ፟ባ ኪሓቱ ከምዝኽእሉ አይንፈልጥን።
ተወሳኺ ሓበሬታ ምስንረክብ ኪንገልጸልኩም ኢና
ነገራት በቁልጡፍ ይቀያየሩን ዘየተአማምኑ እናኾኑን ይኸዱ አለው። ይኹኑ እምበር ኢራፕ (IRAP) ሓዲሽ ሓበሬታ ኪረክብ ከሎ ንኸፍልጠኩም ዝከአሎ ኩሉ ኪገብር እዩ።
ዝያዳ ሓበሬታ ምሰእንረክብ ኪነፍልጠኩም ኢና።