ዝርዝር ዝተኣተፈ ናይ ዝተዛረበ ርእስታት
እዚ ጽሑፍ’ዚ መጨረስታ ዝተሓደሰ 12 መጋቢት (March) 2025 እዩ
ሓጺር መግለጺ
እዚ ጽሑፍ’ዚ፤ ነቶም ብዛዕባ እዋናዊ መምሪሕታት ምጥያስ ስደተኛታት አሜሪካን ከምኡ’ውን ብዛዕባ ፕሬዚደንት ትራምፕ አብ 20 ጥሪ (January) 2025 ዝፈረመሉ ፈጻሚ ትእዛዝን (executive order) ሕቶታት ንዘለዎም ሰባት ዝተዳለወ እዩ። እዚ ፈጻሚ ትእዛዝ (executive order) “ ምስትኽኻል መደብ አቀባብላ ስደተኛታት አሜሪካ (Realigning the United States Refugee Admissions Program) ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ’ውን ነቲ ዝነበረ መደብ ምጥያስ ስደተኛታት አሜሪካ (U.S. refugee resettlement program) ዘደስክል እዩ።
እዚ ጽሑፍ፤ እቲ ፈጻሚ ትእዛዝ (executive order) እንታይ ይብል ከምዘሎን፣ እቲ ዝተገብረ ለውጥታት ንኹሎም ስደተኛታትን አብዚ እዋን እዚ መሰል ስደተኛ ኪውሃቦም ንዝሓቱ ዘለውን ከመይ ጌሩ ከምዝጸልዎምን መረዳእታ ዝህብ እዩ። በተወሳኺ’ውን እዚ ጽሑፍ’ዚ መደብ ዓለምለኸ ሓገዝ ስደተኛታት ( ኢራፕ- IRAP)፤ መንግስቲ መደብ ምጥያስ ስደተኛታት ከምዝድስክል ኪገብር አይነበሮን ብዝብል አብ ልዕሊ መንግስቲ አሜሪካ ክሲ ስለዝቅ፟ረበ እዚ ክሲ’ዚ ነቲ ፈጻሚ ትእዛዝ (executive order) ብኸመይ ከምዝጸልዎን ዘረድእ እዩ።
ስደተኛታት ሕጂውን ናብ አሜሪካ ኪመጹ ይኽእሉ ዶ?
እዚ መልሲ ንኽትህበሉ ዘጸግም ዝተሓላለኸ ሕቶ እዩ። እቲ ዝውሃብ መልሲ ድማ ንዝተፈላለዩ ሰባት ዝተፈላለየ ኪኸውን ይኽእል። ነዚ ንምርዳእ እቲ ምስ ምጥያስ ስደተኛታት ዝተአሳሰረ ፈጻሚ ትእዛዝ (executive order) እንታይ ከምዝብልን እቲ ትእዛዝ ብኸመይ ነቲ መምርሒ አሜሪካ ከምዝቀ፟የረን ከምኡ’ውን ነቶም ናብ አሜሪካ ኪመጹ ዝደልዩ ስደተኛታት እቲ እዋናዊ መምርሒታት ከመይ ከምዝጸልዎምን ብቀ፟ዳምንት ንዘራረብ።
እቲ መደብ ምጥያስ ስደተኛታት አሜሪካ፤ መደብ ምቅ፟ባል ስደተኛታት አሜሪካ (United States Refugee Admissions Program) ወይ ድማ ዩ-ኤስ አር-ኤ-ፒ (USRAP) ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ። ፈጻሚ ትእዛዝ (executive order) ክብሃል ከሎ ድማ እቲ ፕሬዚደንት ሃገር፤ መንግስቲ ገለ ገለ ስራሓት ኪሰርሕ ኪደልዮ ከሎ ብፍሉይ ፈሪሙ ዘውጽኦ ኦፊሲያላዊ ሰነድ እዩ።
20 ጥሪ (January) 2025፤ ፕሬዚደንት ትራምፕ፤ ዳግመ-ምስርራዕ መደብ ምቅ፟ባል ስደተኛታት አሜሪካ (Realigning the United States Refugee Admissions Program) ብዝብል ሽም ፈጻሚ ትእዛዝ (executive order) አውጺኡ። እዚ ትእዛዝ፤ መንግስቲ አሜሪካ ነቲ ስደተኛታት ናብ ሃገሩ ንኽአትዉ ዘኽእል ዝነበረ መደብ አደስኪሉዎ አሎ፤ ነቲ ክሳብ ሕጂ ገና መልሲ ዘይተውሃበሎም ጉዳያት’ውን አደስኪሉ አሎ።
ደድሕሪ እቲ ፕሬዚደንት ዝሃቦ ትእዛዝ፤ መንግስታዊ ትካላት ምቅ፟ባል ሓደሽቲ ጉዳያት ስደተኛታት ጠጠው አቢለን፤ ነቲ ገና ውሳነ ዘይተገብረሉ ጉዳያት አደስኪለንኦ። ከምኡ’ውን ነቶም ስደተኛታት ንኸምጽአ ተመዲበን ዝነበራ በረራታትን መደባት ጉዕዞን ሰሪዘን።
እቲ መደብ ምጥያስ ስደተኛታት አሜሪካ ክሳብ ሕጂ ደስኪሉ ድዩ ዘሎ?
