ዝርዝር ዝተኣተፈ ናይ ዝተዛረበ ርእስታት
እዚ ጽሑፍ’ዚ መጨረስታ ዝተሓደሰ 19 ግንቦት (May) 2025 እዩ
ሓጺር መግለጺ
እዚ ጽሑፍ’ዚ፤ ነቶም ብዛዕባ እዋናዊ መምሪሕታት ምጥያስ ስደተኛታት አሜሪካን ብዛዕባ ፕሬዚደንት ትራምፕ አብ 20 ጥሪ (January) 2025 ዝፈረመሉ ፈጻሚ ትእዛዝን (executive order) ሕቶታት ንዘለዎም ሰባት ዝተዳለወ እዩ። እዚ ፈጻሚ ትእዛዝ “ ምስትኽኻል መደብ አቀባብላ ስደተኛታት አሜሪካ (Realigning the United States Refugee Admissions Program) “ ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ’ውን ነቲ ዝነበረ መደብ ምጥያስ ስደተኛታት አሜሪካ (U.S. refugee resettlement program) ዘደስክል እዩ።
እዚ ጽሑፍ፤ እቲ ፈጻሚ ትእዛዝ እንታይ ይብል ከምዘሎን፣ እቲ ዝተገብረ ለውጥታት ንኹሎም ስደተኛታትን አብዚ እዋን እዚ መሰል ስደተኛ ኪውሃቦም ንዝሓቱ ዘለውን ከመይ ጌሩ ከምዝጸልዎምን መረዳእታ ዝህብ እዩ። በተወሳኺ’ውን እዚ ጽሑፍ’ዚ መደብ ዓለምለኸ ሓገዝ ስደተኛታት ( ኢራፕ- IRAP)፤ መንግስቲ መደብ ምጥያስ ስደተኛታት ከምዝድስክል ኪገብር አይነበሮን ብዝብል አብ ልዕሊ መንግስቲ አሜሪካ ክሲ ስለዝቅ፟ረበ እዚ ክሲ’ዚ ነቲ ፈጻሚ ትእዛዝ ብኸመይ ከምዝጸልዎን ዘረድእ እዩ።
ስደተኛታት ሕጂ’ውን ናብ አሜሪካ ኪመጹ ይኽእሉ ዶ?
እዚ መልሲ ንኽትህበሉ ዘጸግም ዝተሓላለኸ ሕቶ እዩ። እቲ ዝውሃብ መልሲ ድማ ንዝተፈላለዩ ሰባት ዝተፈላለየ ኪኸውን ይኽእል። ነዚ ንምርዳእ እቲ ምስ ምጥያስ ስደተኛታት ዝተአሳሰረ ፈጻሚ ትእዛዝ (executive order) እንታይ ከምዝብልን እቲ ትእዛዝ ብኸመይ ነቲ መምርሒ አሜሪካ ከምዝቀ፟የረን ከምኡ’ውን ነቶም ናብ አሜሪካ ኪመጹ ዝደልዩ ስደተኛታት እቲ እዋናዊ መምርሒታት ከመይ ከምዝጸልዎምን ብቀ፟ዳምንት ንዘራረብ።
እቲ መደብ ምጥያስ ስደተኛታት አሜሪካ፤ መደብ ምቅ፟ባል ስደተኛታት አሜሪካ (United States Refugee Admissions Program) ወይ ድማ ዩ-ኤስ አር-ኤ-ፒ (USRAP) ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ። ፈጻሚ ትእዛዝ (executive order) ክብሃል ከሎ ድማ እቲ ፕሬዚደንት ሃገር፤ መንግስቲ ገለ ገለ ስራሓት ኪሰርሕ ኪደሊ ከሎ ብፍሉይ ፈሪሙ ዘውጽኦ ኦፊሲያላዊ ሰነድ እዩ።
