ዝርዝር ዝተኣተፈ ናይ ዝተዛረበ ርእስታት
እዚ ጽሑፍ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ 3 ሓምለ 2026 ተሓዲሱ
ሓጺር መግለጺ
እዚ መምርሒ’ዚ፤ አብ መስርሕ ሕቶ ስደተኝነት ወይ ድማ አብ መደብ ምጥያስ ንዘለው ስደተኛታት ወይ ድማ ሓተትቲ ዕቁ፟ባ ፤ ሓደ ሓደ ሕጋዊ ሓገዝ ብምሃብ ዝሕግዙ ትካላት ይዝርዝር። እዚ ንስደተኛታት ሓገዝ ዝህቡ ዝርዝር ኩሎም ትካላት ዝህብ አይኮነን። እዚ’አን ትካላት ምስ ኢራፕ አይ-አር-ኤ-ፒ (IRAP) ምትእስሳር ዘይብለን እየን።፡
እዚ መምርሒ’ዚ፤ ብትካል ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት ዓለም (ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-አር-UNHCR) ዝተጠርነፈ ዝርዝር ምንጭታት’ውን ይህብ። ከቢድ ነገር እንተጋጢሙኩም፤ አብቲ ትነብሩሉ ሃገር ወይ ድማ ክፍሊ ሃገር ቤት ጽሕፈት ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-አር (UNHCR) ተወከሱ።
ከመይ ጌርኩም ካብ ኢራፕ ( IRAP) ሓገዝ ከምትሓቱ ሓበሬታ ምስ እትደልዩ ድማ አብዚ ጠውቁ፟
ዌብሳይት ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-አር (UNHCR website)
ዌብሳያት ሓገዝ ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-አር (UNHCR’s Help website) ካብ ሚእቲ ንላዕሊ አብ ዘለዋ ሃገራት ዓለም፤ ብዛዕባ መሰላት ስደተኛታት ሓበሬታ ይህብ።
ሳይንፖስት ዌብሳይት (Signpost websites)
ሳይንፖስት ዌብሳይት(Signpost websites) ዝብሃላ ድማ አብዘን አስማተን ተዘርዚሩ ዘሎ ሃገራት ከም ኮሎምቢያ፣ ኤኮዶር፣ ኢራቅ፟፣ ጥልያን፣ ግሪኽ፣ ኬንያ፣ ሜክሲኮ፣ ኤልሳልቫዶር፣ ሆንዱራስ፣ን ጓቴማላን፣ ኒጀርን ዝአመሰላ ሃገራት ብዛዕባ ስደተኛታትን ካልኦትን ሓበሬታ ይህብ። አብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብዛዕባ ዘለዉ ስደተኛታት አፍጋኒስታንን ስድተኛታት ዩክሬንን ብዛዕባ ዘሎ ዝርዝር ዌብሳይታት’ውን ይገልጽ ።
ኣሲሌክስ መሰል ኣብ ስደት መድረኽ
ኣሲሌክስ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ስደተኛታት ብሃገር ሕጋዊ ሓገዝ ዝህብ ማውጫ፣ ንሓተቲ ዑቕባ ዝኸውን ርእሰ-ሓገዝ ናውቲ፣ ከምኡ’ውን ብሃገር ሓበሬታ ጾታዊ ዝንባለን ጾታዊ መንነትን ዝሓዘ ጸጋታት ኣቕሪቡ ኣሎ።
ግብጺ
ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-አር (UNHCR)
አብ ግብጺ ናይ ዝርከቡ ዌብሳይት ስደተኛታት ግብጺ ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-አር (UNHCR) አብዚ ይርከብ።