ኢራፕ (IRAP) ወይ ድማ መደብ ዓለምለኸ ሓገዝ ስደተኛታት፤ መንግስቲ አሜሪካ ዝገበሮ ምድስካል መደብ ምቅ፟ባል ስደተኛታት አሜሪካ (US Refugee Admissions Program ( ዩ-ኤስ-አር-ኤ-ፒ USRAP) ዘይሕጋዊ እዩ ኢሉ አብ ልዕሊ መንግስቲ አሜሪካ ክሲ አቅ፟ሪቡ አሎ። እቲ ጉዳይ ገና አብ ቤት ፍርዲ እዩ ዘሎ። ግና አብዚ እዋን’ዚ ሓደ ዳኛ እቲ መንግስቲ አደስኪልዎ ዝጸንሐ መደብ እንደገና ኪጅምሮ ውሳነ ፍርዲ ሂቡ አሎ። ይኹን እምበር እቲ መንግስቲ ነቲ መደብ ከምቲ ዝነበሮ ጌሩ ገና አይመለሶን ዘሎ። ስለዝኾነ ድማ ነቲ መስርሕ ምጉዓዝ ስደተኛታት ናብ አሜሪካ ከቢድ ጌሩዎ አሎ። አብ ታሕቲ ከምዝተገልጸ፡ አብዚ እዋን’ዚ፤ ካብቶም ካልኦት ስደተኛታት፤ ነቶም በመሰረት ሕጊ I-730 ምስ ስድራ ክሕወሱ ሕቶ ዘቅ፟ረቡሞ ዝተፈቅ፟ደሎም ስደተኛታት፤ ናብ አሜሪካ ንምእታው (ብናቶም ወጻኢ) ዝቀ፟ለለ ኮይኑ ይርከብ።
እቲ ክሲ
አብ 10 ለካቲት (February) 2025፤ መደብ ዓለምለኻዊ ሓገዝ ስደተኛታት ኢራፕ (IRAP)፤ ፓቺቶ አንጻር ትራምፕ (Pacito v. Trump) ብዝብል ሽም፤ ንመንግስቲ አሜሪካ ብምቅዋም አብ ልዕሊኡ ክሲ አቅ፟ሪቡ አሎ። እቲ ክሲ፤ መንግስቲ አሜሪካ፤ ነቲ መደብ ምቅ፟ባል ስደተኛታት አሜሪካ (U.S. Refugee Admissions Program (ዩ-ኤስ-አር-ኤ-ፒ USRAP) ከደስክልን ነቲ መደብ ዝረኽቦ ዝነበረ ሓገዝ ገንዘብ ብፈጻሚ ትእዛዝ (executive order) ጠጠው ኪብል ምግባሩን ዘይሕጋዊ እዩ ይብል። እቲ ክሲ በተወሳኺ፤ ዳኛ አሜሪካ፤ እቲ ፈጻሚ ትእዛዝ (executive order)ን እቲ መንግስቲ ዝገበሮ ምድስካል መደብ ምቅ፟ባል ስደተኛታት አሜሪካን (U.S. Refugee Admissions Program (USRAP) ዘይሕጋዊ ምዃኖም ኪውስን ይሓትት።
አብ 25 ለካቲት (February) 2025 ዳኛ ማእከላይ መንግስቲ፤ እቲ ጉዳይ ገና አብ ቤት ፍርዲ ይቅ፟ጽል እኳ እንተሎ፤ መንግስቲ ንመደብ ምቅ፟ባል ስደተኛታት አሜሪካ (U.S. Refugee Admissions Program (ዩ-ኤስ-አር-ኤ-ፒ USRAP) ከደስክል ወይ ድማ ነቲ እቲ መደብ ዝረኽቦ ዝነበረ ሓገዝ ገንዘብ ጠጠው ከብልን አይክእልን እዩ ዝብል ውሳነ አሕሊፉ። ነቲ ብጹሑፍ ዝቀ፟ረበ ውሳነ ዳኛ ክትሪኡ እንተደሊኹም ነዚ ሂር here ዝብል ጠውቁ፟’ሞ መራኸቢ ኪትረኽቡ ኢኹም። እቶም ትካላት መንግስቲ፤ ነቲ ዳኛ ዝሃቦ ውሳነ ብምቅዋም፤ ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ነቲ ጉዳይ እንደገና ክሪኦ ሓቲተን አለዋ። አብዚ እዋንዚ፤ እቲ መደብ ምቅ፟ባል ስደተኛታት አሜሪካ (U.S. Refugee Admissions Program (ዩ-ኤስ-አር-ኤ-ፒ USRAP) ስርሑ ኪጅምር እቲ ዳኛ ዝሃቦ ትእዛዝ አብ ስራሕ ይርከብ።
