ዝርዝር ዝተኣተፈ ናይ ዝተዛረበ ርእስታት
እዚ ጽሑፍ ንመወዳእታ ግዜ ብዕለት 20 ነሓሰ 2026 ተሓዲሱ
እዚ መምሪሒ’ዚ ምስ ሓደ ብሕሶት አብ ኢራፕ (IRAP) እሰርሕ እዬ ወይ ድማ ንኢራፕ እውክል እዬ ምስ ዝበል ሰብ ኪትራኸቡ ከለኹም ብዛዕባ ኪትገብሩዎ ትኽእሉ ነገራት ሓበሬታ ዝህብ እዩ።
ኢራፕ (IRAP) ዝህቦ ሓገዝ ኩሉ ናጻ እዩ፡
- ሕጊ ዝምልከት ሓገዝ ኪንገብረልኩም ከለና ዝኾነ ገንዘብ አይነኽፍለኩም ኢና ወይ ድማ ዝኾነ አገልግሎት ክትህቡ አይንሓተኩምን ኢና።.
- ዝኾነ ምስ ኢራፕ ምትእስሳር ዘለዎ’ውን ገንዘብ ናይ ምሕታት ወይ ድማ አገልግሎት ክትህቡ ናይ ምውካስ መሰል የብሉን።
- ስራሕ ኪትሓቱ ከለኹም’ውን ገንዘብ አይነኽፍለኩምን ኢና።
- ዝኾነ ነገር ብሎተሪ ወይ በዕጫ አይንገብርን፤ ሽልማት ወይ ገንዘብ’ውን አይንህብን።
- ስም ተጠቃሚ (username) ወይ ድማ ሚስጢራዊ ቃልኩም (password) ኪትህቡና አይንሓተኩምን ኢና።.
ነዘን ዝሰዕባ ነገራት፤ ንዝኾነ ሰብ ገንዘብ አይትኽፈሉ፡
- ምስ ኢራፕ ( IRAP) ንኽትራኸቡ ዝገበረ ሰብ
- ካብ ኢራፕ ዝኾነ ሓገዝ ኪትረኽቡ ከለኹም
- ካብ ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-አር (UNHCR.) ሓገዝ ንምርካብ
- አብ ኢራፕ (IRAP) ስራሕ ኪትረኽቡ መመልከቲ ኪተእትው ከለኹም
ኢራፕ (IRAP) ርክባት ኪገብር ከሎ ወግዓዊ ብዝኾነ መገዲ ጥራይ እዩ።
- ኢሜል ክንሰደልኩም ከለና፤ መጨረስትኡ @refugeerights.org ካብ ዝኾነ አድራሻ ጥራይ ኢና ንሰደልኩም።
- ኢራፕ (IRAP) ኩሉ ስርሑ ዘካይድ በክልተ መርበባት ሓበሬታ (websites) ጥራይ ኢዩ።
- ኢራፕሊጋልኢንፎ iraplegalinfo.org
- ሬፉጂራይትስ refugeerights.org
- ወግዓዊ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኢራፕ (IRAP) እዘን ዝሰዕባ እየን፡
- ፌስቡክ Facebook
- ቻትቦት ፌስቡክ Facebook Chatbot
- ትዊተር X/Twitter: @IRAP
- Bluesky: @irap.bsky.social
- ወግዓዊ ኢንስታግራም ኢራፕ Instagram: @RefugeeAssistance
ዝኾነ ተግባር-ምትላል ከጋጥም ከሎ፤ ሪፖርት ኪትገብሩ ወይ ኪተፍልጡ ትኽእሉ፤
ብሓሶት ሰራሕተኛ ኢራፕ (IRAP) እዬ ዝብል ሰብ ምሳኹም ኪራኸብ ይደሊ ከምዘሎ እንድሕር ጠርጢርኩም፤ በጃኹም ናብ fraudalert@refugeerights.org ኢሜል ግበሩ። እዚ ኢሜል'ዚ ተግባራት ምትላል ጥራይ ዝቅ፟በል ኢሜል እዩ። ኢራፕ (IRAP) ነዚ ኢሜል’ዚ ሕጊ ዝምልከት ሓገዝ ኪረኽቡ ዝሓቱ ሰባት ንዘቅ፟ርብዎ ሕቶ ንምምላስ አይጥቀመሉን እዩ።
ኣህጉራዊ ፕሮጀክት ሓገዝ ስደተኛታት (IRAP) ንገለ ስደተኛታትን ተመዛበልቲን ብነጻ ሕጋዊ ሓገዝ ይህብ።
- IRAP ንገለ ሰባት ኣገልግሎት ክረኽቡን ናይ ስደተኛታትን ናይ ቪዛ መመልከቲ ንምድላውን ይሕግዞም።
- IRAP ኣካል ዝኾነ መንግስቲ፣ IOM ወይ UNHCR ኣይኮነን።
- IRAP ናይ ስደተኛ ደረጃ ወይ ቪዛ ክህብ ወይ ንጉዳያት ከቀላጥፍ ኣይክእልን እዩ።
- IRAP ገንዘባዊ ሓገዝ ክህብ፣ መንበሪ ገዛ ክረክብ ወይ ክኸፍል፣ ወይ ስራሕ ክረክብ ኣይክእልን እዩ።
- ኩሉ ሓገዝ IRAP ብነጻ’ዩ። ምስ IRAP ርክብ ዘለዎ ሰብ ገንዘብ ወይ ካልእ ኣገልግሎት ክሓተካ መሰል የብሉን።
IRAP ንሰባት ኣብ ኣድላይነቶምን ብቑዕነቶምን ንኹነታት ኢሚግሬሽን መሰረት ብምግባር ክሕግዞም ይውስን። IRAP ንሰባት ንምሕጋዝ ብዝኾነ ካልእ ማሕበራዊ ወይ ፖለቲካዊ ወይ ሃይማኖታዊ መዐቀኒታት መሰረት ኣይውስንን እዩ።
እዚ መርበብ ሓበሬታ ብዛዕባ ንገለ ስደተኛታት ዝቐርብ ሕጋዊ መስርሕ ሓፈሻዊ ሓበሬታ ይህብ። ንውልቃዊ መመልከቲታት ከም ሕጋዊ ምኽሪ ዝዓለመ ኣይኮነን።
ጠለባት ክቕየሩ ይኽእሉ እዮም። ኩሉ ግዜ ካብቲ ሕቶኻ ዝውስን መንግስቲ ወይ ትካል እዋናዊ ጠለባት እንተሃልዩ መርምር።
ኣብ ህጹጽ ኩነታት ስደተኛታት እንተሃሊኹም፣ ኣብታ እትነብረሉ ሃገር ዝርከብ ቤት ጽሕፈት UNHCR ክትረኽብዎ ንመክር።
Comments
0 comments
Please sign in to leave a comment.