20 ጥሪ (January) 2025፤ ፕሬዚደንት ትራምፕ፤ ዳግመ-ምስራዕ መደብ ምቅ፟ባል ስደተኛታት አሜሪካ (Realigning the United States Refugee Admissions Program) ብዝብል ሽም ፈጻሚ ትእዛዝ አውጺኡ። እዚ ትእዛዝ፤ መንግስቲ አሜሪካ ነቲ ስደተኛታት ናብ ሃገሩ ንኽአትዉ ዘኽእል ዝነበረ መደብ ንዝተወሰነ ግዜ አደስኪሉዎ አሎ ይብል፤ ነቲ ክሳብ ሕጂ ገና መልሲ ዘይተውሃበሎም ጉዳያት’ውን መልሲ ካብ ምርካብ ከምዝድስክሉ ጌሩ አሎ ይብል።
ደድሕሪ እቲ ፕሬዚደንት ዝሃቦ ትእዛዝ፤ መንግስታዊ ትካላት፤ ምቅ፟ባል ሓደሽቲ ጉዳያት ስደተኛታት ጠጠው አቢለን፤ ነቲ ገና ውሳነ ዘይተገብረሉ ጉዳያት ከምዝድስክል ጌረን አለዋ። ከምኡ’ውን ናብ አሜሪካ ኪአትው ተፈቂ፟ድሎም ዝነበሩ ስደተኛታት ንኸምጽአ ተመዲበን ዝነበራ ነፈርትን መደባት ጉዕዞን ሰሪዘን።
እቲ መደብ ምጥያስ ስደተኛታት አሜሪካ ክሳብ ሕጂ ደስኪሉ ድዩ ዘሎ?
ኢራፕ (IRAP) ወይ ድማ መደብ ዓለምለኸ ሓገዝ ስደተኛታት፤ መንግስቲ አሜሪካ ዝገበሮ ምድስካል መደብ ምቅ፟ባል ስደተኛታት አሜሪካ (US Refugee Admissions Program / ዩ-ኤስ-አር-ኤ-ፒ USRAP) ዘይሕጋዊ እዩ ኢሉ አብ ልዕሊ መንግስቲ አሜሪካ ክሲ አቅ፟ሪቡ አሎ። እቲ ጉዳይ ገና አብ ቤት ፍርዲ እዩ ዘሎ። ግና አብዚ እዋን’ዚ ሓደ ዳኛ እቲ መንግስቲ አደስኪልዎ ዝጸንሐ መደብ እንደገና ኪጅምሮ ውሳነ ሂቡ አሎ። ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት፤ ብምኽንያት ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ዝተፈላለየ ትእዛዛት፤ መንግስቲ ነቲ “ብፍሉይ ቅድመ-ኩነት” ናብ ሃገር ኪአትው ናይ ዝተፈቀ፟ደሎም ጉዳይ ስደተኛታት ጥራይ እንደገና ክሪእን ናብ ሃገር ኪአትው ከፍቅድን አለዎ ይብል። እዞም በፍሉይ ቅድመ-ኩነት ጉዳዮም ኪረአን ናብ ሃገር ኪአትው ዝተፈቀ፟ደሎምን እዞም ዝሰዕቡ እዮም፤
- ናብ አሜሪካ ኪአትዉ ቅድሚ 20 ጥሪ 2025 መደብ ተታሕዝሎም ዝነበሩን
