ዝርዝር ዝተኣተፈ ናይ ዝተዛረበ ርእስታት
እዚ ጽሑፍ አብ 14 ሐምሌ ( July) 2026 ተሓዲሱ።
ሓጺር መግለጺ
ዜጌታት አሜሪካ ን አብ አሜሪካ ሕጋውን ቀዋሚ ነበርቲ ዝኾኑ ሰባት ኤል ፒ አር (LPR) ወይ ተሓዝቲ ግሪን ካርድ (green card)፤ ፎርም I-130 (Form I-130) ዝተብሃለ ቅጺ ብምምላእ ካብ ሃገር ወጻኢ ዘለው ሓደሓደ አዝማዶም ናብ አሜሪካ ንኽመጹ ኪሕግዙ ይኸእሉ። እዚ’ውን ብተወሳኺ አብ ስድራ ዝተመርኮዘ ኢሚጌሬሽን (family-based immigration) ተባሂሉ ይጽዋዕ።
እዚ ጽሑፍ፤ አዝማዶም ንከምጽኡን ቅጺ I-130 ንኸእትውን ንዝደልዩን ዜጋታት አሜሪካን ቀዋምን ሕጋውን መቀ፟መጢ ወረቀ፟ት ንዘለዎም ሰባት መምርሒ ዝህብ እዩ። ስደተኛ (refugee) ወይ ድማ ወረቀ፟ት ጽግዕተኛ ዝተውሃበኩም ሰብ (asylee) እንተኾይንኩም፤ አዝማድኩም ኪተምጽኡ ብቁ፟ዕ ክትኮኑ ትኸእሉ ኢኹም። ነዚ አማራጺታት ዝምልከት ሓበሬታ ምሰትደልዩ አብዚ ተወከሱ።
ሓዲሽ ሓበሬታ ብዛዕባ ማዕቀብ ጉዕዞ
አብ ታሕቲ ከምዝተገልጸ ቪዛ ንኽረኽቡ ዝተፈቀ፟ደሎም እንተኾኑ'ውን፤ አብዚ እዋን'ዚ ናብ አሜሪካ ንኽአትው አብ ልዕሊ ዝደልዩ ሓደሓደ ሰባት ሓያሎ ማዕቀባት አሎ። እዚ ማዕቀብ አብ መስርሕ ኢሚግሬሽን አብቲ ናይ መጀመርታ መድረኽ ንዘለው ሰባት አይጸልውን እዩ። አብ ልዕል እቶም አብ መስርሕ ኢሚግሬሽን ሓያሎ ንዝተጉዓዙ ሰባት ግን ጸቅ፟ጢ ኪገብር ይኸእል። ተወሳኺ ሓቤሬታ ብዛዕባ አብ 2025 ዝተገብረ ማዕቀብ ጉዕዞን አብ 2026 ጠጠው ኪብል ዝተገብረ ቪዛ ስደተኛታትን እንተደሊኹም አብዚ ተወከሱ።
አብ ስድራ ቤት ዝተመርኮዘ መስርሕ ኢሚግሬሽን እንታይ ማለት እዩ?
ማመልከቻ ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS)
ናይ’ዚ መስርሕ መጀመርታ ስጉምቲ ነቲ ቅጺ I-130(Form I-130) መሊእኻ ናብ አገልግሎት ዜግነትን ኢሚግሬሽንን አሜሪካ ( (U.S. Citizenship and Immigration Services ( ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ USCIS) ምእታው እዩ። እዚ ምቅ፟ራብ ሕቶ አዝማድ (petitioning) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ንስኹም ድማ አቅ፟ራቢ ሕቶ (petitioner) ተባሂልኩም ትጽውዑ። ምስዚ ማመልከቻ አተሓሒዝኩም ዜጋ አሜሪካ ወይ ድማ ተሓዝ ግሪን ካርድ ምዃንኩም ዘረጋግጽ ዶኩመንት ኪትልእኹ አለኩም። እቲ ናብ አሜሪካ ኪመጽእ ዝደለ ሰብ ድማ ምሳኹም ብዛዕባ ዘለዎ ዝምድና ዘረጋግጽ መርትዖ ኪተቅ፟ርቡ ይግባእ። እዚ ሰብ እዚ ድማ ተጠቃሚ (beneficiary) ይባሃል።
ነቲ ቅጺ አብ ትመልኡሉ እዋን፤ ብዛዕባኹም ሕቶታት ኪቀ፟ርበልኩም እዩ፡ ብዛዕባኹም ሓበሬታ ብምሃብ ንነፍስወከፍ ሕቶ መልሲ ሃቡ።
ቀዋሚ ዝኾነ ፈቃ፟ድ መንበሪ ንምርካብ ዝገበር ማመልከቻ
ድሕሪ'ቲ ዝመላእኹሞን ዘእተኹሞን ቅጺ I-130 ቅቡል ምስኮነ፤ እቲ ዘመድኩም ቀዋሚ ዝኾነ መንበሪ ፈቃ፟ድ አሜሪካ ንምርካብ ከመልክት አለዎ።
እዚ ዘመድኩም ዝነብር ካብ አሜሪካ ወጻኢ እንተኾይኑ፤ ነቲ ዝቅ፟ጽል መስርሕ ብመገዲ ቆንስላዊ መስርሕ ((consular processing) ዝብሃል ኪገብሮ አለዎ። እዚ ማለት ድማ ቪዛ ስደተኛ ንምርካብ አብቲ ዘለዎ ሃገር አብ ዘሎ ኤምባሲ አሜሪካ ወይ ቆንስል አሜሪካ ከመልክት አለዎ ማለት እዩ፡
እዚ ዘመድኩም አብ ውሽጢ አሜሪካ እንተኾይኑ ዘሎ፤ ግሪን ካርድ ንምርካብ ነቲ ምስትኽኻል ኩነታት (adjustment of status) ዝብሃል ቅጺ ብምምላእ ከመልክት ይኽእል ይኸውን። አመልካቲ ምስትኽኻል ኩነታት ( adjustment applicant) ተባሂሉ ድማ ይጽዋዕ።
እዚ መምርሒ ነቲ አብ ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS) ቅጺ ዘሎ ጥራይ እዩ ዝገልጽ።
ናብ አሜሪካ ንኸመጹ ኪሕትተሎም ዝኸእሉ ሰባት መነመን እዮም?