መልሲ ናይ እቲ ዝገበርኩሞ ቃለመጠይቅ፟ አር-ኤስ-ዲ ( RSD) ፤ ናብ ዌብሳይት አር-ኤስ-ዲ ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-አር (UNHCR’s RSD website) ብምእታ’ውን ዕለተ-ልደትኩምን ቁጽሪ ጉዳይኩም ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-አርን ብምእታው ኪትፈልጡ ትኽእሉ።
አገልግሎት ስደተኛታት ሴንት አንድሩ (St.Andrew’s Refugee Services (ስታርስ-StARS)
አገልግሎት ስደተኛታት ሴንት አንድሩ ( St. Andrew’s Refugee Services (StARS)፤ ነቶም ጉዳዮም ዝርአ ዘሎ ስደተኛታት ናጻ ሕጋዊ አገልግሎት ከምኡውን ስነአእምሮአውን ማሕበራውን ሓገዝን ትምህርታዊ መደባትን ካልኦትን ሓገዝ ዝህብ እዩ።
አድራሻ፡ ማእኸል ከተማ ካይሮ (Downtown Cairo)
38ን 26ን ሐምለ (July) ፣ ጎዳና ሴንት ኢሳፍ ስኮየር (St., Esaaf Square ( ሜትሮ ስቶፕ፡ ናስር (Metro stop: Nasser)
ኢሜል፡ info@stars-egypt.org ወይ ብቁጽሪ ስልኪ +20 (0)225759451 ደውሉ።
ካብ ሰንበት ክሳብ ሓሙስ፤ ካብ ሰዓት 9:00 ክሳብ ሰዓት 17:00
ኢንዶኔዥያ
አብ ኢንዶነዥያ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-አር (UNHCR Indonesia) ንስደተኛታት ጠቃ፟ሚ ዝኾነ ሓበሬታታት አብቲ ዌብሳይት ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-አር ጠራኒፉ አሎ። ብተወሳኺ’ውን ብዛዕባ ንስደተኛታት ዝውሃብ አገልግሎት እንተሎ ንምፍላጥ ነቲ ዌብሳይት ሓገዝ ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-አር አብ ኢንዶኔዥያ ዝብል ተወከሱ።
ምስ ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-አር ኢንዶኒዥያ ንምርኻብ ድማ ነቲ ኩሉ ዓይነት ትደልይዎ ቁጽርታት ስልኪ ዘለዎ ሓገዝ ዌብሳይቶም help website ተወከሱ።
ማእከል ሓበሬታ ስደተኛታትን ሓተትቲ ጽግዕተኝነትን (Refugees and Asylum seekers Information Centre) አር-ኤ-አይ-ሲ RAIC) ተወከሱ።
ሓበሬታ ብዛዕባ አብ ኢንዶኔዥያ ዝገበር መሰረታዊ ድሌት (basic needs)፣ ሕጋዊ ሓገዝን (legal aid) ፣ ምጥያስን (resettlement ) አገልግሎታት ጥዕና አአምሮን (mental health services) ዝአመሰሉ አገልግሎታት ስደተኛታት ንምፍላጥ’ውን ነቲ ዌብሳይት ሓተትቲ ስደተኝነትን ሓተትቲ ጽግዕተኝነትን ( Refugees and Asylum seekers Information Centre’s website) ተወከሱ።
አብቲ ዌብሳይቶም https://raicindonesia.org/contact/ መልእኽቲ ብምግዳፍ’ውን ምስ አር-ኤ-አይ-ሲ ( RAIC) ኪትራኸቡ ትኽእሉ።
ኣገልግሎት ስደተኛታት ኢየሱሳውያን (Jesuit Refugee Services)
ግ.ግ. ካቤ ብኤል ዲፒ-3 ቁጽሪ 9, 2019።
ፕሪንግዉሉንግ፡ ኮንዶንግካተር፡