ጸብጻብ ኩነታት
አብ 10 መጋቢት (March) 2025፤ ጸብጻብ ኩነታት (status report) ብዝብል አርእስቲ፤ መንግስቲ አሜሪካ ነቲ ውሳነ ዳኛ ብኸመይ መልሲ ከምዝህብ አረዲኡ። በመሰረት እዚ ጸብጻብ፤ መንግስቲ፤ ንሕቶታት ሰደተኛታት ውሳነ ናይ ምሃብ ስርሑ እንደገና ከምዝጀመሮ የፍልጥ። ካልኦት ኪውሰዱ ዝግብኦም ስጉምትታት ግና መዓስ ከምዝጅምሩ ብሩህ አይኮነን። እቶም ብመንግስቲ ዝምወሉን ንምጥያስ ዝሕግዙን መደባትን፣ ከም ፋይላት አብ ምሓዝ፣ ምስ አመልከቲ ርክባት አብ ምግባርን አብ ምትሕባብባር ጉዳያትን ዝተዋፈሩ ትካላት ግና አብዚ እዋን’ዚ ገና ስራሕ ዝጀመሩ አይመስሉን።
እዚ ፈጻሚ ትእዛዝ (executive order) ነቲ ጉዳየይ ይትንክፍ ድዩ?
አብ 25 ለካቲት (February) 2025፤ መንግስቲ ንመደብ ምጥያስ ስደተኛታት እንደገና ከጀምሮ አለዎ ኢሉ ዳኛ ውሳነ ቀቅድሚ ምሕላፉ፤ መንግስቲ ነቲ መደብ አደስኪሉ እቲ ኩሉ ስደተኛ ዘእተውዎ ማመልከቻ ጠጠው ከምዝብል ጌሩ ኔሩ። እቲ መንግስቲ ጠጠው ከምዝብል ጌሩዎ ዝነበረ ስራሓት እዚ ዝሰዕብ እዩ ኔሩ፡
- ምቅ፟ባል ሓደሽቲ አመልከቲታት(referrals)
- ምጅማር ሓደሽቲ ጉዳያት
- ምምዳብ መዓልታትን ሰዓታትን ቃለመጠይቃ፟ት
- ምቅ፟ባልን ዘይምቅ፟ባልን ጉዳያት
- ምምዳብ መዓልታትን ሰዓታትን ቆጸራታት ሓኪም
- ነዞም ንኹሉ ስጉምትታት ዘማልኡ ሰባት ናብ አሜሪካ ንኸመጹ ትኬት ነፋሪት ምድላውን
ነቲ አብ 25 ለካቲት (February) ብዳኛ ዝተውሃበ ትእዛዝ መልሲ ንምሃብ፤ መንግስቲ ፤ ንጉዳያት አቀ፟ድም አቢሎም ቃለመጠይቅ፟ ዝገበሩ ስደታኛታት ውሳኔ ምሃብ እንደገና ጀሚሩ ከምዘሎ ገሊጹ። ብዛዕባ ምጅማር ካልኦት ጉዳያት ግን ዝሃቦ መግለጺ የለን።
እቲ ዝተገብረ ምድስካል ዘይምልከቶም ካልኦት ጉዳያት አለውዶ? እዚ ሓዲሽ መመሪሒታት ዘይምልከቶም ጉዳያት አለው’ዶ?
እቲ ፈጻሚ ትእዛዝ (executive order) ፍሉይ ነገራት ኪህልው ከምዝኸእሉ ይዛረብ። ይኹን እምበር እቲ ትእዛዝ ዘይምልከቶም ፍሉይ ኩነታት እንታይ ዓይነታት ጉዳያት ከምዝኾኑ አይነጸረን። እቲ ትእዛዝ፤ መንግስቲ ፍሉይ ኢሉ ዝምድቦም ን”ጥቅ፟ሚ ሃገራዊ ድሕነት” እዩ ኢሉ ዝወሰኖምን ሓደ ስደተኛ አብ ልዕሊ “ድሕነት ሃገር ሓደጋ ከኽትል አይክእልን ኢዩ” ናይ ዝበሎም ጉዳያት ጥራይ እዩ። እቲ ትእዛዝ እንታይ ማለት ከምዝኾነ ብንጹር አየርድእን እዩ። ዚኾነ ጉዳይ ፍሉይ እዩ ኢልካ ንኽትጠልብ እውን እንታይ ስጉምትታት ኪትወስድ ከምዝግበአካ ዝኾነ ሓበሬታ አይህብን እዩ።
ሓዲሽ ጉዳይ መደብ ምእታው ስደተኛታት አሜሪካ (USRAP) ኪጅምር እኽእል ዶ?