ቀዋሚ መንበሪ ወረቀ፟ት ዘለኩም ሰብ (ኤል ፒ አር LPR) እንተኾይንኩም፤ ንበዓልቤትኩምን አብ ዝኮነ ዕድመ ዝርከብ ምርዑው ዘይኮነ ቆልዓኹምን ክትሓቱ ትኸእሉ።
ዜጋ አሜሪካ (ዩ ኤስ ሲ USC) እንተኾይንኩም)፤ ንበዓልቤትኩምን አብ ዝኾነ ዕድመ ዝርከብ ቆልዓኹም ( ምርዑው ይኹን ወይ ዘምርዑው ብዘየገድስ) ኪትሓቱ ትኸእሉ። ዕድሜኹም ልዕሊ 21 ዓመት እንተኾይኑ፤ ንደቅኹምን ወለድኹምን ክትሓቱ ትኽእሉ።
አበይ ኪጅምር እኸእል?
አብዚ ዝርከብ ቅጺI-130 ( Form I-130) መጀመርታ ምልኡ። ነዚ ናብ ዝምልከቶ ንምእታው ድማ ክልተ መገድታት አሎ፡ 1)ብፖስታ ወይ ድማ 2) አብ ናይ ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS) ዌብሳይት ብምእታው አብ ኦንላይነ ( online)። ብዛዕባ ክልቲኡ መገድታት ዝያዳ ሓበሬታ አብዚ ክትረኽቡ ትኸእሉ።
ቀዋሚ ነባሪ አሜሪካ (ኤል ፒ አር LPR) እንተኾይንኩም፡ ነቲ ዘመድኩም ዝምልከት ሓደ ቅጺ ጥራይ ኢኹም ክትመልኡ ዘድልየኩም። ትሕቲ 21 ዓመት ዕድመ ዝኾኑ ዘይተመርዓው ደቂ እንተለዎም በብሓደ ንኹሎም ቅጺ ክትመልኡ አየድልየኩምን እዩ። ይኹን እምበር በዓልቤትኩምን ደቅኹምን በሓባር ኪመጹኹም እንተደሊኹም፤ ነናቶም ማመልከቻ ኪተእትውሎምን ጉዳዮም ሓደ ካብቲ ካልእ ተፈልዩ ኪራአየልኩም ኪትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም ።
ዜጋ አሜሪካ ( ዩ ኤስ ሲ USC) እንተኾይንኩምን እቶም ኪመጹ ትደልዩዎም ሰባት ልዕሊ ዕድመ ወይ ድማ ምርዑዋት ቆልዑትኩም ወይ ድማ አሓትኩምን አሕዋትኩምን እንተኾይኖምን ዕድሜኦም ትሕቲ 21 ዓመት ዝኾኑ ዘይተመርዓው ደቆምን ሰብ ሓዳሮምን ፍሉይ መመልከቲ ክትመልኡ አየድልየኩምን።
ዜጋ አሜሪካ ( ዩ ኤስ ሲ USC) ኮይንኩም ወለድኹምን ዕድሜኦም ትሕቲ 21 ዝኮኑ ደቅኹምን በዓል ቤትኩምን እንተኾንኩም ኪተምጽኡ ደሊኹም ንነፍስወከፍ ሰብ ናይ ብሕቲ መመልከቲ ክትመልኡ የድልየኩም።
ከምተወሳኺ ዝርዝር አስማት ናይቶም ኩሉም ንኽመጹ ትደልይዎም ሰባት አብ ፍሉይ መሰነይታ ወረቀ፟ት ጺሕፍኩም ምስቲ ዝተመልአ ቅጽታት አተሓሒዝኩም ክትሰዱ ርእይቶና ንህብ። ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS) ነቲ ኩሉ ዝተሓተተ ከምዘማላእኹም ንምርአይ ይሕግዞ።
ነቲ ቅጺ ብፖስታ እንድሕር ኮይኑ ትልእኹዎ፤ በኢድኩም ዝተፈረመ ፊርማኹም ክህሉዎ አለዎ። ወይ ድማ ቅዳሕ ስእሊ ብኢድኩም ዝተፈረመ ፊርማኹም አሰኒኹም ክትልእኹ አለኩም። ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS) ታይፕ ዝተገብረ ወይ ድማ ኤሌክትሪካዊ ፊርማ አይቅበልን። ቅዳሕ ናይቲ ናይ ብሓቂ ብኢድኩም ዝተፈረመ ፊርማኹም ክትልእኹ እንተደሊኹም፤ ቅዳሕ ናቱ ምሳኹም ክትዕቅቡዎ የድልየኩም ምኽንያቱ አብ መጻኢ ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS) ኪተርእይዎ ኪሓተኩም ይኽእል እዩ።
ዘመደይ ንኽመጽእ ንምሕታት ዝኽፈል ገንዘብ ክንደይ እዩ?
ነቲ ቅጺ I-130 ንምምላእ ዝኽፈል ገንዘብ አሎ። ካብ ወርሒ ግንቦት (May) 2025 አትሒዙ፤ ነቲ ቅጺ ትሰዱዎ በፖስታ ድዩ ወይስ በመገዲ ኤሌክትሪክ አብ ግምት ብምእታው፤ ዝተፈላለየ ክፍሊት አሎ። ነቲ ዝመልአኹሞ ቅጺ I-130 ትልእኹዎ በፖስታ እንተኾይኑ $675.00 ትኸፍሉ። ነቲ ቅጺ I-130 አብ ኦንላይን መሊእኹም ብ ኦንላይን እንተኾይኑ ትልእኹዎ $625.00 ትኸፍሉ።
ብፖስታ ንዝልእኽ ቅጺ ትኸፍሉዎ ክፍሊት ብናይ ልቃ፟ሕ ካርድ ወይ ድማ ዴቢት ካርድ (credit ወይ debit) ወይ ድማ አቀ፟ዲሙ ብዝተኸፍለ ካርድ ( prepaid card) ኪኽፈል ይከአል። አብዚ ዝርከብ ቅጺ G-1450 መሊእኹምን ምስኡ አተሓሒዝኩምን ኪትልአኹ አለኩም። አብዚ ዝርከብ ቅጺ Form G-1650 ብምምላእ'ውን ካብ ባንክ ብቀ፟ጥታ ዝመሓላልፍ ክፍሊት ኪትገብሩ ትኽ እሉ። ካብ ክፍሊት ናጻ ንምዃን ብቁ፟ዕ እንተዘይኮይንኩም፤ ካሽ ወይ ጥረ ገንዘብ፣ ብቼክ ወይ ብትእዛዝ ገንዘብ (money order) ምኽፋል ተሪፉ እዩ። እቲ ክፍሊትን አከፋፍልኡን ኩልሻዕ ኪቀያየር ስለዝኸእል ቀቅድሚ ነቲ ክፍሊት ምልአኽኩም አብ ዌብሳይት ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS) አጻርዩ።
አብ ኦንላይን ብዛዕባ ዝግበር ክፍሊት፤ ስርዓት ኦንላይን ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS) ከመይ ጌርኩም ብናይ ልቃ፟ሕ ካርድ ወይ ድማ ዴቢት ካርድ (credit ወይ debit) ወይ ድማ አቀ፟ዲሙ ብዝተኸፍለ ካርድ ( prepaid card) ከምትኸፍሉ ባዕሉ ኪመርሓኩም እዩ። እቲ ስርዓት ባዕሉ ናብቲ ድሕነቱ ዝተሓለወ ናብ pay.gov ኪመርሓኩም እዩ። ብዛዕባ አከፋፍላ ብኦንላይን ዝተገብረ ምምላእ ቅጺ ዝያዳ ሓበሬታ እንተደሊኹም አብዚ ተወከሱ።
ምስቲ ቅጺ I-130 ካልእ ክልእኾ ዝግበአኒ እንታይ አሎ?