- ክትከዱ ኢኹም ዝብል፤ ከምቲ እተን አብያተ ፍርዲ፤ “ሓያልን ዘተአማምን ተስፋ” (strong reliance interest) ዝብሉዎ ተስፋ ዝተውሃቦም ስደተኛታትን የጠቃ፟ልል።
እቲ ክሲ
አብ 10 ለካቲት (February) 2025፤ መደብ ዓለምለኻዊ ሓገዝ ስደተኛታት ኢራፕ (IRAP)፤ ፓቺቶ አንጻር ትራምፕ (Pacito v. Trump) ብዝብል ሽም፤ አብ ልዕሊ መንግስቲ አሜሪካ ክሲ አቅ፟ሪቡ አሎ። እቲ ክሲ፤ መንግስቲ አሜሪካ፤ ነቲ መደብ ምቅ፟ባል ስደተኛታት አሜሪካ (ዩ-ኤስ-አር-ኤ-ፒ/ USRAP) ከምዝድስክል ምግባሩን እቲ መደብ ዝረኽቦ ዝነበረ ሓገዝ ገንዘብ ብፈጻሚ ትእዛዝ ጠጠው ኪብል ምግባሩን ሕጊ ምጥሓስ እዩ ይብል። እቲ ክሲ፤ ዳኛ አሜሪካ፤ እቲ ፈጻሚ ትእዛዝን እቲ መንግስቲ ዝገበሮ ምድስካል መደብ ምቅ፟ባል ስደተኛታት አሜሪካን ዘይሕጋዊ ምዃኖም ኪውስን ይሓትት።
ወቅ፟ታዊ ኩነታት
አብ 15 ግንቦት (May) 2025፤ ሓደ ዳኛ ፤ መንግስቲ፤ ጉዳይ ናይቶም “ብፍሉይ ቅድመ-ኩነት” ናብ ሃገር ኪአትዉ ዝተፈቀ፟ደሎም ስደተኛታት እንደገና ብቁ፟ልጡፍ ኪረእን ጉዳይ ጉዕዞም እንደገና ከሰላስልን አዚዙ። እዚኦም ድማ፤
- ናብ ሃገር ኪጓዓዙ ቅድሚ 20 ጥሪ (January) 2025 ዝተፈቀ፟ደሎም
- ጉዳዮም ሓደ ብሓደ እናተርአየ “ሓያልን ዘተአማምን ተስፋ” (strong reliance interest) ዝተውሃቦም ስደተኛታት
እቲ ውሳነ ቤት ፍርዲ፤ ቅድሚ 3 ለካቲት (February) 2025፤ ኪጓዓዙ ዝተመደበሎም ስደተኛታት፤ አብ ትሕቲ “ሓያልን ዘተአማምን ተስፋ” (strong reliance interest) ዝተውሃቦም ስደተኛታት ክምዝጥርነፉ ወሲኑ። ስለዝኾነ ድማ ጉዳዮምን ጉዕዞምን ብዝቀ፟ልጠፈ ኪሳለጠሎም ወሲኑ። አብነት ናይ’ዚ “ሓያልን ዘተአማምን ተስፋ ዝተውሃቦም” (strong reliance interest) ንምጥቃስ፤ ክንከይድ ኢና ኢሎም ኪራይ ገዝኦምን ስርሖምን ዘረከቡ ስደተኛታት የምልከት። ካልኦት አብነታት’ውን አለው።
እዚ ከምኡ እናሃለወ፤ ቤት ፍርዲ፤ ጉዳይ ናይቶም ድሕሪ 3 ለካቲት (February) 2025 ንኽጉዓዙ ነፋሪት ዝሓዙ ስደተኛታት ዝከታተልን ውሳኔ ዝህብን ሓላፊ ሰበስልጣን ከምዝምድብ አፍሊጡ አሎ።
ነዚ ጉዳይ ዝምልከት ፋይላትን ትእዛዛት ቤት ፍርድን ንኽትርእዩ አብዚ ጠውቁ፟ ።
እዚ ፈጻሚ ትእዛዝ ነቲ ጉዳየይ ብኸመይ እዩ ዝትንክፎ?