ኬካማታን ደፖክ፡ ካቡፓተን ስሌማን፡
ዳኤራ ኢስቲምዋ ዮግያካርታ 55283
Gg. Cabe Bl DP-3 No.9,
Pringwulung, Condongcatur,
Kecamatan Depok, Kabupaten Sleman,
Daerah Istimewa Yogyakarta 55283
ቴለፎን፡ +62 274 517 405
ኢመይል፡ indonesia@jrs.or.id
እዚ ኣብ መርበብ ሓበሬታኦም ዘሎ ገጽ ንስደተኛታት ዝምልከት ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ። ብቋንቋ ኢንዶነዥያ’ዩ ግን ናብ እትዛረቦ ቋንቋ ንምትርጓም ናይ መርበብ ሓበሬታኻ ተርጓሚ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ።
ሱኣካ
ሱኣካ ንሓለዋ መሰል ስደተኛታት ዝሕግዝ ማሕበር እዩ። ኣብ መስርሕ UNHCR ንዝርከቡ ስደተኛታት ናይ ዓርሰ ሓገዝ ዕጥቂ ኣለዎም።
ኢራቅ፟
ሓገዝ ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-አር UNHCR አብ ኢራቅ፟ ዝምልከት ደማ አብዚ ተወከሱ።
አይ-ኦ-ኤም ኢራቅ፟ (IOM Iraq)
ሕቶኹም ብዝምልከት ምስኦም ከመይ ከምትራኸቡ ንምፍላጥ አብዚ ገጽዚ this page on IOM’s official website እተው።
ሊባኖስ
እዚ UNHCR Lebanon’s help website is available here ዝብል ሓበሬታ ብዛዕባ አገልግሎታት፤ ብዛዕባ ሕግታትን ርክባት ዩ-ኤን-ሲ-ኤች-አር UNHCR ዝህብ እዩ።
ማሌዥያ
ብዛዕባ ስደተኛታት ማሌዥያ (Asylum Access Malaysia)
እዚ ዌብሳይት’ዚ (አሳይለም አክሰስ ማሌዥያ (Asylum Access Malaysia)፤ ጉዳዮም አብ መስርሕ ውሳነ ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-አር ንዘለው ስደተኛታት ናጻ ህጋዊ ሓገዝ ዝህብ እዩ። አብ ምጥያስ ንዘለው ሓገዝ አይህብን እዩ።
ቁጽሪ ስልኪ፤ ካብ ሰኑይ ክሳብ ሓሙስ፤ ካብ ሰዓት 9 ናይ ንግሆ ክሳብ ሰዓት 5 ድህሪ ቀትሪ *ብጀካ ቀዳመ-ሰንበትን ህዝባዊ በዓላትን)
ስልኪ ቁጽሪ መስመር መሬት
+60 374985410
ዋትስ አፕ (WhatsApp)ን ሲግናልን (Signal)
+60 1-2224-5439
ኢሜል፡ malaysia@asylumaccess.org
ታይላንድ
አሳይለም አክሰስ ታይላንድ (Asylum Access Thailand) ጽግዕተኛ ኪኾኑ ዝሓተቱን ጉዳዮም አብ ከተማ ባንኮክ አብ ዘሎ ቤት ጽሕፈት ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-አር ( UNHCR) ዝርእ ንዘለው ስደተኛታት ናጻ ሕጋዊ ምኽሪ ዝህብ እዩ። ብተወሳኺ’ውን ምኽሪ ሓለዋ እንኮላይ ብዛዕባ ዝምልከቶም ሕጊ ታይላንድ ምኽሪ ይህብ። ከምኡ’ውን እዚ ኤ-ኤ-ቲ (AAT) አብ ካልእ አማራጺታት ንዘለው ስደተኛታት’ውን ዝተወሰነ ምኽሪታት ይህብ።
አድራሻ:1111/151 ባን ክላንግ ሙዋንግ፣ ጎዳና ላድፍሮዋ፣ ቻንካሴም፣ ቻቱቻክ፡ ባንኮክ፣10900
(1111/151 Ban Klang Muang
Ladphrao Rd.