ብቀ፤ ዳምነት፡ ዜጋ አሜሪካ (U.S. Citizen (ዩ ኤስ ሲ USC) ምዃንኩም ወይ ድማ ሕጋውን ቀዋምን ወረቀ፟ት መቀ፟መጢ (Legal Permanent Resident (LPR)) ከምዘለኩም ኪተረጋግጹ አለኩም።
እቲ ቅጺ I-130 ፤ ንዓኹም አቅ፟ራቢ ሕቶ ( petitioner) አብ አሜሪካ ከመይ ከምትቅ፟መጡ ዘረጋግጽ ሰነዳት ኪተቅ፟ርቡ ኪሓተኩም እዩ።
ዜጋ አሜሪካ (ዩ ኤስ ሲ USC) ምዃንኩም ንምርግጋጽ ምስቲ ቅጺ I-130 አተሓሒዝኩም ካብዘን አብ ታሕቲ ሰፊረን ዘለዋ ሰነዳት ሓደ ኪትቅ፟ርቡ ትሕተቱ።
- አብ አሜሪካ ከምዝተወለድኩም ዘረጋግጽ ቅዳሕ ወረቀ፟ት ምስክር ዝተወለድኩሙሉ ዕለት
- ቅዳሕ ናይቲ ዜጋ ክትኮኑ ከለኹም ዝተውሃበኩም ወረቀ፟ት ምስክር ዜግነት
- ወረቀ፟ት ምስክር ዜግነት
- አብ ደገ ከምዝተወለድኩም ዝሕበር ቆንስላዊ ሪፖርት(Consular Report of Birth Abroad (ሲአር ቢ ኤ CRBA)
- ቅዳሕ ናይቲ ግዚኡ ዘይታቃ፟ጸለ ፓስፖርት አሜሪካ ወይ ድማ
- ሕጋዊ ፓስፖርት ከምዘለኩምን ዜጋ አሜሪካ ምዃንኩምን ዘረጋገጽ ካብ ሰበስልጣን ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት አሜሪካ ዝተጽሓፈ ደብዳቤ
ቀዋምን ሕጋውን መቀ፟መጢ ወረቀ፟ት ዘለዎ ኤል ፒ አር ( LPR) ምኳንኩም ንምርግጋጽ፤ ብቅ፟ድሚትን ብድሕሪትን ዝተስአለ ቅዳሕ ግሪን ካርድኹም(Green Card) ኪትልእኹ አለኩም። ግሪን ካርድኹም ጌና ዘይረኸብኩም እንተኾይኑ፤ ስእልኹም ዘለዎን፤ ከም ሓደ ግሪን ካርድ ዘለዎ ሰብ ( ኤል ፒ አር LPR) ናብ አሜሪካ ዝአተኹሙሉ ዕለት ዘለዎ ገጻትን ዘጠቃ፟ልል ቅዳሕ ፓስፖርትኹምን ክትል እኹ አለኩም። ቅዳሕ ናይቲ ዝመላአኹሞ I-94'ውን ኪትልእኹ ትኽእሉ።
ካልአይ፤ ምስቲ ዘመድኩም ዘለኩም ዝምድና ኪተረጋግጹ ይግባእ።
እቲ ቅጺ I-130 ንዓኹም አቅ፟ራባይ ሕቶ ( petitioner) ምስቲ ተጠቃማይ (beneficiary) ብዛዕባ ዘለኩም ዝምድና ዘረጋግጽ ሰነዳት ኪተቅ፟ርቡ ኪሓተኩም እዩ። እቲ ሰነዳትኩም ከምዘለዎ ናብ ዩ ኤስ ሲ ኢይ ኤስ (USCIS) አይትልአኹ። ኩልሻዕ ቅዳሕ ጥራይ ስደዱ።
እቲ ሰነዳት ዝተጽሓፈ በቋንቋ እንግሊዝ እንተዘይኮይኑ፤ ምሰኡ አተሓሒዝኩም ዝተተርጎመ ቅዳሕ’ውን ስደዱ። እቲ ዝተርጎሞ ተርጓማይ ድማ ክልቲኡ ቋንቋታት ከምዝኸእል ዘረድእ ጽሑፍ ብሓንሳ ክትሰዱ አለኩም።
ሰብ ሓዳርኩም ኪተምጽኡ እንደተደሊኹም፡
- ቅዳሕ ወረቀ፟ት ምስክር ሓዳርኩም ክትህቡ አለኩም።
- ቅድሚ ሕጂ ተመሪዕኹም እንተኔርኩም፤ እቲ ዝሓለፈ ሓዳርኩም ከምዘብቅዕ ዘረጋግጽ ሰነዳት ክትልእኹ አለኩም። መብዛሕትኡ እዋናት እዚ ወረቀ፟ት ፍትሕ ወይ ድማ ወረቀ፟ት ሞት እዩ ዘጠቃ፟ልል።
- እቲ ዝገብርኩሞ ሓዳር ናይ ብሓቂ ሓዳር እምበር ንምዕጋብ መስርሕ ኢሚግሬሽን ከምዘይኮነ ዘረጋግጽ ወረቃ፟ቅ፟ቲ፤ ን አብነት፤
- ንስኹምን በዓልቤትኩምን ወለዲ ደቅኹም ምዃንኩም ዘሪኢ ናታቶም ወረቀ፟ት ምስክር ልደት።
- ናይ ክልቴኹም አስማት ዘሪኢ ሒሳብ ባንካ
- አስማት ክልቴኹም ዘለዎ ውዕል ገዛ ኪራይ። .