ብሩህ አይኮነን። መንግስቲ አሜሪካ፤ ከም መልሲ እቲ ዝወጸ ፈጻሚ ትእዛዝ (executive order) ፕሬዚደንት፤ንኹሉ እቲ ዝቀረበ ሓደሽቲ ጠለብ ስደተኛታት አደስኪሉዎ እዩ። ይኹን እምበር አብ 25 ለካቲት (February) ሓደ ዳኛ መንግስቲ ነቲ ዝገበሮ ምድስካል ከልዕል አዚዙ እዩ። በመንጽር እዚ መንግስቲ ሓዲሽ ጠለባት ስደተኛታት መዓስ ምቅ፟ባል ከምዝጅምር አብዚ እዋን’ዚ ንፈልጦ ነገር የለን።
እዚ ምድስካል ነቲ መደብ ጉጅለ እንዃዕ ደሓን መጻኹም (Welcome Corps program) ይትንክፎ ድዩ?
እወ። ከም ሓደ መልሲ ፈጻሚ ትእዛዝ (executive order) ፕሬዚደንት፤ መንግስቲ አሜሪካ፤ ነቲ ኩሉ መደብ እንኳዕ ደሓን መጻኹም (Welcome Corps program) አደስኪሉዎ እዩ። ሓደሽቲ ማመልከቻታት ስፖንሰርሺፕ (ሓላፊነት ዝወስድ-sponsorship) ምቅ፟ባልን ገና ዘይተወድኡ ማመልከቻታትን ምጽራይ ጠጠው አቢሉዎ እዩ። ይኹን እምበር 25 ለካቲት (February ) ሓደ ዳኛ መንግስቲ አሜሪካ ነቲ ምድስካል ከልዕሎ ከምዝግብኦ አዚዙ። ነቲ ጉዳይ ብሸነኽ’ዚ ክንሪኦ ከለና፤ መንግስቲ ነቲ መደብ እንዃዕ ደሓን መጻኹም (Welcome Corps) መዓስ ከምዝኸፍቶ ወይ ከምዝጅምሮ ንፈልጦ ነገር የለን።
አነ ፍሉይ ቪዛ ስደተኛታት አፍጋኒስታን ወይ ድማ ኢራቅ፟ (Afghan or Iraqi Special Immigrant Visa (ኤስ-አይ-ቪ-SIV) ክውሃበኒ ዝሓትት ዘለኹ አመልካቲ እዬ። እዚ ምምሕዳር ትራምፕ ዝገብሮ ዘሎ ምድስካል ወይ ድማ ለውጥታት ነቲ ናተይ ማመልከቻ ኤስ-አይ-ቪ-(SIV) ኪጸልዎ ይኽእል ዶ?
ምናልባት።
ማመልከቻ ምእታው፣ ቃለመጠይቅ፟ ምግባር፣ ካልኦት መስርሓት ማመልከቻታት ምፍጻም፡ አብ ኤምባሲታታት ወይ ቆንስላዊ አብያተ ጽሕፈታት ዝግበር ምእታው ማመልከቻታት ኤስ-አይ-ቪ (SIV) ስደተኛታት አፍጋኒስታንን ኢራቅ፟ን፣ ማመልከቻ ምእታው፣ ቃለመጠይቅ፟ ምግባር፣ ካልኦት መስርሓት ማመልከቻታት፤ ክፋል ናይ ምቅ፟ባል ስደተኛታት አሜሪካ ዩ-ኤስ-አር-ኤ-ፒ (USRAP) ስለዘይኮኑ በዚ መደብ ምድስካል አይትንከፉን እዮም።
ጉዕዞ፡ ዓለምለኸ ውድብ ስደተኛታት (International Organization for Migration IOM) ተሓዝቲ ቪዛ ኤስ-አይ-ቪ (SIV) ንዝኾኑ ስደተኛታት አፍጋኒስታንን ኢሪቅ፟ን፤ ናብ አሜሪካ ኪገብሩዎ ዝነበረ በረራ ነፋሪት ከምዝድስክል ጌሩ። ብገዛ ገንዘቦም ትኬት ኪገዝኡ ግን ፈቂ፟ዱ አሎ።
ጠቀ፟ሜታታት ስደተኛታት፡ ብምኽንያት ዝተወስዱ ካልኦት ስጉምትታት ምምሕዳር ትራምፕ፤ አብ ልዕሊ’ቲ ንትካላት ምጥያስ ዝውሃብ ዝነበረ ገንዘባዊ ሓገዝ፤ ለውጥታት ስለዝተገብረ ተሓዝቲ ቪዛ ኤስ-አይ-ቪ (SIV)፤ አብ አሜሪካ ምስ በጽሑ፤ እቲ ለውጢ ኪጸልዎም ይኸእል ኢዩ። ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ’ዚ ምስ እትደልዩ፤ ነቲ አብ ታሕቲ ዝርከብ ክፋል መምርሒ ተወከሱ።
ነቲ አፍጋን ፒ-1/ፒ-2 ዝብሃል መደብ ብምጥቃም ማመልከቻ ዘእተው ስደተኛታት አፍጋኒስታን እቲ ምድስካል ይጸልዎም ድዩ?
