ዝርዝር ዝተኣተፈ ናይ ዝተዛረበ ርእስታት
[እዚ ጽሑፍ’ዚ ካብ መምርሒ ጸረ-ምትላል ኢራፕ (IRAP) ዝተወስደ ኮይኑ አብ ሕጋዊ ሓበሬታ ሳይት ተሓቲሙ ዝወጸ እዩ።]
እዚ መምሪሒ’ዚ ምስ ሓደ ብሕሶት አብ ኢራፕ (IRAP) እሰርሕ እዬ ወይ ድማ ንኢራፕ እውክል እዬ ምስ ዝበል ሰብ ኪትራኸቡ ከለኹም ብዛዕባ ኪትገብሩዎ ትኽእሉ ነገራት ሓበሬታ ዝህብ እዩ።
ኢራፕ (IRAP) ዝህቦ ሓገዝ ኩሉ ናጻ እዩ፡
- ሕጊ ዝምልከት ሓገዝ ኪንገብረልኩም ከለና ዝኾነ ገንዘብ አይነኽፍለኩም ኢና ወይ ድማ ዝኾነ አገልግሎት ክትህቡ አይንሓተኩምን ኢና።.
- ዝኾነ ምስ ኢራፕ ምትእስሳር ዘለዎ’ውን ገንዘብ ናይ ምሕታት ወይ ድማ አገልግሎት ክትህቡ ናይ ምውካስ መሰል የብሉን።
- ስራሕ ኪትሓቱ ከለኹም’ውን ገንዘብ አይነኽፍለኩምን ኢና።
- ዝኾነ ነገር ብሎተሪ ወይ በዕጫ አይንገብርን፤ ሽልማት ወይ ገንዘብ’ውን አይንህብን።
- ስም ተጠቃሚ (username) ወይ ድማ ሚስጢራዊ ቃልኩም (password) ኪትህቡና አይንሓተኩምን ኢና።.
ነዘን ዝሰዕባ ነገራት፤ ንዝኾነ ሰብ ገንዘብ አይትኽፈሉ፡
- ምስ ኢራፕ ( IRAP) ንኽትራኸቡ ዝገበረ ሰብ
- ካብ ኢራፕ ዝኾነ ሓገዝ ኪትረኽቡ ከለኹም
- ካብ ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-አር (UNHCR.) ሓገዝ ንምርካብ
- አብ ኢራፕ (IRAP) ስራሕ ኪትረኽቡ መመልከቲ ኪተእትው ከለኹም
ኢራፕ (IRAP) ርክባት ኪገብር ከሎ ወግዓዊ ብዝኾነ መገዲ ጥራይ እዩ።
- ኢሜል ክንሰደልኩም ከለና፤ መጨረስትኡ @refugeerights.org ካብ ዝኾነ አድራሻ ጥራይ ኢና ንሰደልኩም።
- ኢራፕ (IRAP) ኩሉ ስርሑ ዘካይድ በክልተ መርበባት ሓበሬታ (websites) ጥራይ ኢዩ። .
- ኢራፕሊጋልኢንፎ iraplegalinfo.org
- ሬፉጂራይትስ refugeerights.org
- ወግዓዊ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኢራፕ (IRAP) እዘን ዝሰዕባ እየን፡
- ፌስቡክ (Facebook)፡ : facebook.com/RefugeeAssist
- facebook.com/iraplegalinfo for the chatbot
- ትዊተር (X/Twitte) r: @IRAP, x.com/IRAP or twitter.com/IRAP
- ወግዓዊ ኢንስታግራም(instagram) ኢራፕ (IRAP) @RefugeeAssistance, https://www.instagram.com/refugeeassistance
- ፌስቡክ (Facebook)፡ : facebook.com/RefugeeAssist
ዝኾነ ተግባር-ምትላል ከጋጥም ከሎ፤ ሪፖርት ኪትገብሩ ወይ ኪተፍልጡ ትኽእሉ፤
ብሓሶት ሰራሕተኛ ኢራፕ (IRAP) እዬ ዝብል ሰብ ምሳኹም ኪራኸብ ይደሊ ከምዘሎ እንድሕር ጠርጢርኩም፤ በጃኹም ናብ fraudalert@refugeerights.org ኢሜል ግበሩ። እዚ ኢሜል'ዚ ተግባራት ምትላል ጥራይ ዝቅ፟በል ኢሜል እዩ። ኢራፕ (IRAP) ነዚ ኢሜል’ዚ ሕጊ ዝምልከት ሓገዝ ኪረኽቡ ዝሓቱ ሰባት ንዘቅ፟ርብዎ ሕቶ ንምምላስ አይጥቀመሉን እዩ። .
Comments
0 comments
Please sign in to leave a comment.