- ንዓኹም ወይ ድማ ንበዓልቤትኩም አጽቢቆ፟ም ዝፈልጡ ሰባት ብዛዕባ ዝገብርኩሞ ሓዳር አመልኪቶም ምርዑዋት ምዃንኩም ብምርግጋጽ ዝጽሓፍዎ ወረቃ፟ቅ፟ቲ። እዚአቶም ናይ ግድን ዜጋታት አሜሪካ ኪኾኑ የብሎምን።
- እዚኦም ሰባት እዚኦም ሙሉእ አስማቶም፣ አድራሻኦምን ዝተወለዱሉን ዕለትን ቦታን አብቲ ዝጽሕፍዎ ደብዳቤ ኪውስኹ አለዎም።
- ብዛዕባ ዝምድናኹም ከመይ ከምዝፈጡ ንአብነት አብቲ ን መርዓኹም ዝተገብረ ግብዣ ተረኺቦም እንተኔሮም ወይ ድማ ምሳኻትኩም ዝኾነ ግዜ አሕሊፎም እንተኔሮም አብቲ ዝጽሕፉዎ ደብዳቤ ኪገልጹ አለዎም። .
- ዝከአል እንተኾይኑ እዞም ሰባት እዚአቶም፤ ነቲ ዝጽሓፉዎ ደብዳቤታት፤ ወኪል መንግስቲ ወይ ምስ ሕጊ ዝሰርሕ ሰበስልጣን (notary) ኪፍርመሉን ማሕተም ኪገብረሉን ኪገብሩ አለዎም።
ኪተምጽኡ ትደልዩ ቆልዓኹም እንተኾይኑ፤
- አደ ናይቲ ዝመጽእ ቆልዓ እንተኾይንክን፤ ሽምክንን ሽም እቲ ቆልዓን ዘሪኢ ወረቀ፟ት ምስክር ልደት
- አቦ ናይቲ ዝመጽእ ቆልዓ እንተኾይንኩም፤ ሽምኩምን ሽም አደ ቆልዓን ዘሪኢ ወረቀ፟ት ምስክር ልደት ከምኡ'ውን እቲ ቆልዓ ክውለድ ከሎ ምስታ አደ ምርዑው ከምዝነበርኩም ዘርኢ ወረቀ፟ት ምስክር መርዓ ወይ ድማ ቅድሚ እቲ ቆልዓ ምውላዱ ወይ ድማ እቲ ቆልዓ 18 ዓመት ቅድሚ ምምልኡ ምስታ አደ ከምዝነበርኩም ዘሪኢ ወረቀ፟ት አሕቢርኩም ኪትሰዱ አለኩም። ንዝምድናኹም ከመይ ከምተረጋግጹ ዝያዳ ሓበሬታ እንተደሊኹም መምሪሒታት ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ I-130 (USCIS I-130 instructions) ተወከሱ።
ሓውኩም ወይ ድማ ሓፍትኹም ክተምጸኡ እንተደሊኹም:
- ብዝውሓደ ሓደ አደ ወይ ሓደ አቦ ከምዘለኩም ዘረጋግጽ ቅዳሕ ናይ ክልቴኹም ወረቀ፟ት ምስክር ልደት ለአኹ ።
- ካብ ሕንቲ አደ እንተዘይተወሊድኩም ግና ካብ ሓደ አቦ ትውለዱ እንተኾይንኩም፤ አቦኹም ንኽልቲአን አንስቲ ወይ ንሓንቲአን ዝተመርዓውሉ ቅዳሕ ወረቀ፟ት ምስክር መርዓ አቅ፟ርቡ።ንሓንቲአን እንተፈቲሖም፤ ወረቀ፟ት ምስክር ፍትሕ አቅ፟ርቡ። አቦኹም ካብተን አዴታት ንዝኾነት እንተዘይተመሪዖም፣ ዝምድናኹም ንምርግጋጽ ዝያዳ ሓበሬታ ኪትረኽቡ ነቲ መምሪሕታት ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ I-130 አንብቡ።
አዴኹም ኪተምጸኡ እንተደሊኹም፡
- ሽም አዴኹም ዘለዎ ወረቀ፟ት ምስክር ልደትኩም ልአኹ።
አቦኹም ኪተምጽኡ እንተደሊኹም፤
- አስማት አዴኹምን አቦኹምን ዘለዎ ወረቀ፟ት ምስክር ልደትኩም ልአኹ።
- አቦኹምን አዴኹምን ተመሪዕዖም ምንባሮም ዘሪኢ ወረቀ፟ት ምስክር መርዓ ልአኹ። ወለድኹም ምርዕዋት እንተዘይኔሮም ከመይ ጌርኩም ዝምድናኹም ከምተረጋግጹ ንዝያዳ ሓበሬታ መምሪሒታት ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ I-130 አንብቡ።
ሰይተአቦኹም ወይ ድማ ሰብአይ አዴኹም ኪተምጸኡ እንተደሊኹም፤
- ወረቀ፟ት ምስክር ልደትኩም ልአኹ
- ብተወሳኺ ወለድኹም ምስቶም ድሓር ዝተመርዓውዎም ሰባት ዘለዎም ወረቀ፟ት ምስክር መርዓ ክትልእኹ አለኩም። እቲ መርዓ ድማ ዕድሜኹም 18 ዓመት ቅድሚ ምዃኑ ዝተገብረ ኪኸውን አለዎ። ብተወሳኺ እውን ካብ ክልቲኦም ሓዲኦም አቀ፟ድም አቢሎም ንኻልእ ዝተመርዓው እንተኔሮም፤ ከምዝተፋትሑ ዘረድእ መረጋገጺ ክትልእኹ አለኩም። ከምዚ ዓይነት ወረቃ፟ቅ፟ቲ መብዛሕትኡ እዋናት ወረቀ፟ት ምስክር ፍትሕ ወይ ድማ ወረቀ፟ት ምስክር ሞት እዩ።
ብሕጊ ወሲዱ ዘዕበየኩም ወላዲ ኪተምጽኡ እንተደሊኹም፡
- ወለድኹም ብሕጊ ወሲዶም ከምዘዕበይኹም ዘሪኢ ሰነዳት ኪትውስኹ አለኩም። .
- ወለድኹም ብሕጊ ወሲዶም ከዕብዩኹም ምስ ጀመሩ ወይ ድማ ቅድሚኡ እንተውሓደ ምስኦም 2 ዓመት ከምዝተቀ፟መጥኩም ዘረጋግጽ ወረቀ፟ት።
እቲ ዝተደለየ ሰነዳት ኩሉ እንተዘይብለይ ከ?