አብ 25 ለካቲት (February) 2025፤ መንግስቲ ንመደብ ምጥያስ ስደተኛታት እንደገና ከጀምሮ አለዎ ኢሉ ዳኛ ውሳነ ቀቅድሚ ምሕላፉ፤ መንግስቲ ነቲ መደብ አደስኪሉ፤ እቲ ኩሉ ስደተኛ ዘእተውዎ ማመልከቻ ጠጠው ከምዝብል ጌሩ ኔሩ። እቲ መንግስቲ ጠጠው ከምዝብል ጌሩዎ ዝነበረ ስራሓት እዚ ዝሰዕብ እዩ ኔሩ፡
- ምቅ፟ባል ሓደሽቲ አመልከቲታት (referrals)
- ምጅማር ሓደሽቲ ጉዳያት
- ምምዳብ መዓልታትን ሰዓታትን ቃለመጠይቃ፟ት
- ምቅ፟ባልን ዘይምቅ፟ባልን ጉዳያት
- ምምዳብ መዓልታትን ሰዓታትን ቆጸራታት ሓኪም
- ነዞም ንኹሉ ስጉምትታት ዘማልኡ ሰባት ናብ አሜሪካ ንኸመጹ ትኬት ነፋሪት ምድላውን
ይኹን እምበር እቲ መንግስቲ፤ አብ ደቡብ አፍሪቃ ዝርከቡ አፍሪካነርስን (Afrikaners)ን “ተፈታውነት ዘይብሎም (disfavored minorities ) ገለ ውሑዳትን፤ በቲ ንደቡብ አፍሪቃ ሓዲሽ ፕሮግራም ብዝብሎ ጉዳዮም ኪሳለጠሎም ጌሩ አሎ።
እቲ ዝተገብረ ምድስካል ዘይምልከቶም ፍሉያት ጉዳያት አለውዶ? እዚ ሓዲሽ መመሪሒታት ዘይምልከቶም ጉዳያት አለው’ዶ?
እቲ ፈጻሚ ትእዛዝ ፍሉይ ነገራት ኪህልው ከምዝኸእሉ ይዛረብ። ይኹን እምበር እቲ ትእዛዝ ዘይምልከቶም ፍሉይ ኩነታት እንታይ ዓይነታት ጉዳያት ከምዝኾኑ አይነጸረን። እቲ ትእዛዝ፤ መንግስቲ ፍሉይ ኢሉ ዝምድቦም ”ጥቅ፟ሚ ሃገራዊ ድሕነት” እዩ ኢሉ ዝወሰኖምን አብ ልዕሊ “ድሕነት ሃገር ሓደጋ ከኽትል አይክእልን ኢዩ” ናይ ዝበሎም ጉዳያት ስደተኛታትን ጥራይ እዩ። እቲ ትእዛዝ እንታይ ማለት ከምዝኾነ ብንጹር አየርድእን እዩ። ብተወሳኺ፤ ዝኾነ ጉዳይ ፍሉይ እዩ ኢሉ ናይ ምውሳን መስርሕ ኪጅምር ዝኽእል መንግስቲ ጥራይ ምዃኑ ገሊጹ አሎ።
ብመሰረት ሓገዝ ስደተኛታት አሜሪካ (USRAP) ሓዲሽ ጉዳይ ክኸፍት ዶ እኽእል?
ንሕና ክሳብ ንፈልጦ፤ እቶም አፍሪካነርስን (Afrikaners) ተፈታውነት ዘይብሎም ውሑዳትን (disfavored minorities) ደቡብ አፍሪቃውያን ጥራይ ኢዮም አብዚ እዋን’ዚ በመሰረት እቲ ሓዲሽ ፕሮግራም ንደቡብ አፍሪቃውያን ሓዲሽ ጉዳይ ኪኸፍቱ ዝኽእሉ።
እዚ ምድስካል ንመደብ ጉጅለ እንኳዕ ደሓን መጻኹም (Welcome Corps program) ይትንክፎ ድዩ?
እወ። ከም ሓደ መልሲ ፈጻሚ ትእዛዝ ፕሬዚደንት፤ መንግስቲ አሜሪካ፤ ነቲ ኩሉ መደብ እንኳዕ ደሓን መጻኹም (Welcome Corps program) አደስኪሉዎ እዩ። ሓደሽቲ ማመልከቻታት ስፖንሰርሺፕ (ሓላፊነት ዝወስድ-sponsorship) ምቅ፟ባልን ምጽራይ ገና ዘይተወድኡ ጉዳያትን አደስኪሉ አሎ። ብመደብ እንኳዕ ብደሓን መጻኹም ዝምወሉን ጉዳዮም ተራእዩ ቅድሚ 20 ጥሪ 2025 መደብ ጉዕዞም ዘሳለጡን በመሰረት ዝተውሃቦም ተስፋ ገለ ገለ ለውጥታት ዝገበሩን ስደተኛታት ሕጂ’ውን ጉዳዮም ተራእዩ ኪጉዓዙ አለዎም ይብል።
አነ አፍጋኒስታዊ ወይ ድማ ኢራቃዊ ክኸውን ከለኹ፤ ንደቂ አፍጋኒስታን ወይ ድማ ደቂ ኢራቅ፟ ዝውሃብ ፍሉይ ቪዛ ስደተኛታት(Afghan or Iraqi Special Immigrant Visa / ኤስ-አይ-ቪ-SIV) ክውሃበኒ ዝሓትት ዘለኹ አመልካቲ እዬ። እዚ ምምሕዳር ትራምፕ ዝገብሮ ዘሎ ምድስካል ወይ ድማ ለውጥታት ነቲ ናተይ ማመልከቻ ኤስ-አይ-ቪ-(SIV) ኪጸልዎ ይኽእል ዶ?
