ዝርዝር ዝተኣተፈ ናይ ዝተዛረበ ርእስታት
እዚ ጽሑፍ’ዚ 14 ሓምለ 2026 ተሓዲሱ።
ሓጺር መግለጺ
አብ አሜሪካ ዘለው ሓደ ሓደ ሰባት አዝማዶም ናብ አሜሪካ ከምጽኡ ክመልክቱ ይኽእሉ። እዚ መምርሒ 'ዚ አዝማድኩም ናብ አሜሪካ ክተምጽኡ ምስ እትደልዩ ክተቅ፟ርቡዎም ብዛዕባ ትኸእሉ መመልከቲታት ዝርዝር ይህብ። ይኽንን እምበር እዚ ዝቀ፟ርብ ዘሎ ዝርዝራት ንኹሉ እቲ ብስድራቤት ዝተመስረተ አመጻጽአ አዝማድ አይሽፍንን እዩ።
ምስ ስድራቤት ንኽትሕወስ ወይ አዝማድካ ንኽተምጽእ ብቁ፟ዕ ዝገብረካ ነጥብታት አብዚ አብ ታሕቲ ተገሊጹ ዘሎ ነጥብታት ዝምርኮዝ እዩ፡
- አብ ውሽጢ አሜሪካ ዘለካ ኩነታት ሕጋዊ መንበሪ
- እቲ አብ መንጎኹምን አብቲ ኪተምጽእዎ ትደልዩ ሰብን ዘሎ ዝምድና
ከም ተወሳኺ ድማ ነዚ ዝስዕብ ምርዳእ አገዳሲ እዩ፡
- ነዚ ዝምልከታ መደባት ኩለን ፤ ዘመድኩም ናብ አሜሪካ ኪተምጽኡ ብቁ፟እ ምዃንኩም ዘርድኡ ሰነዳትን ካልኦት መረጋገጺታትን ክተቅ፟ርቡ ይሓታ።
- ሓደ ሓደ ፕሮግራማት ድማ ነዚ ንምቅ፟ራብ ዝተወሰነ ግዜ ይህባ ወይ ዝኽፈል ገንዘብ ክትከፍሉ ይሓታ። ሓደ ሓደ ሰባት ነቶም ከምጽእዎም ዝደልዩ አዝማድ ብዝያዳ ንምሕጋዝ አብ ካብ ሓደ ንላዕሊ መደባት ኪሳተፉ የፍቅዱ።
- አብ ሓያሎ ኩነታት፤ ርሕቅ፟ ዝበሉ አዝማድኩም ንኽተምጽኡ ዘኸእል ፕሮግራማት የለዋን።
እዚ መምርሒ፤ ንነፍስወከፍ ፕሮግራም ምስ ካልኦት ጽሑፋት ዘራኽብን ዝያዳ ሓበሬታ ዝህብን እዩ።
አባላት ስድራቤት ዜጋታት አሜሪካን ሕጋውን ቋሚን መንበሪ ፈቃ፟ድ ዘለዎም ሰባትን
ዜጋታት አሜሪካን ሕጋውን ቀዋሚን መንበሪ ፈቃ፟ድ ( ተሓዝቲ ግሪን ካርድ (green card) ዘለዎም ሰባትን ገለገለ አዝማዶም ናብ አሜሪካ ከምጽኡ ከመልክቱ ይኽእሉ። አብ ሓደ ሓደ ኩነታት ግን እዚ መስርሕ’ዚ ሓያሎ ዓመታት ኪወስድ ይኸእል።
ሕጋውን ቀዋምን መንበሪ ፈቃ፟ድ ዘለዎም (Lawful permanent residents (ኤል ፒ አር LPRs) ሰባት። እዚአቶም ተሓዝቲ ግሪን ካርድ (green card holders) ተባሂሎም’ውን ይጽውዑ። ስለዚ ግሪን ካርድ (green card ) እንተለኩም ሰብ ሓዳርኩምን ገና ሓዳር ዘይገበሩ ደቅኹምን ናብ አሜሪካ ኪመጹልኩም ኪተመልክቱ ትኽእሉ።
ዜጋታት አሜሪካ (U.S. citizens) ሰብ ሓዳሮምን አብ ዝኾነ ዕድመ ዘለውን ደቆምን ( ምርዕዋት ኮኑ ዘምርዑዋት ብዘየገድስ ) ናብ አሜሪካ ከምጽኡ ከመልክቱ ይኽእሉ። ዜጋ አሜሪካ እንተኾይንኩምን ዕድሜኹም ልዕሊ 21 ዓመት እንተኾይኑ አሕዋትኩምን አሓትኩምን ከምኡ'ውን ወለድኹምን ናብ አሜሪካ ኪተምጽኡ ኪተመልክቱ ትኽእሉ።