እቲ ዝድለ ሰነዳት እንተዘይብልኩም፤ ውሑዳት አማራጺታት አሎ፡
- እዚ ዝተሓተተ ሰነዳት እንተዘይብልኩም፤ ኪትረኽቡዎ ኪትፍትኑ አለኩም፤ ን አብነት ናብ ኤምባሲ ከይድኩም ቅዳሕ ኪዋሃበኩም ኪትሓቱ ትኸእሉ ወይ ድማ ቤተሰብን አዕርኹትኹምን ኪሕግዝኹም ኪትሓቱ ትኸእሉ።
- እቲ ዝተሓተተ ሰነዳት እንተዘይብልኩም ካልእ ተቀ፟ባልነት ዘለዎ ሰነዳት እንተሎ አጽንዑ። ክፍሊ ወጻኢ ጉዳይ አሜሪካ (U.S. Department of State ) አብቲ ናቱ ዌብሳይት ዝርዝር አማራጺታት የውጽእ እዩ፡
- ነቲ ዝድለ ሰነዳት ኪትረኽቡ ከምዘይከአልኩም ዘርድእ ደብዳቤ ካብ መንግስታዊ ቤት ጽሕፈት ወይ ድማ ኤምባሲ ርኸቡ። ነዞም ዝስዕቡ ዝመስሉ ካልኦት ሰነዳት ኪትረክቡ ፈትኑ፡
- ሃይማኖታዊ መዝገብ፡ ከም ቤተክርስትያን፤ መስጊድ: ቤተ መቅደስ ወይ ድማ ሲናኖግ(synagogue) አመሰሉ ሃይማኖታዊ ትካላት ዝተጽሓፈ ቅዳሕ ደብዳበ፣ እዚ ደብዳቤ ቆልዓ ምስተወልደ አብ ውሽጢ ክልተ አዋርሕ ከም ጥምቀት ዝአመሰለ ሃይማኖታዊ ጽምብል ከምዝተፈጸመ ዘርድእ ኪኸውን አለዎ። እቲ ደብዳበ ዝተወለደሉ ዕለትን ቦታን ከምኡ’ውን አስማት ወለዲ ዝሓዘ ኪኸውን አለዎ።
- መዝገብ ቤት ትምህርቲ፡ ካብ ሰበስልጣን ትካል ትምህርቲ፣ ከም ቤት ትምህርቲ ዝአመሰለ ዝተጽሓፈ ቅዳሕ ደብዳበ። እዚ ደብዳበ እቲ ቆልዓ ቤት ትምህርቲ ኪጅምር ከሎ ዕድሚኡ ክንደይ ከምዝነበረ ወይ ድማ ዕለተ ልደቱ መዓስ ከምዝኾነን አስማት ወለዱን ዝሓዘ ኪኸውን አለዎ።
- መዝገብ ቆጸራ ሕዝቢ መንግስቲ፡ አስማት፣ ዕለተ ልደትን ቦታን ከምኡ'ውን ናይቲ ተመዝጊቡ ዘሎ ሰብ ዕድመን ዘለዎ ቅዳሕ መዝገብ መንግስቲ
- አብቲ እዋን'ቲ ዝነበሩ ክልተ ወይ ዝያዳ ሰባት ብዛዕባ’ቲ ኪተረጋግጽዎ ትደልዩ ነገር ፍልጠት ዘለዎም ኮይኖም ብዛዕባ ፍልጠቶም ደብዳቤ ኪጽሕፉልኩም ግበሩ፤
- እዞም ነዚ ደብዳቤታት ዝጽሕፉልኩም ሰባት ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ “ናይ ባዕሎም ተመክሮ ወይ ፍልጠት” ዘለዎም ኪኾኑ አለዎም። ን አብነት አብ መርዓ ወለድኹም ዝነበረ ሓዎቦኹም ወይ ድማ ክትውለዱ ከለኹም ንአዴኹም ዘሕረሳ ሰበይቲ ወይ ድማ ምስ በዓል ቤትኩም ዝነበረኩም ዝምድና ጽቡቅ፟ ጌሩ ዝፈልጥ ዓርኩኹም ኪኸውን ይኸእል።
- እዞም ነተን ደብዳቤታት ዝጽሕፉልኩም ሰባት ናይ ግድን ዜጋታት አሜሪካ ኪኾኑ የብሎምን።
- እዞም ክልተ ወይ ካብኡ ዝዛይዱ ሰባት አብቲ ዝሰዱዎ ደብዳቤ ሙሉእ አስማቶም፣ አድራሻኦም፣ ዝተወልዱሉ ዕለትን ቦታን፣ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ዝፈልጡዎ ነገራትን፣ ነዚ ነገራት ድማ ከመይ ጌሮም ኪፈልጡዎ ከምዝኸአሉን ከረደኡ አለዎም።
- ነቲ ደብዳበ ናባኹም ቅድሚ ምስዳዶም እንተተኻኢሉ ሰበስልጣን መንግስታዊ ትካል ወይ ተወከልቲ መንግስቲ ከፍርሙዎን ማሕተም ከግብሩሉን አለዎም።
ነቲ ቅጺI-130ን ሰነዳትን ናበይ እዬ ዝልእኾ?
እዚ አበይ ከምትነብሩ እዩ ዝውስኖ። ናብቲ ዌብሳይት ብምእታው ነቲ ቅጺ I-130 ናበይ ከምትሰዱዎ ኪሕብረኩም እዩ። ብ ኦንላይን'ውን ኪትልእኹዎ ትኽእሉ። ከመይ ከምትሰዱዎ መመሪሒታት አብዚ አለኩም።
ነቲ ቅጺ I-130ን ሓገዝቲ ሰነዳትን ቅድሚ ምስዳድኩም፤ አብ ናትኩም መዝገብ ትሕዙዎ ቅዳሕ ናይቲ ኩሉ ትሰዱዎ ሰነዳት ግበሩ። ዋላእኳ ናይቲ ዶኩመንታት ኩሉ ኦሪጂናል እንተለኩም፤ ኩልሻዕ ናይቲ ኩሉ ዝሰደድኩሞ ሰነዳት ብሓባር ቅዳሕ ግበሩ። ንመጻኢ ከድልየኩም ይኽእል።
ድሕሪ ነቲ ቅጺI-130 ምስዳድ እንታይ እዩ ዝቅ፟ጽል?