ምናልባት።
ምእታው ማመልከቻ፣ ቃለመጠይቃ፟ት፣ ካልኦት መስርሓት ማመልከቻታት ምፍጻም፡ አብ ኤምባሲታት ወይ ቆንስላዊ አብያተ ጽሕፈታት ዝግበር ምእታው ማመልከቻታት ስደተኛታት አፍጋኒስታንን ኢራቅ፟ን- ኤስ-አይ-ቪ (SIV)፣ ቃለመጠይቅ፟ ምግባር፣ ካልኦት መስርሓት ማመልከቻታት፤ ክፋል ናይ ምቅ፟ባል ስደተኛታት አሜሪካ ዩ-ኤስ-አር-ኤ-ፒ (USRAP) ስለዘይኮኑ፤ በዚ መደብ ምድስካል አይትንከፉን እዮም።
ጉዕዞ፡ ዓለምለኸ ውድብ ስደተኛታት (International Organization for Migration IOM) ተሓዝቲ ቪዛ ኤስ-አይ-ቪ (SIV) ንዝኾኑ ስደተኛታት አፍጋኒስታንን ኢሪቅ፟ን፤ ናብ አሜሪካ ኪገብሩዎ ዝነበረ በረራ ነፋሪት ከምዝድስክል ጌሩ። ብገዛ ገንዘቦም ትኬት ኪገዝኡ ግን አፍቂዱ አሎ።
ጠቀ፟ሜታታት ስደተኛታት፡ ብምኽንያት ዝተወስዱ ካልኦት ስጉምትታት ምምሕዳር ትራምፕ፤ አብ ልዕሊ’ቲ ንትካላት ምጥያስ ዝውሃብ ዝነበረ ገንዘባዊ ሓገዝ ለውጥታት ስለዝተገብረ ተሓዝቲ ቪዛ ኤስ-አይ-ቪ (SIV)፤ አብ አሜሪካ ምስ በጽሑ፤ እቲ ለውጢ ኪጸልዎም ይኸእል ኢዩ። ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ’ዚ ምስ እትደልዩ፤ ነቲ አብ ታሕቲ ዝርከብ ክፋል መምርሒ ተወከሱ።
እቲ ምድስካል፤ ነቲ አፍጋን ፒ-1/ፒ-2 ( P-1 / P-2 program) ዝብሃል መደብ ብምጥቃም ማመልከቻ ንዘእተው ስደተኛታት አፍጋኒስታን ይጸልዎም ድዩ?
እወ፤ በዚ ፈጻሚ ትእዛዝ ኩሉ ማመልከቻ ስደተኛታት እንኮላይ መደብ አፍጋን ፒ-1/ፒ-2 (Afghan P-1 / P-2 ) ይጽሎ እዩ።
ምምሕዳር ትራምፕ፤ ነቲ ስደተኛታት ካብ አፍጋኒስታን ተበጊሶም ንምኻድ ኪኽእሉ ዝገብሮ ዝነበረ መደብ ሓገዝ ጉዕዞ (ምግዓዝ ኬር-CARE relocation) አደስኪሉዎ ድዩ?