እወ፤ በዚ ፈጻሚ ትእዛዝ (executive order) ኩሉ ማመልከቻ ስደተኛታት እንኮላይ መደብ አፍጋን ፒ-1/ፒ-2 (Afghan P-1 / P-2 ) ተጸልዩ እዩ። ይኹን እምበር 25 ለካቲት (February ) ሓደ ዳኛ፤ መንግስቲ አሜሪካ ነቲ ዝገበሮ ምድስካል ከልዕሎ አዚዙ። ነቲ ጉዳይ በዚ ሸነኽ ኪንጥምቶ ከለና፤ መንግስቲ ነቲ መስርሕ እንደገና መዓስ ከምዝጅምሮ ንፈልጦ ነገር የለን።
ምምሕዳር ትራምፕ፤ ነቲ ስደተኛታት ካብ አፍጋኒስታን ተበጊሶም ንምኻድ ኪኽእሉ ዝገብሮ ዝነበረ መደብ ሓገዝ ጉዕዞ (ምግዓዝ ኬር-CARE re location) አደስኪሉዎ ድዩ?
ካብ 28 ጥሪ (January) 2025 ጀሚሩ መንግስቲ አሜሪካ ነቲ ስደተኛታት አፍጋኒስታን ካብ ሃገሮም ተበጊሶም ናብ አሜሪካ ንም እታው ዝገብሮ ዝነበረ ክፍሊት ጉዕዞ ነፋሪት አደስኪሉዎ እዩ። ነቶም ማመልከቻ ዩ-ኤስ-አር-ኤ-ፒ (USRAP) ዘይብሎም ስደተኛታት አፍጋኒስታን፤ መንግስቲ አሜሪካ ነዚ ሓገዝ ዋጋ ነፋሪት እንደገና ኪጅምሮ ተኽእሎ አሎ። ግና አብዚ መጨረስታ ዓመት አቢሉ ነቲ መደብ ብሙሉኡ ኪስርዞ እዩ ዝበሃል ዜና ይነፍስ አሎ።
አባል ስድራቤተይ ዝኾነ ሰብ አነ ናብ አሜሪካ ክመጽእ ማመልከቻ አእቲዩለይ አሎ። ኪመጽእ’ዶ እኽእል?
ብዛዕባ ጉዳይ ሓደ ውልቀሰብ ርግጸኛ ዝኾነ መልሲ ኪንህብ አይንኸእልን ኢና። ይኹን እምበር እዚ ትእዛዝ ንዘተፈላለዩ ጉዳያት ከመይ ከምዝጸሉ ንፈልጥ ኢና።
በቲ ትእዛዝ ዘይጽለው ጉዳያት
- እቲ ነቲ I-730 (ንምጽንባር ስዒቡ ዝመጸ ስደተኛ-follow-to-join asylee) ዝብሃል መስርሕ ተጠቂ፟ሙ ናብ አሜሪካ ከምጽአኩም ዝደለየ ዘመድኩም ንባዕሉ ስደተኛ ወይ ድማ ጽግዕተኛ እንተኾይኑ፡ ጉዳይኩም በቲ ትእዛዝ አይትንከፍን እዩ።
- አሲሊስ “Asylees” ወይም ጽግዕተኛ ዝብሃሉ አብ ውሽጢ አሜሪካ ኮይኖም መሰል ስደተኛ ዝውሃቦም ሰባት እዮም። አብ ዓዶም ኮይኖም መስርሕ I-730 ብምጥቃም ናብ አሜሪካ ንኽመጹ ዝሓተቱ አባል ስድራቤት ጽግዕተኛ፤ ጉዳዮም አካል ዩ-ኤስ-አር-ኤ-ፒ (USRAP) ስለዘይኮነ፤ እቲ ፈጻሚ ትእዛዝ (the executive order ) አይምልከቶምን እዩ።
- ብዛዕባ’ዚ ንጽግዕተኛታት ዝምልከት መስርሕ I-730 ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ነዚ here.