ነቲ ቅጺ I-130 መሊእኹም ምስቲ ዘድሊ ሓጋዚ ዶኩመንታትን እቲ ዝኽፈል ገንዘብን ናብ ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS) ድሕሪ ምል አኽ፤ ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS) ንዓኹም ነቶም ሕቶ አቅ፟ራቢ (petitioner) በፖስታ ዝተፈላልየ መዘኻኸሪታትን ደብዳበታትን ክልእኸልኩም እዩ። ነቲ ዝተላእኸልኩም ደብዳበታት ምዕቃብ አገዳሲ እዩ።
ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS) አብ መጀመርታብዛዕባ ምውሳድ ስጉምቲ ዘረድእ ሓበሬታ I-797 Notice of Action ዝተብሃለ ምልክታ ኪሰደልኩም እዩ። እዚ ድማ እቲ ዝሰደድኩሞ ቅጺ I-130 ከምዝበጽሖም ይሕብር። እዚ ደብዳቤ አገዳሲ እዩ፡ ምኽንያቱ
- አየናይ ማእከል አገልግሎት ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS) አብቲ ጉዳይ ቅጺ I-130 ይሰርሕ ከምዘሎ ይሕብረኩም። እዚ ዊብሳይት ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS) ድማ እቲ ዝወስደሉ ግዜ ይሕብር።
- ብዛዕባ ጉዳይኩም ዝምልከት ቁጽሪ ቅብሊት ይህበኩም። እቲ ቁጽሪ ሰለስተ ፊደላት ከም EAC፣ WAC፣ LIN፣ SRC፣ NBC፣ MSC ወይ ድማ IOE ዝአመሰላ ይህልዎ። ድሕሪ’ ዘን ፊደላት 10 ቁጽርታት አለዋ። ነቲ ቁጽሪ ከምዝስዕብ ኪትጥቀሙሉ ትኽእሉ፡
- ነቲ ቅጺ መዓስ ከምዝተቀ፟በልዎን ከምዝመዝገቡዎን ዕለት ይህብ። እዚ አገዳሲ እዩ ምኽንያቱ ዘመድኩም መዓስ ቪዛ ከምዝረከብ ዝሕብር ስለዝኾነ። አብቲ ዊብሳይት ክፍሊ ወጻኢ ጉዳይ መንግስቲ ፤ ናይ ቀረባ እዋን ሓበሬታ ቪዛ (Visa Bulletin) ንዝብል ምስትጸቅ፟ጡ፤ ቪዛ ንምርካብ ዝወስድ ግዜ ክንደይ ከምዝኾነ ሓበሬታ ትረኽቡ።
ሓደሓደ ግዜ፤ ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS) ዝያዳ ሓበሬታ ስለዘድልየና ተወሰኽቲ ሰነዳት ልአኹ ኢሎም ንዓኹም አቅ፟ራቢ ሕቶ (petitioner) ኪጽሕፉልኩም ይኽእሉ። እዚ ድማ መረጋገጺ ንምርካብ ዝግበር ሕቶ (Request for Evidence (አር ኤፍ ኢ RFE) ተባሂሉ ይጽዋዕ። እቲ አር ኤፍ ኢ (RFE) እቲ ዘድሊ ዶኩመንት እንታይ ከምዝኾነን መዓስ ከምትሰዱዎን 'ውን ይሕብር። መብዛሕቱኡ ግዜ ካብ 90 ክሳብ 120 መዓልታት እዮም ዝህቡኹም። በተወሳኺ ድማ ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS) መርመራ ዲ ኤን ኤ (DNA test) ኪትገብሩ 'ውን ሓሳብ ከቅ፟ርቡ ይእከሉ። እዚ ንስኹምን እቲ ተጠቃማይ ( beneficiary) ዘመድኩምን ትገብሩዎ መርመራ ደም እዩ። እዚ መርመራ ድማ ንስኹምን ዘመድኩምን ብደም ሓደ ከምዝኾንኩም የረድእ። እዚ መርመራ ደም አብ ውሱን ዝኾና አብያተ ምርመራ እዩ ዝግበር። ናብዚ ዌብሳይት ብምእታው ዝርዝር ናይተን አብያተ መርመራ ዲ ኤን ኤ ኪትረኽቡ ትኸእሉ፤
እቲ I-130 ኪቀላጠፍ ንምግባር ተኸእሎ አሎ’ዶ?
እወ። ድሕሪ ነቲ ዝመላእኹሞ ቅጺ I-130፤ ከምዝበጽሖም ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS) ገሊጾምን ቅብሊት ሰዲዶምን ነቲ ጉዳይ ዝምልከት ውሳነ ተቀ፟ላጢፉ ኪውሃብ ምሕታት ይከአል እዩ።
ኪቀላጠፈለይ ከምዝኾነ ከመይ እዬ ክፈልጥ ዝኸእል?
እቲ ጉዳይ ኪቀላጠፈልኩም ካብዘን ዝስዕባ ምኽንያታት ብዝውሓደ ሓደ ኪህልወኩም አለዎ፡
- ህጹጽ ኩነታትን ህጹጽ ሰብዓዊ ኩነታትን
- አብ ልዕሊ ትካል ወይ ሰብ ዓቢ ገንዘባዊ ኪሳራ እንተጋጠመ
- እዚ ምኽንያት ቅቡል አይከውንን እዩ እቲ አቅ፟ራባይ ሕቶ (petitioner) ወይ አቅ፟ረብቲ ሕቶ ነዚ ዝስዕብ እንተዘይጌሮም፡
- ሓገዝ ሕቶ ጠቀ፟ሜታ ወይ ድማ ሕቶ ቅልጡፍ አገልግሎት አብ ቅቡል ዝኾነ ግዜ እንተዘየቅ፟ሪቦም ወይ ድማ
- ዝይዳ መርጋገጺ ክህቡ ንዝተሓተትዎ ሕቶ አብ ቅቡል ዝኾነ ግዜ እንተዘይመሊሶም
- እዚ ምኽንያት ቅቡል አይከውንን እዩ እቲ አቅ፟ራባይ ሕቶ (petitioner) ወይ አቅ፟ረብቲ ሕቶ ነዚ ዝስዕብ እንተዘይጌሮም፡
- ብዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS) ዝተገብረ ግሉጽ ጌጋ እንተሎ
- ንድሌታት መንግስቲ አሜሪካ ዝምልከት አገዳሲ ምኽኒት ወይ ህጹጽ ኩነታት ምስዝህሉ (ን አብነት አብ ውሽጢ ክፍሊ ምክልኻል አሜሪካ (Department of Defense) ዝርከብ ክፍሊ ሰብዓዊ አገልግሎት (DHS)፤ ድሕነት ዜጋታት ብዝምልከት ገለ ናይ ጸጥታ ሽግር እንተተፈጢሩ)
ቅልጡፍ አገልግሎት ኪውሃበኒ ከመይ እዬ ዝሓትት?