ካብ 28 ጥሪ (January) 2025 ጀሚሩ መንግስቲ አሜሪካ ነቲ ስደተኛታት አፍጋኒስታን ካብ ሃገሮም ተበጊሶም ናብ አሜሪካ ንም እታው ዝገብሮ ዝነበረ ክፍሊት ጉዕዞ ነፋሪት አደስኪሉዎ እዩ። መንግስቲ ብዛዕባ’ዚ ወግዓዊ መግለጺ እዃ እንተዘይሃበ፤ አብዚ መጨረስታ ዓመት አቢሉ ነቲ ሙሉእ መደብ ኪስርዞ እዩ ዝበሃል ዜና ይነፍስ አሎ።
አባል ስድራቤተይ ዝኾነ ሰብ አነ ናብ አሜሪካ ክመጽእ ማመልከቻ አእቲዩለይ አሎ። ኪመጽእ’ዶ እኽእል?
ብዛዕባ ጉዳይ ሓደ ውልቀሰብ ርግጸኛ ዝኾነ መልሲ ኪንህብ አይንኸእልን ኢና። ይኹን እምበር እዚ ትእዛዝ ንዘተፈላለዩ ጉዳያት ከመይ ከምዝጸሉ ንፈልጥ ኢና።
በቲ ትእዛዝ ዘይጽለው ጉዳያት
- እቲ ነቲ I-730 (ንምጽንባር ስዒቡ ዝመጸ ስደተኛ-follow-to-join asylee) ዝብሃል መስርሕ ተጠቂ፟ሙ ናብ አሜሪካ ከምጽአኩም ዝደለየ ዘመድኩም ንባዕሉ ስደተኛ ወይ ድማ ጽግዕተኛ እንተኾይኑ፡ ጉዳይኩም በቲ ትእዛዝ አይትንከፍን እዩ።
- አሲሊስ “Asylees” ወይ ድማ ጽግዕተኛ ዝብሃሉ አብ ውሽጢ አሜሪካ ኮይኖም መሰል ስደተኛ ዝውሃቦም ሰባት እዮም። አብ ዓዶም ኮይኖም መስርሕ I-730 ብምጥቃም ናብ አሜሪካ ንኽመጹ ዝሓተቱ አባላት ስድራቤት ጽግዕተኛ፤ ጉዳዮም አካል ዩ-ኤስ-አር-ኤ-ፒ (USRAP) ስለዘይኮነ፤ እቲ ፈጻሚ ትእዛዝ (executive order ) አይምልከቶምን እዩ።
- ብዛዕባ’ዚ ንጽግዕተኛታት ዝምልከት መስርሕ I-730 ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ነዚ ብምጽቃጥ ተወከሱ።
- I-130: እቲ ዘመድኩም ነቲ መስርሕ I-130(አብ ስድራ ቤት ዝምርኮዝ መሕተት ፎርም ስደተኛታት) ተጠቂ፟ሙ ናብ አሜሪካ ከምጽአኩም እንተደልዩ፤ ጉዳይኩም በቲ ትእዛዝ ዝትንከፍ አይኮነን።
- እዚ መስርሕ I-130 (አብ ስድራ ቤት ዝምርኮዝ መሕተት ፎርም ስደተኛታት) ዘገልግል ነቶም ብቁ፟ዕ ዝኾኑ አዝማዶም ናብ አሜሪካ ከምጽኡ ዝደልዩ ዜጋታት አሜሪካን ሕጋዊ ነበርቲ አሜሪካን (ግሪን ካርድ ዘለዎም) እዩ። እዚ መስርሕ እዚ አካል ዩ-ኤስ-አር-ኤ-ፒ (USRAP ) አይኮነን። ዝያዳ ሓበሬታ አብዚ ይርከብ።
በዚ ትእዛዝ ዝጽለው ጉዳያት
- እቲ ዘመድኩም ስደተኛ እንተኾይኑ’ሞ መስርሕ I-730 (“follow-to-join refugee”) ተጠቂ፟ሙ ናብ አሜሪካ ከምጽአኩም እንተመልከተ፡ ጉዳይኩም በቲ ትእዛዝ ይጽሎ እዩ። ብምኽንያት እቲ ትእዛዝ ምድስካል፤ ኩለን መንግስታዊ ትካላት፤ ነቲ መስርሕን ጉዳይ ጉዕዞን ከምዝድስክል ጌረን እየን። ብዛዕባ’ዚ አይ-730 (I-730 ) ተወሳኺ ሓበሬታ ምስትደልዩ ነዚ ጽቀ፟ጡ።