ብምጽቃጥ ተወከሱ።
- I-130: እቲ ዘመድኩም ነቲ መስርሕ I-130(አብ ስድራ ቤት ዝምርኮዝ መሕተት ፎርም ስደተኛታት) ተጠቂ፟ሙ ናብ አሜሪካ ከምጽአኩም እንተደልዩ፤ ጉዳይኩም በቲ ትእዛዝ ዝትንከፍ አይኮነን።
- እዚ መስርሕ I-130 (አብ ስድራ ቤት ዝምርኮዝ መሕተት ፎርም ስደተኛታት) ዘገልግል ነቶም ብቁ፟ዕ ዝኾኑ አዝማዶም ናብ አሜሪካ ከምጽ ኡ ዝደልዩ ዜጋታት አሜሪካን ሕጋዊ ነበርቲ አሜሪካ (ግሪን ካርድ ዘለዎም) እዩ። እዚ መስርሕ እዚ አካል ዩ-ኤስ-አር-ኤ-ፒ (USRAP ) አይኮነን። ዝያዳ ሓበሬታ አብዚ here ይርከብ።
በዚ ትእዛዝ ዝጽለው ጉዳያት
- እቲ ዘመድኩም ስደተኛ እንተኾይኑ’ሞ መስርሕ I-730 (“follow-to-join refugee”) ተጠቂ፟ሙ ናብ አሜሪካ ከምጽአኩም እንተመልከተ፡ ጉዳይኩም በቲ ትእዛዝ ይጽሎ እዩ። ብምኽንያት እቲ ትእዛዝ ምድስካል፤ ኩለን መንግስታዊ ትካላት ነቲ መስርሕን ጉዳይ ጉዕዞን ጠጠው ከምዝብል ጌረን እየን። ይኹን እምበር አብ 25 ለካቲት ሓደ ዳኛ እቲ መንግስቲ ነቲ መስርሕ ምድስካል ጠጠው ከብሎ አዚዙ። ነቲ ዝተውሃበ ትእዛዝ ዳኛ መልሲ ብምሃብ ድማ መንግስቲ አብዚ ዓይነት ዝጠቃ፟ለሉ መደባት እንደገና ከምዝጀመሩን እቲ መስርሕን ውሳነ ምሃብን እንደገና ከምዝቅ፟ጽል ከምዝገበረን አመልኪቱ መግለጺ ሂቡ። ብተወሳኺ’ውን እቶም ብቁ፟ዓት ኮይኖም ዝተረኸቡን ዝተፈቀ፟ደሎምን አመልከቲ ናብ አሜሪካ ኪጓዓዙ ከምዝኽእሉ ገሊጹ።
- በዚ አገባብ፤ ስደተኛታት (refugees) ዝብሃሉ እቶም በመገዲ ዩ-ኤስ-አር-ኤ-ፒ (USRAP) አብ አሜሪካ ንኽጣየሱ ዝተመደቡ ሰባት እዮም። እዚ ማለት ድማ እዞም ሰባት እዚኦም መሰል ስደተኛ ኪውሃቦም ዝሓተቱን ዝተፈቀ፟ደሎምን ቅድሚ ናብ አሜሪካ ምእታዎም እዩ።
- አብዚ እዋን’ዚ መንግስቲ ዝብል ዘሎ እዞም ቅድሚ እቲ ምድስካል፤ ምስ ስድራ ኪጽንበሩ ዝተፈቀደሎምን ንኪጓ ዓዙ ዝተዳለውን ስደተኛታት ሕጂውን ናብ አሜሪካ ኪጓዙ ይኽእሉ እዮም ግና ዋጋ ትኬት ነፋሪት በዓሎም ኪከፍሉዎ አለዎም ይብል።
- እቶም መርመራ ሕክምና ዝጽበዩ ዝነበሩ ምስ ስድራ ኪሕወሶ ዝተፈቅ፟ደሎም ስደተኛታት ነቲ ክፍሊት መርመራ ሕክምና ባዕሎም ኪሽፍኑ አለዎም። እዞም ምስ ስድራ ኪሕወሱ ዝተፍቅ፟ደሎም ስደተኛታት ምስ ጉጅለ ሓካይም ተራኺቦም ባዕሎም ብቀ፟ጥታ ቆጸራ ሕክምና ኪቋጸሩ አለዎም። ጉጅለ ሓካይም አበይ ከምዝርከብ ሓበሬታ ምስ እትደልዩ አብ embassy website ብምእታውን ቃለመጠይቅ፟ ብምግባርን ኪትረኽቡዎም ትኽእሉ።
- ብዛዕባ I-730 ሓበሬታ እንተደሊኹም አብዚ here ብምጥዋቅ፟ ይርከብ።
- ዝኾነ ዘመድኩም በቲ ፕራዮሪቲ (Priority) 3” (P-3) መስርሕ መደብ ምስ ስድራ ምጽንባር፤ ናብ አሜሪካ ከምጽ እኩም ማመልከቻ እንተ የእቲልኩም፡ ጉዳይኩም በቲ ትእዛዝ ኪጽሎ ይኽእል። እቲ መደብ ፒ-3 ( P-3) አካል ዩ-ኤስ-አር-ኤ-ፒ (USRAP) እዩ። ይኹንእምበር አብ 25 ለካቲት ሓደ ዳኛ እቲ መንግስቲ ነቲ መስርሕ ምድስካል ጠጠው ከብሎ አዚዙ። ብመንጽር እዚ ትእዛዝ፤ መንግስቲ ነቲ ዘደስከሎ መደባት መዓስ እንደገና ከምዝጅመሮ ክሳብ ሕጂ ንፈልጦ ነገር የለን።