ቅልጡፍ አገልግሎት ክውሃበኩም እዚ ዝስእብ ግበሩ፡
- አብ ቁጽሪ ስልኪ 1-800-375-5283 መራኸቢ ማእከል ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ l (USCIS) ደውሉ። ወይ ድማ
- አብ uscis.gov ዝርከብ ዌብሳይት ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS) ዘሎ “ንኤማ ሕተቱ” “Ask Emma” ዝብሃል መራኸቢ መስመር አቲኹም ሕተቱ። ነዚ መሳሪሒ'ዚ ነቲ አብ ላዕለዋይ የማናይ ሸነኽ እቲ ገጽ ዘሎ ብምጽቃጥ “Ask Emma” ክትረክቡዎ ትኸእሉ።
እቲ ዝሓተትኩሞ ሕቶ ኽውድአልኩም ንምግባር መጀመርታ ቁጽሪ ቅብሊት ክህልወኩም አለዎ። ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS) ነቲ ቁጽሪ ቅብሊት እንተይዘይረኸበ አገልግሎት ኪወሃበኩም ኪሓትት አይክእልን። እቲ ቁጽሪ ቅብሊት፤ ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS) እቲ ቅጺኹም በጺሑና አሎ ኢሉ አብ ዝሰደደልኩም ዶኩመንት I-797C እዩ ዝርከብ።
እቲ ስራሕ ኪቀላጠፈልኩም ንምሕታት ምስ ወኪል ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS) ምስተዘራረብኩም፤ ማእከል አገልግሎት ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS)፤ ነቲ ቅጺ ሕቶኹም ክሪኢ ሓላፊነት ንዝወሰደ ቤት ጽሕፈት ይልእኾ። እቲ ቤት ጽሕፈት ድሕሪ እቲ ብስልኪ ዝገበርኩሞ ዝርርብ ተወሳኺ ሓበሬታ ወይ ድማ ተወሳኺ ሰነድ ዘድሊ እንተኾይኑ ክትልእኹ ኪሓተኩም ይኽእል። ነዚ ሕቶኦም ድማ ብ ኢሜል ወይ ብስልኪ እዮም ኪሓትኹም።
እቲ ውሳነ ሕቶ ምቅልጣፍ ነቲ አቀ፟ድም አቢሉ ዝተገብረ ማመልከቻ ወይ ሕቶ ይጸልዎ ዶ?
እቲ ጉዳይኩም ኪቀላጠፈልኩም ዝግበር ውሳነ፤ አቀ፟ድም አቢሉ አብ ዘእተኹሞ ቅጺ ተቀ፟ባልነት አብ ምርካብን ዘይምርካብን ጽልዋ የብሉን።
ጉዳይኩም ኪቀላጠፍ ውሳነ ሓንሳብ ምስተውሃበ፤ ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS) ካብቲ ካልእ እዋናት ብዝቀልጠፈ መገዲ ውሳነ ኪህብ እዩ። ነቲ ኩሉ ዝበጽሖ ሕቶታት ምቅልጣፍ፤ ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS) ሓደ ብሓደ እዩ ዝሪኦ፤ ስለዝኾነ ድማ ነቲ ዝቀ፟ረበሉ ሕቶ ምቅልጣፍ ኪነጽግን ኪቅ፟በልን ይኽእል።
ንዝያዳ ሓበሬታ መጽሓፍ መምርሒ ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS)፣ ቮልዩም 1፣ ክፍሊ A፣ አገልግሎት ህዝቢ፣ ምዕራፍ 5፣ ማመልከቻታት ንምቅልጣፍ ዝግበር ሕቶ (USCIS Policy Manual, Volume 1, Part A, Public Services, Chapter 5, Requests to Expedite Applications or Petitions) ዝብል ተወከሱ።
ጉዳየይ ዝምልከት ገለ ሕማቅ፟ ነገር ኮይኑ አሎ ዝብል ርእይቶ እንተለኒ'ኸ?
አገዳሲ፡ ካብ ሚያዝያ (Apri)l 2025 ጀሚሩ እቲ አብ ኡምባድስማን (Ombudsman) ዘሎ ቤት ጽሕፈት ደስኪሉ አሎ ዝብል ወረ አሎ። እዚ ማለት ድማ አብዚ እዋን’ዚ እዚ ቤት ጽሕፈት ኡምድስማን (Ombudsman) ሕቶታት ሰባት አይሪኢን አሎ ማለት እዩ ። እቲ መንግስቲ ብዛዕባ'ዚ ለውጢ ዝገበሮ አዋጅ ወይ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ የለን፤ እቲ አብ ኦንላይን ዝርከብ ገጽ ምቅ፟ባል ጉዳያት ቤት ጽሕፈት Ombudsman ክሳብ ሕጅ አብ ስራሕ አሎ። ነቲ ሕቶታትኩም ናብ’ዚ ቤት ጽሕፈት ኡምባድስማን (Ombudsman) አቅ፟ሪብኩሞ መልሲ ኪትረኽቡ ምኽእልኩምን ዘምኽእልኩምን ተመልከቱ። በተወሳኺ ግና ገለ ምኽሪ ንምርካብ ነቲ አብ ኮንግሬስ ቤት ምኽሪ አሜሪካ ዘሎ ወኪልኩም ኪትውከሱ ርእይቶና ንህብ። ሕጂ'ውን ገና ነቲ አብ ኡምባድስማን (Ombudsman) ዘሎ ቤት ጽሕፈት ኪትረኽቡ እንተደሊኹም አገዳሲ ሓበሬታ አብ ታሕቲ ሰፊሩ አሎ።
ቤት ጽሕፈት አገልግሎት ዜግነትን ኢሚግሬሽንን ኡምባድስማን (Ombudsman)፤ ሰባት ምስ ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS) ከጋጥሞም ንዝኽእል ሽግር ይፈትሕ፣ አካል ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS ) ስለዘይኮኑ ንጉዳያት ከፍቅዱ ወይ ኪነጽጉ አይክእሉን።። ይኹን እምበር፤ ምስ ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS) ተራኺቦም ክሕግዙኹም ይኽእሉ፤ ብፍላይ እዚ ዝስዕብ እንተተፈጺሙ፡
- ካብ ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS) ዝኾነ ጽሑፍ ወይ ውሳነ ዘይበጽሓኩም ክነሱ ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS) ግና ሰዲድናልኩም አለና እንተኢሎም
- እቲ ተጠቃማይ (beneficiary) ካብቲ “ብቁ፟ዕ ዝገብሮ ዕድመ ኪሓልፍ “ ምስዝቀራረብ (እዚ ማለት ድማ ሓደ ቆልዓ 18 ዓመት ዕድመ ንክኸውን ምስዝቀራረብ አብቲ ምስ ስድራኡ ዝአተወሉ ማመልከቻ ንምጽናሕ ብቁ፟ዕ ዘይምዃን ማለት እዩ)
- አብቲ ዘቅ፟ረብኩሞ ሰነዳት ጌግ ምስዝህሉ
- ጉዳይኩም ካብቲ መስርሕ ቅቡል ዝኾነት 60 መዓልታት ደንጉዩ ኪበጽሕ ከሎ፤
- ዝጠፍኡ ፋይላት ወይ ድማ ካብ ሓደ ናብ ካልእ አብ ምትሕላፍ ፋይላት ሽግር ኪፍጠር ክሎ
- ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS) ከቢድ ጌጋ ፈጺሙ አሎ ዝብል አረአእያ ምስዝህልወኩም
ሓገዝ ንምርካብ፤ አብ ኦንላይን አቲኹም ንጉዳይኩም ሓገዝ ክትሓቱ ትኽእሉ። አብዚ ዘሎ ፎርማ ወይ ቅጺ ካብ ኢንተርኔት አውሪድኩም ናብ cisombudsman@hq.dhs.gov. ብ ኢሜል ክትልእኹ ትኽእሉ። ሓደሓደ ግዜ ድማ ነቲ ቅጺ Microsoft’s Internet Explorer browser ብምእታው ኪትከፍትዎ ትኸእሉ። ልዕሊ 5 ሜጋባይት ዝኾኑ ሰነዳት አይተተሓሕዙ። ብዛዕባ'ዚ ዝርዝራዊ መምርሒ ምስትደልዩ አብዚ ዌብሳይት ቤት ጽሕፈት ኡምባድስማን( Ombudsman) ተመልከቱ።
ነቲ አብ ኮንግሬስ (ቤት ምኽሪ አሜሪካ) ዝውክለኩም አባል ኮንግሬስ ሓገዝ ሕተቱ። ብዛዕባ ምሕታት ሓገዝ ካብ አባል ኮንግሬስ ዘሎ መምርሒ ኢራፕ ( IRAP) አብዚ ትረኽቡ።
ድሕሪ ምፍቃድ እቲ ዝመላእኹዎ I-130 እንታይ ይቅ፟ጽል?