- ዝኾነ ዘመድኩም በቲ ፕራዮሪቲ (Priority) 3” (P-3) መስርሕ መደብ ምጽንባር ምስ ስድራ ፤ ናብ አሜሪካ ከምጽእኩም ማመልከቻ እንተ የእቲልኩም፡ ጉዳይኩም በቲ ትእዛዝ ኪጽሎ ይኽእል።
- ኢራቃዊ ወይ ድማ ሶርያዊ እንተኾይንኩምን ዘመድኩም ነቲ ፍሉይ መደብ I-130 ዩ-ኤስ-አር-ኤ-ፒ ተጠቂ፟ሙ ናብ አሜሪካ ከእትወኩም እንተአመልኪቱ፤ ብሸነኽ ዩ-ኤስ-አር-ኤ-ፒ (USRAP)ዝተገብረ ጉዳይኩም በቲ ትእዛዝ ኪጽሎ ይኽእል እዩ። ይኹንእምበር በቲ ስሩዕ መስርሕ I-130 ዝውሃብ ቪዛ ስደተኛታት በቲ ትእዛዝ አይትንከፍን እዩ።
- ዘመድኩም ወይ ድማ ካልእ ሰብ፤ በቲ መደብ እንኳዕ ደሓን መጻኹም (Welcome Corps ) አቢሉ ስፖንሰር ኪኾነኩም (ኩሉ ናትኩም ሓላፊነት ክሽከም) ማመልከቻ እንተቅ፟ረበ፡ እቲ ጉዳይኩም በቲ ትእዛዝ ኪጽሎ ይኽእል እዩ።
- ሓደ ዘመድኩም፤ ብመስርሕ መደብ ቆልዑ ማእከላይ አሜሪካ ( Central American Minors (ካም-CAM) Program)፤ ናብ አሜሪካ ከምጸአኩም ማመልከቻ አንተአእትዩልኩም፤ እቲ ጉዳይኩም በቲ ትእዛዝ ኪጽሎ ይኽእል እዩ። ጉዳያት ስደተኛታት ካም (CAM) አካል ዩ-ኤስ-አር-ኤ-ፒ (USRAP) ስለዝኾነ፤ እቲ ትእዛዝ ንጉዳይኩም ኪጸሉ ይኽእል እዩ። መደብ ዓለምለኻዊ ሓገዝ ስደተኛታት ኢራፕ (IRAP) መንግስቲ እዚ መደብ ካም (CAM) ኪድስከል ከምዝገበረ ይርዳእ። እቲ መንግስቲ ግን ብዛዕባ’ዚ ወግዓዊ ዝኾነ መግለጺ አይሃበን፤ ንሕና’ውን አብዚ እዋን’ዚ ዝርዝር ሓበሬታ የብልናን።
እቲ ምድስካል ነቲ ምስ ላዕላዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት (United Nations High Commissioner for Refugees (ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-አር-UNHCR) ዘሎ ጉዳያት ይጸሉዶ?
አይጸሉን። እቲ ምድስካል፤ ንመስርሓት ምጥያስን ስደተኛታትን ዩ- ኤን-ኤች-ሲ-አር (UNHCR) ወይ ድማ ንውሳነታት
ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-አር (UNHCR) ዝገብሮ ጽልዋ የለን።
ይኹንምበር ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-አር (UNHCR) ናብ ምጥያስ ስደተኛታት አሜሪካ አመሓላሊፍኩምን አብዚ እዋን’ዚ ጉዳይኩም
ምስ ዩ-ኤስ-አር-ኤ-ፒ (USRAP) እንተኾይኑን በቲ ፈጻሚ ትእዛዝ (executive order) ኪጽሎ ይኸእል ይኸውን።
አብ አሜሪካ ንኽጣየስ ብሸነኽ ዩ-ኤስ-አር-ኤ-ፒ (USRAP) እንድሕር ተጌሩ’ሞ አብዚ እዋን’ዚ አነ አብ ውሽጢ አሜሪካ እንተለኹ፤ እቲ ምድስካል ንጉዳየይ ኪጸሉ ይኸእልዶ?