ነዚ መስርሕ ነቲ አይ-130 (I-130) ዝብሃል መመልከቲ ብምምላእ ኪትጅምሩዎ ትኽእሉ። ብዛዕባ'ዚ አይ-130 (I-130) መስርሕ ዝያዳ ሓበሬታ አብዚ ይርከብ።
አብ መጨረስታ፤ ዜጋ አሜሪካ እንተኾይንኩም፤ ቅድሚ መርዓ ንሕጽይትኹም ናብ አሜሪካ ኪተምጽኡ ከተመልክቱ ትኽእሉ። ነዚ መስርሕ ንምጅማር አይ-129ኤፍ (I-129F) ዝብሃል ፎርማ ኪትመልኡ አለኩም። ብዛዕባ መስርሕ ቪዛ ሕጹይ ዝያዳ ሓበሬታ እንተደሊኹም አብዚ ተወከሱ።
አብ አሜሪካ ናይ ዘለው ስደተኛታትን ጽግዕተኛታትን አዝማድ ወይ አባላት ስድራ ቤት
ጽግዕተኛታት (Asylees)
አብ አሜሪካ ወረቀ፟ት ስደተኛ ዘለዎ ሰብ፤ ሰብ ሓዳሩ ናብ አሜሪካ ከምጽእ ከመልክት ይኽእል። አብ ዕድመን ሰብ ሓዳር ምኳኖምን ዘይምኳኖምን ብምምርኳስ ድማ ንደቁ'ውን ከምጽእ ከመልክት ይኽእል። እዚ ድማ አይ-730 ( I-730) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቅጺ ብምምላእ ክትግበር ይከአል። አብዚ መደብ ንምምልካት ናይ ክልተ ዓመት ግዜ አሎ። ብዛዕባ’ዚ መስርሕ I-730 ዝያዳ ሓበሬታ አብዚ ይርከብ።
ስደተኛታት (Refugees)
አብ አሜሪካ እንድሕር ከም ስደተኛ ተጣይስኩም፤ ነቲ ቅጺ አይ-730 (I-730 Form) ዝብሃል ብምምላእ በዓል ሓዳርኩምን ዕድሜኦም ትሕቲ 21 ዓመት ዝኾኑ ደቅኹምን ምሳኹም ኪሕወሱ ንኽመጹልኩም ኪተመልክቱ ትኸእሉ። ይኹን እምበር አብ ወርሒ ጥሪ (January) 2025፤ ፕሬዚደንት ትራምፕ እቲ መደብ ምቅ፟ባል ስደተኛታት አሜሪካ (ዩ ኤ አር ኤ ፒ) ( U.S. Refugee Admissions Program (USRAP) ዝብሃል መድብ ኪድስክል ትእዛዝ አመሓላሊፉ። እዚ ድማ ነቲ ብዛዕባ ዘመድኩም አብ መስርሕ አይ-730 ( I-730) ዝመስረትኩሞ ጉዳይ ይጽልዎ እዩ። ብዛዕባ.መስርሕ አይ-730 ( I-730) ን አብዚ እዋን’ዚ ዘሎ ኩነታት ምጣያስ ዝይዳ ሓበሬታ አብዚ ይርከብ።
አዝማድ ወረቀ፟ት ስደተኛ ወይ ድማ ወረቀ፟ት ጽግዕተኛ ዘለዎም ሰባት ናብ አሜሪካ ንኽመጹ ዝሕግዝ ካልእ መደብ 'ውን አሎ። እዚ መደብ’ዚ ንዜጋታት አፍጋኒስታንን ኢራቅን ኤስ አይ ቪ ( SIV) እውን ዝሕግዝ ኮይኑ ፕራዮሪቲ 3 (Priority 3) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ይኹን እምበር ፕሬዚደንት ትራምፕ አብ ወርሒ ጥሪ ( January) 2025፤ እቲ መደብ ምቅ፟ባል