አብቲ አብ ስድራ ዝተመርኮዘ መስርሕ ኢሚግሬሽን፤ እቲ በቀ፟ዳምነት ዝስራዕ እቲ ተመሊኡ ዘአተወ ቅጺ I-130 ቅቡል ኮይኑ ምርካብ እዩ። እዚ መምርሒ ድማ አብዚ ናይ መጀመርታ ስጉምቲ ዝተወሰነ እዩ። ናይቲ መስርሕ ቀጻሊ ስጉምትታት ክንደይ ግዜ ከምዝወስድ ዝውስኖ እቲ ዘሎ ዝምድና ስድራቤት እዩ።
አብ ገለ ገለ ዝምድናታት፤ ቪዛ ሽዑንሽዑ ስለዝርከብ እቲ ዘመድኩም ዝአተኹሞ ቅጺ I-130 ምስተፈቅ፟ደ ነቲ መስርሕ ምምልካት ቪዛ ሽዑንሽዑ ኪጅምር ይኸእል። አብ ካልኦት ዝምድናታት ግ ና አብ ነፍስወከፍ ዓመት ዝተወስነ ቁጽሪ ቪዛ ስለዘሎ፤ ዘመድኩም ነቲ መስርሕ ምምልካት ቪዛ ቅድሚ ምጅማሩ፤ ንነዊሕ ግዜ፤ ሓደ ሓደ ግዜያት 'ውን ንዓመታት፤ ኪጽበ ይኸእል። ምጽባይ ቪዛ ክንደይ ግዜ ከምዝውድእ ንምፍላጥ ምስ እትደልዩ አብ መጽሄት ቪዛ ወጻኢ ጉዳይ አሜሪካ (State Department’s visa bulletin) ተወከሱ።
ቪዛ አብ ዝተረኽበሉ እዋን፤ እቲ ትወስዱዎ ዝቅ፟ጽል ስጉምቲ ዝምርኮስ እቲ ዘመድኩም አበይ ሃገር ከምዘሎ እዩ። እቲ ዘመድኩም አብ ውሽጢ አሜሪካ እንተሎ ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ወረቀ፟ት ናብ ቀዋምን ሕጋውን መንበሪ ወረቀ፟ት ሽዑንሽዑ ከስተኻኽል ይኽእል። ሓበሬታ ብዛዕባ ምስትኽኻል ወረቀ፟ት ናብ ሕጋውን ቀዋምን መንበሪ ፈቃ፟ድ አብ ዌብሳይት ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS) ይርከብ። እቲ ዘመድኩም ካብ አሜሪካ ወጻኢ እንተሎ፤ ናብ አሜሪካ ከም ቀዋሚ ተቀ፟ማጣይ ኮይኑ ንምምጻእ ቪዛ ስደተኛ ንምርካብ ከመልክት አለዎ።ብዛዕባ ቪዛ ስደተኛ ንምርካብ ዘሎ መስርሕ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ነቲ ዌብሳይት ወጺኢ ጉዳይ አሜሪካ (State Department website) ተወከሱ።
ኣህጉራዊ ፕሮጀክት ሓገዝ ስደተኛታት (IRAP) ንገለ ስደተኛታትን ተመዛበልቲን ብነጻ ሕጋዊ ሓገዝ ይህብ።
- IRAP ንገለ ሰባት ኣገልግሎት ክረኽቡን ናይ ስደተኛታትን ናይ ቪዛ መመልከቲ ንምድላውን ይሕግዞም።
- IRAP ኣካል ዝኾነ መንግስቲ፣ IOM ወይ UNHCR ኣይኮነን።
- IRAP ናይ ስደተኛ ደረጃ ወይ ቪዛ ክህብ ወይ ንጉዳያት ከቀላጥፍ ኣይክእልን እዩ።
- IRAP ገንዘባዊ ሓገዝ ክህብ፣ መንበሪ ገዛ ክረክብ ወይ ክኸፍል፣ ወይ ስራሕ ክረክብ ኣይክእልን እዩ።
- ኩሉ ሓገዝ IRAP ብነጻ’ዩ። ምስ IRAP ርክብ ዘለዎ ሰብ ገንዘብ ወይ ካልእ ኣገልግሎት ክሓተካ መሰል የብሉን።
IRAP ንሰባት ኣብ ኣድላይነቶምን ብቑዕነቶምን ንኹነታት ኢሚግሬሽን መሰረት ብምግባር ክሕግዞም ይውስን። IRAP ንሰባት ንምሕጋዝ ብዝኾነ ካልእ ማሕበራዊ ወይ ፖለቲካዊ ወይ ሃይማኖታዊ መዐቀኒታት መሰረት ኣይውስንን እዩ።
እዚ መርበብ ሓበሬታ ብዛዕባ ንገለ ስደተኛታት ዝቐርብ ሕጋዊ መስርሕ ሓፈሻዊ ሓበሬታ ይህብ። ንውልቃዊ መመልከቲታት ከም ሕጋዊ ምኽሪ ዝዓለመ ኣይኮነን።
ጠለባት ክቕየሩ ይኽእሉ እዮም። ኩሉ ግዜ ካብቲ ሕቶኻ ዝውስን መንግስቲ ወይ ትካል እዋናዊ ጠለባት እንተሃልዩ መርምር።
ኣብ ህጹጽ ኩነታት ስደተኛታት እንተሃሊኹም፣ ኣብታ እትነብረሉ ሃገር ዝርከብ ቤት ጽሕፈት UNHCR ክትረኽብዎ ንመክር።
Comments
0 comments
Please sign in to leave a comment.