Chankasem, Chatuchak, Bangkok 10900)
ቁጽሪ ስልኪ፤ ንሓገዝ ጉዳያት ሕጊን ሓገዝ ጉዳያትን፤
+66.094.498.2500; +66.097.001.3043
ኢሜል፤ ንሕጋዊ ሓገዝን ንሓገዝ ጉዳይን፤ aat_reception@asylumaccess.org
ቱርኪ
ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-አር ቱርኪ (UNHCR Turkey)
አብ ቱርኪ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ጉዳይኩም ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-አር አብዚ ኪትፈልጡ ትኽእሉ
ብዛዕባ ካልእ ሓበሬታ ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-አር ቱርኪ ውን አብዚ ክትረኽቡ ትኽእሉ።
መሰላት ስደተኛታት ቱርኪ
ካብ መሰላት ስደተኛታት ቱርኪ ብዛዕባ አብ ቱርኪ ዘለው ስደታኛታት ዝተውሃበ ሓበሬታ አብዚ ኪትረኽቡ ትኽእሉ።
አሜሪካ
ዌብሳይት ንስደተኛታት ዝጣበቁ፟ ( Immigrant Advocates Network)
አብዚ ብዛዕባ ናጻ ወይ ድማ ብ ትሑት ዋጋ አገልግሎት ጉዳያት ኢሚግሬሽን ዝህቡ ዝርዝር ሰባት በቲ ትደልይዎ ዚፕ ኮድ (zip code) ወይ ድማ በቲ ትቅ፟መጡሉ ክፍለሃገር ክትደልዩ ትኽእሉ።
ዜግነት ይሰርሕ እዩ (Citizenship Works)
ከመይ ጌርኩም ዜጋ አሚሪካ ኪትኮኑ ከም እትኸሉ ነዚ ብምጥዋቅ ሓበሬታ ኪትረኽቡ ትኽ እሉ።
ዩ-ኤስ-ኤ ሄሎ (USA Hello)
ኣህጉራዊ ፕሮጀክት ሓገዝ ስደተኛታት (IRAP) ንገለ ስደተኛታትን ተመዛበልቲን ብነጻ ሕጋዊ ሓገዝ ይህብ።
- IRAP ንገለ ሰባት ኣገልግሎት ክረኽቡን ናይ ስደተኛታትን ናይ ቪዛ መመልከቲ ንምድላውን ይሕግዞም።
- IRAP ኣካል ዝኾነ መንግስቲ፣ IOM ወይ UNHCR ኣይኮነን።
- IRAP ናይ ስደተኛ ደረጃ ወይ ቪዛ ክህብ ወይ ንጉዳያት ከቀላጥፍ ኣይክእልን እዩ።
- IRAP ገንዘባዊ ሓገዝ ክህብ፣ መንበሪ ገዛ ክረክብ ወይ ክኸፍል፣ ወይ ስራሕ ክረክብ ኣይክእልን እዩ።
- ኩሉ ሓገዝ IRAP ብነጻ’ዩ። ምስ IRAP ርክብ ዘለዎ ሰብ ገንዘብ ወይ ካልእ ኣገልግሎት ክሓተካ መሰል የብሉን።
IRAP ንሰባት ኣብ ኣድላይነቶምን ብቑዕነቶምን ንኹነታት ኢሚግሬሽን መሰረት ብምግባር ክሕግዞም ይውስን። IRAP ንሰባት ንምሕጋዝ ብዝኾነ ካልእ ማሕበራዊ ወይ ፖለቲካዊ ወይ ሃይማኖታዊ መዐቀኒታት መሰረት ኣይውስንን እዩ።
እዚ መርበብ ሓበሬታ ብዛዕባ ንገለ ስደተኛታት ዝቐርብ ሕጋዊ መስርሕ ሓፈሻዊ ሓበሬታ ይህብ። ንውልቃዊ መመልከቲታት ከም ሕጋዊ ምኽሪ ዝዓለመ ኣይኮነን።
ጠለባት ክቕየሩ ይኽእሉ እዮም። ኩሉ ግዜ ካብቲ ሕቶኻ ዝውስን መንግስቲ ወይ ትካል እዋናዊ ጠለባት እንተሃልዩ መርምር።
ኣብ ህጹጽ ኩነታት ስደተኛታት እንተሃሊኹም፣ ኣብታ እትነብረሉ ሃገር ዝርከብ ቤት ጽሕፈት UNHCR ክትረኽብዎ ንመክር።
Comments
0 comments
Please sign in to leave a comment.