ስደተኛታት አሜሪካ ዩ ኤስ አር ኤ ፒ (U.S. Refugee Admissions Program (USRAP) ኪድስክል ዝገብር ትእዛዝ አመሓላሊፉ። ስለዝኾነ ድማ ፕራዮሪቲ 3 (Priority 3) ዝብሃል መደብ አብዚ እዋን'ዚ ሓደሽቲ ማመልከቻታት አይቅበልን እዩ ዘሎ። ብዛዕባ'ዚ መደብ ፕራዮሪቲ 3 (Priority 3) ዝያዳ ሓበሬታ እንተደሊኹም አብዚ ተወከሱ። ከምኡ'ውን ብዛዕባ እቲ ኪድስክል ዝተገብረ መደብ ምጥያስ አብ ምንታይ ኩነታት ከምዘሎ ንምፍላጥ ዝያዳ ሓበሬታ እንተደለኹም አብዚ ተወከሱ።
አብ አሜሪካ ዝርከቡ አባላት ስድራቤት ኢራቅን አፍጋንን ኤስ አይ ቪን (SIV)
አብ አሜሪካ ዘለኹም ተቀ፟በልቲ ፍሉይ ቪዛ ኢሚግሬሽን ዜጋታት ኢራቅ፟ን አፍጋኒስታንን ( Iraqi and Afghan Special Immigrant Visa (SIV) እንተኾይንኩም፤ አብ ሓደሓደ ኩነታት፤ በዓል ቤትኩምን ደቅኹምን ካብ ሃገርኩም ኪመጹን ምሳኹም ኪሕወሱን ኪተምልክቱ ትኸእሉ። እዚ ድማ ‘ንምሕዋስ ምስዓብ” “following to join” ብዝብል ሽም ይፍለጥ። አብዚ እዋን’ዚ ግና መንግስቲ ንአመልከቲ ዜጋታት አፍጋን ኤ አይ ቪ (SIV) ቪዛ ምህብ ጠጠው አቢሉ አሎ፤ ብዛዕባ’ዚ ዝያዳ ሓበሬታ አብ መምርሒ ኢራፕ (IRAP) አሎ።
ምስ ስድራ ቤትካ ብዛዕባ ምሕዋስ ዘሎ ፍሉይ መደባት ስደተኛታት
አቀ፟ድም አቢሉ፤ መንግስቲ አሜሪካ ፍሉይ ብዝኾነ መደባት ምጥያስ ስደተኛታት አሜሪካ ሓደ ሓደ ሰባት ምስ አዝማዶም ኪሕወሱ የፍቅድ ኔሩ። ይኹን እምበር አብ ወርሒ ጥሪ (January) 2025 ፕሬዚደንት ትራምፕ ነቲ መደብ መቀ፟በሊ ስደተኛታት አሜሪካ ዩ ኤስ አር ኤ ፒ (U.S. Refugee Admissions Program (USRAP) ንኽድስክል ትእዛዝ አመሓላሊፉ። ስለዝኾነ ድማ አብ’ዚ እዋን በዘን መደባት እዚአተን መንግስቲ አሜሪካ ሓደስቲ ማመልከቻታት አይቅበልን። ብዛዕባ እዚ ምጥያስ ስደተኛታት ተወሳኺ ሓበሬታ ምስትደልዩ አብዚ ተወከሱ።
ካብዘን ፍሉያት መደባት ሓደ ሓደ አብ ታሕቲ ብዝርዝር ቀሪበን አለዋ።
አብ አሜሪካ አዝማድ ዘለዎም ስደተኛታት ሶርያን ኢራቅ፟ን
ቅድሚ ሕጂ፤ (ከምቲ አብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ) ተቀ፟ባልነት ዝረኸበ አይ-130 ( I-130 ) ዘለዎም ዜጋታት ኢራቅን ሶርያን ወረቀ፟ት ስደተኛ ንምርካብ'ውን ፍሉይ ብዝኾነ መደብ ከመልክቱ ይኽእሉ ኔሮም። ሕጂ ግና ፕሬዚደንት ትራምፕ አብ ወርሒ ጥሪ (January) 2025 ነቲ መደብ ምቅ፟ባል