- ኢራቃዊ ወይ ድማ ሶርያዊ እንተኾይንኩምን ዘመድኩም ነቲ ፍሉይ መደብ I-130 ዩ-ኤስ-አር-ኤ-ፒ ተጠቂ፟ሙ ናብ አሜሪካ ከእትወኩም ዝፍትን እንተኾይኑ፡ ብሸነኽ ዩ-ኤስ-አር-ኤ-ፒ (USRAP)ዝተገብረ ጉዳይኩም በቲ ትእዛዝ ኪጽሎ ይኽእል እዩ። ይኹንምበር አብ 25 ለካቲት ሓደ ዳኛ እቲ መንግስቲ ነቲ መስርሕ ምድስካል ጠጠው ከብሎ አዚዙ። ብመንጽር እዚ ትእዛዝ፤ መንግስቲ ነቲ ዘደስከሎ መደባት መዓስ እንደገና ከምዝጅመሮ ክሳብ ሕጂ ንፈልጦ ነገር የለን። ከምኡ’ውን በቲ ስሩዕ መስርሕ I-130 ዝውሃብ ቪዛ ስደተኛታት በቲ ትእዛዝ አይትንከፍን እዩ።
- ዘመድኩም ወይ ድማ ካልእ ሰብ፤ በቲ መደብ እንኳዕ ደሓን መጻኹም (Welcome Corps ) አቢሉ ስፖንሰር ኪኾነኩም (ኩሉ ናትኩም ሓላፊነት ክሽከም) ማመልከቻ እንተቅ፟ረበ፡ እቲ ጉዳይኩም በቲ ትእዛዝ ኪጽሎ ይኽእል እዩ። መደብ እንኳዕ ደሓን መጻኹም (Welcome Corps )፤ አካል ዩ-ኤስ-አር-ኤ-ፒ (USRAP) እዩ። ይኹንምበር አብ 25 ለካቲት ሓደ ዳኛ እቲ መንግስቲ ነቲ መስርሕ ምድስካል ጠጠው ከብሎ አዚዙ። ብመንጽር እዚ ትእዛዝ፤ መንግስቲ ነቲ ዘደስከሎ መደባት መዓስ እንደገና ከምዝጅመሮ ክሳብ ሕጂ ንፈልጦ ነገር የለን።
- ሓደ ዘመድኩም፤ ብመስርሕ መደብ ቆልዑ ማእከላይ አሜሪካ ( Central American Minors (ካም-CAM) Program)፤ ናብ አሜሪካ ከምጸአኩም ማመልከቻ አንተአእትዩልኩም፤ ጉዳያት ስደተኛታት ካም (CAM) አካል ዩ-ኤስ-አር=ኤ-ፒ (USRAP) ስለዝኾነ፤ እቲ ትእዛዝ ንጉዳይኩም ኪጸሉ ይኽእል እዩ። ይኹንምበር አብ 25 ለካቲት ሓደ ዳኛ እቲ መንግስቲ ነቲ መስርሕ ምድስካል ጠጠው ከብሎ አዚዙ። ብመንጽር እዚ ትእዛዝ፤ መንግስቲ ነቲ ዘደስከሎ መደባት መዓስ እንደገና ከምዝጅመሮ ክሳብ ሕጂ ንፈልጦ ነገር የለን።
- ኢራፕ (IRAP) ስራሕ ካም (CAM) ኪድስከል ከምዝተገብረ ይርዳእ። እቲ መንግስቲ ግን ብዛዕባ’ዚ ወግዓዊ ዝኾነ መግለጺ አይሃበን፤ ንሕና’ውን ዝርዝር ሓበሬታ የብልናን።
እቲ ምድስካል ነቲ ምስ ላዕላዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት (United Nations High Commissioner for Refugees (ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-አር-UNHCR) ንዘሎ ጉዳያት ይጸሉዶ?
አይጸሉን። እቲ ምድስካል፤ ንመስርሓት ዩ- ኤን-ኤች-ሲ-አር (UNHCR) ወይ ድማ ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-አር (UNHCR) ንኩነታት ስደተኛታት ወይ ድማ ምጥያስ ስደተኛታት ብዝምልከት አብ ልዕሊ ዝወስዶ ውሳነታት ዝገብሮ ጽልዋ የለን። ይኹንምበር ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-አር (UNHCR) ናብ ምጥያስ ስደተኛታት አሜሪካ አመሓላሊፍኩምን አብዚ እዋንዚ ጉዳይኩም ምስ ዩ-ኤስ-አር-ኤ-ፒ (USRAP) እንተኾይኑ በቲ ፈጻሚ ትእዛዝ (executive order) ኪጽሎ ይኸእል ይኸውን።
አብ አሜሪካ ንኽጣየስ ብሸነኽ ዩ-ኤስ-አር-ኤ-ፒ (USRAP) እንድሕር ተጌሩ’ሞ አብዚ እዋን’ዚ አነ አብ ውሽጢ አሜሪካ እንተለኹ፤ እቲ ምድስካል ንጉዳየይ ኪጸሉ ይኸእልዶ?