ስደተኛታት አሜሪካ (U.S. Refugee Admissions Program (ዩ ኤስ አር ኤ ፒ USRAP) ከምዝድስክል ስለዝገበረን እቲ ናይ ኢራቅን ሶርያን ዳይሬክት አክሰስ ፕሮግራም (Iraqi and Syrian Direct Access Programs) አካል ዩ ኤስ አር ኤ ፒ (USRAP) ስለዝኾነ ደስኪሉ አሎ። እዚ ድማ አብዚ እዋን’ዚ መንግስቲ አሜሪካ አብቲ መደብ ሓደሽቲ ማመልከቻታት አይቅበልን አሎ ማለት እዩ።
ብዛዕባ ምጥያስ ስደተኛታት ዝያዳ ሓበሬታ አብዚ ይርከብ።
አብ አሜሪካ አዝማድ ዘለዎም አባላት ሃይማኖታዊ ጉጅለታት ኢራን
ሎተንበርግ ፕሮግራም ( Lautenberg Program) ብዝተብሃለ መደብ፤ ብሕጋዊ መገዲ አብ አሜሪካ ዝቅ፟መጡ ሰባት፤ አብ ሃይማኖታዊ ጉጅለታት ኢራን አዝማድ እንተለዎም ናብ አሜሪካ ንኽመጹን ንኽጣየሱን ማመልከቻ ከቅ፟ርቡ ይኽእሉ ኔሮም። ይኹን እምበር ፕሬዚደንት ትራምፕ አብ ወርሒ ጥሪ (January) 2025 ነቲ መደብ ምቅ፟ባል ስደተኛታት አሜሪካ (U.S. Refugee Admissions Program (ዩ ኤስ አር ኤ ፒ USRAP) ከምዝድስክል ስለዝገበረን እቲ መደብ ሎተንበርግ ዝብሃል ድማ አካል ዩ ኤስ አር ኤ ፒ (USRAP) ስለዝኾነ ደስኪሉ አሎ። እዚ ድማ አብዚ እዋን’ዚ መንግስቲ አሜሪካ አብቲ መደብ ሓደሽቲ ማመልከቻታት አይቅበልን አሎ ማለት እዩ። ብዛዕባ'ዚ መደብ ሎተንበርግ (Lautenberg Program) ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ አብዚ ተወከሱ፣ ከምኡ'ውን ብዛዕባ ዝደስከለ መደብ ምጥያስ አብዚ ተወከሱ።
አብ አሜሪካ አዝማድ ብዛዕባ ዘለዎም ዜጋታት ኤል ሳልቫዶር (El Salvador)፣ ጓቴማላ (Guatemala)ን ሆንዱራንስን (Honduras)
መደብ ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ደቂ ማእከላይ አሜሪካ ( Central American Minors (ካም CAM) ዝብሃል መደብ አብ ኤል ሳልቫዶር (El Salvador)፣ ጓቴማላ (Guatemala)ን ሆንዱራንስን (Honduras) ዘለው ቆልዑን ካልኦት አባላት ስድራን ካብ ኪበጽሖም ዝኽእል ስቃ፟ይን ሓደጋን ንኽድሕኑን አብ አሜሪካ ብሕጋዊ መገዲ ምስ ዝቅ፟መጡ ስድራቤቶም ንኽሕወሱ ዝገበር ሕጋዊ መገዲ እዩ ኔሩ። ፕሬዚደንት ትራምፕ አብ ወርሒ ጥሪ (January) 2025 ነቲ መደብ ምቅ፟ባል ስደተኛታት አሜሪካ (U.S. Refugee Admissions Program (ዩ ኤስ አር ኤ ፒ USRAP) ከምዝድስክል ስለዝገበረን እቲ ካም (CAM) ድማ አካል ዩ ኤስ አር ኤ ፒ (USRAP) ስለዝኾነ ምስኡ ደስኪሉ አሎ፤ ሓደሽቲ ማመልከቻታት’ውን አይቅበልን። ብዛዕባ መደብ ካም (CAM) ዝያዳ ሓበሬታ አብዚ አሎ፣ ከምኡ'ውን ሓበሬታ ብዛዕባ እዋናዊ ምድስካል ምጥያስ አብዚ ይርከብ።
ብዛዕባ ሓገዝ ምሕታት
ንስኹም ወይ ድማ እቲ ዘመድኩም ብዛዕባ እዚ መስርሕ ሓገዝ ንኽትፈልጡ ጠበቃ፟ ኢሚግሬሽን ክትሓቱ ትደልዩ ትኾኑ። ካብዚ ብምቅ፟ጻል ዝርዝር ናይቶም ምንጭታት አብዚ ነቅ፟ርብ፡
- ሓበሬታ ብዛዕባ ካብ ኢራፕ IRAP) ሓገዝ ምርካብ።
- ዘለኹሞ ሃገር ዮርዳኖስ እንተኾይኑ፣ ነዚ ፎርማ ተጠቂ፟ምኩም ካብ ቤት ጽሕፈት ኢራፕ ዮርዳኖስ ( IRAP) ሓገዝ ኪትሓቱ ትኽእሉ። እቲ ፎርማ ተዓጽዩ እንተኾይኑ ጽንሕ ኢልኩም መልሲኩም ሕተቱ።
- አብ አሜሪካ ናጻ ወይም ነቲ ዝህቡዎ አገልግሎት ኢሚግሬሽን ዘየኽፍሉ ዝርዝር ጠበቃ፟ታት አብዚ ትረኽቡ።
- ብግሊ ዝሰርሑ ዝርዝር ጠበቃ፟ታት ኢሚግሬሽን አብዚ ይርከብ።
ኣህጉራዊ ፕሮጀክት ሓገዝ ስደተኛታት (IRAP) ንገለ ስደተኛታትን ተመዛበልቲን ብነጻ ሕጋዊ ሓገዝ ይህብ።
- IRAP ንገለ ሰባት ኣገልግሎት ክረኽቡን ናይ ስደተኛታትን ናይ ቪዛ መመልከቲ ንምድላውን ይሕግዞም።
- IRAP ኣካል ዝኾነ መንግስቲ፣ IOM ወይ UNHCR ኣይኮነን።
- IRAP ናይ ስደተኛ ደረጃ ወይ ቪዛ ክህብ ወይ ንጉዳያት ከቀላጥፍ ኣይክእልን እዩ።
- IRAP ገንዘባዊ ሓገዝ ክህብ፣ መንበሪ ገዛ ክረክብ ወይ ክኸፍል፣ ወይ ስራሕ ክረክብ ኣይክእልን እዩ።
- ኩሉ ሓገዝ IRAP ብነጻ’ዩ። ምስ IRAP ርክብ ዘለዎ ሰብ ገንዘብ ወይ ካልእ ኣገልግሎት ክሓተካ መሰል የብሉን።
IRAP ንሰባት ኣብ ኣድላይነቶምን ብቑዕነቶምን ንኹነታት ኢሚግሬሽን መሰረት ብምግባር ክሕግዞም ይውስን። IRAP ንሰባት ንምሕጋዝ ብዝኾነ ካልእ ማሕበራዊ ወይ ፖለቲካዊ ወይ ሃይማኖታዊ መዐቀኒታት መሰረት ኣይውስንን እዩ።
እዚ መርበብ ሓበሬታ ብዛዕባ ንገለ ስደተኛታት ዝቐርብ ሕጋዊ መስርሕ ሓፈሻዊ ሓበሬታ ይህብ። ንውልቃዊ መመልከቲታት ከም ሕጋዊ ምኽሪ ዝዓለመ ኣይኮነን።
ጠለባት ክቕየሩ ይኽእሉ እዮም። ኩሉ ግዜ ካብቲ ሕቶኻ ዝውስን መንግስቲ ወይ ትካል እዋናዊ ጠለባት እንተሃልዩ መርምር።
ኣብ ህጹጽ ኩነታት ስደተኛታት እንተሃሊኹም፣ ኣብታ እትነብረሉ ሃገር ዝርከብ ቤት ጽሕፈት UNHCR ክትረኽብዎ ንመክር።
Comments
0 comments
Please sign in to leave a comment.