እቲ ምድስካል፤ ካብ አሜሪካ ወጻኢ ንዘለውን በሸነኽ ዩ-ኤስ-አር-ኤ-ፒ (USRAP) ናብ አሜሪካ ኪአትው ንዝደልዩን ስደተኛታት ጥራይ እዩ ዝምልከት። አብ ውሽጢ አሜሪካ እንተለኹም፤ እቲ ምድስካል ንጉዳይኩም አይምልከትን እዩ። ምስ ስድራ ንኽትጽንበሩ ማመልከቻ ዘእትወኩም እንተኾንኩምን እዚ መስርሕ ንጉዳይኩም ይምልከት ምዃኑን ዘይምዃኑን ብዝያዳ ንምርዳእ፤ አብ ላዕሊ ተጻሒፉ ዘሎ ጽሑፍ ተወከሱ።
ብ ዩ-ኤስ-አር-ኤ-ፒ (USRAP) አብ አሜሪካ ክጣየስ እንተተጌሩ ወይ ድማ ብኤ-አይ-ቪ (SIV) ናብ አሜሪካ ክአቱ እንተተጌሩ እሞ አነ ንስደተኛታት ዝውሃብ ጠቀ፟ሜታታት ተቀ፟ባሊ እንተኾይነ፤ ምምሕዳር ትራምፕ ነቲ ትካላት ምጥያስ ስደተኛታት ዝውሃብ ዝነበራ ሓገዝ ገንዘብ ጠጠው ክብል ስለዝገበረ እዚ ንዓይ ኪጽልወኒ’ዶ ይኽእል?
ምናልባት። ካብቲ ምድስካል ዩ-ኤስ-አር- ኤ-ፒ ( USRAP) ፍልይ ብዝበለ፡ ምምሕዳር ትራምፕ፤ ነቲ ትካላት ምጥያስ አብ አገልግሎት ስድተኛታት ኪውዕል ካብ መንግስቲ ዝርኽብኦ ዝነበራ ገለ ገለ ሓገዝ ገንዘብ ከይጥቀማሉን ጠጠው ከብልኦን አዚዙ አሎ። ሓደ ሓደ ትካላት ምጥያስ ነቲ ዝህብኦ ዝነበራ አገልግሎት ቀጺለንኦ አለዋ፤ ገለ ድማ ሓደ ሓደ ለውጢ ኪገብራ ወይ ድማ ኪዕጸዋ እየን። መደብ ዓለምለኸ ሓገዝ ስደተኛታት ኢራፕ ( IRAP) ነዚ ምድስካል አገልግሎታት ብምቅዋም ክሲ አቅሪቡ አሎ፡ እዚ ድማ ሓደ ክፋል ናይቲ ክሲ እዩ።
ተወሳኺ ሓበሬታን ምንጭታትን
እቲ መስርሕ ምጥያስ ስደተኛታት አሜሪካ እንታይ እዩ?
ነቲ ዘቅ፟ረብኩዎ መመልከቲ ሕቶ ስደተኛታት አሜሪካ ከመይ እዩ ኪሪኦ?
መስርሕ ምጥያስ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከመይ እዩ?
ኣህጉራዊ ፕሮጀክት ሓገዝ ስደተኛታት (IRAP) ንገለ ስደተኛታትን ተመዛበልትን ብነጻ ሕጋዊ ሓገዝ ይህብ።
IRAP ንሰባት ኣብ ኣድላይነቶምን ብቑዕነቶምን ንኹነታት ኢሚግሬሽን መሰረት ብምግባር ክሕግዞም ይውስን። ኢራፕ ንሰባት ንምሕጋዝ ብዝኾነ ካልእ ማሕበራዊ ወይ ፖለቲካዊ ወይ ሃይማኖታዊ መዐቀኒታት መሰረት ኣይውስንን እዩ። እዚ መርበብ ሓበሬታ ብዛዕባ ንገለ ስደተኛታት ዝቐርብ ሕጋዊ መስርሕ ሓፈሻዊ ሓበሬታ ይህብ። ንውልቃዊ መመልከቲታት ከም ሕጋዊ ምኽሪ ዝዓለመ ኣይኮነን። ጠለባት ክቕየሩ ይኽእሉ እዮም። ኩሉ ግዜ ካብቲ ሕቶኻ ዝውስን መንግስቲ ወይ ትካል እዋናዊ ጠለባት እንተሃልዩ መርምር። ኣብ ህጹጽ ኩነታት ስደተኛታት እንተሃሊኹም፡ ኣብታ እትነብረሉ ሃገር ዝርከብ ቤት ጽሕፈት UNHCR ክትረኽብዎ ንመክር። |
Comments
0 comments
Please sign in to leave a comment.