እቲ ምድስካል፤ ካብ አሜሪካ ወጻኢ ንዘለውን ብሸነኽ ዩ-ኤስ-አር-ኤ-ፒ (USRAP) ናብ አሜሪካ ኪአትው ንዝደልዩን ስደተኛታት ጥራይ እዩ ዝምልከት። አብ ውሽጢ አሜሪካ እንተለኹም፤ እቲ ምድስካል ንጉዳይኩም አይምልከትን/አይጸልውን እዩ። ምስ ስድራ ንኽትጽንበሩ ማመልከቻ ዘእትወኩም እንተኾንኩምን እዚ መስርሕ ንጉዳይኩም ይምልከት ምዃኑን ዘይምዃኑን ብዝያዳ ንምርዳእን፤ አብ ላዕሊ ተጻሒፉ ዘሎ ጽሑፍ ተወከሱ።
ብ ዩ-ኤስ-አር-ኤ-ፒ (USRAP) አብ አሜሪካ ክጣየስ እንተተጌሩ ወይ ድማ ብኤስ-አይ-ቪ (SIV) ናብ አሜሪካ ክአቱ እንተተጌሩ እሞ አነ ንስደተኛታት ዝውሃብ ጠቀ፟ሜታታት ተቀ፟ባሊ እንተኾይነ፤ ምምሕዳር ትራምፕ ነቲ ትካላት ምጥያስ ስደተኛታት ዝውሃብ ዝነበራ ሓገዝ ገንዘብ ክድስክል ስለዝገበረ እዚ ንዓይ ኪጽልወኒ’ዶ ይኽእል?
ምናልባት። ካብቲ ምድስካል ዩ-ኤስ-አር- ኤ-ፒ ( USRAP) ፍልይ ብዝበለ፡ ምምሕዳር ትራምፕ፤ ነቲ ትካላት ምጥያስ አብ አገልግሎት ስድተኛታት ኪውዕል ካብ መንግስቲ ዝረኽብኦ ዝነበራ ሓገዝ ገንዘብ ከይጥቀማሉን ጠጠው ከብልኦን አዚዙ አሎ። ሓደ ሓደ ትካላት ምጥያስ ነቲ ዝህብኦ ዝነበራ አገልግሎት ቀጺለንኦ አለዋ፤ ገለ ድማ ሓደ ሓደ ለውጢ ኪገብራ ወይ ድማ ኪዕጸዋ እየን። መደብ ዓለምለኸ ሓገዝ ስደተኛታት ኢራፕ ( IRAP) ነዚ ምድስካል አገልግሎታት ብምቅዋም አብ ልዕሊ መንግስቲ ክሲ አቅሪቡ አሎ፡ እዚ ድማ ሓደ ክፋል ናይቲ ክሲ እዩ።
ተወሳኺ ሓበሬታን ምንጭታትን
እቲ መስርሕ ምጥያስ ስደተኛታት አሜሪካ እንታይ እዩ?
ነቲ ዘቅ፟ረብኩዎ መመልከቲ ሕቶ ስደተኛታት አሜሪካ ከመይ እዩ ኪሪኦ?
መስርሕ ምጥያስ ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት እንታይ እዩ?
ኣህጉራዊ ፕሮጀክት ሓገዝ ስደተኛታት (IRAP) ንገለ ስደተኛታትን ተመዛበልቲን ብነጻ ሕጋዊ ሓገዝ ይህብ።
- IRAP ንገለ ሰባት ኣገልግሎት ክረኽቡን ናይ ስደተኛታትን ናይ ቪዛ መመልከቲ ንምድላውን ይሕግዞም።
- IRAP ኣካል ዝኾነ መንግስቲ፣ IOM ወይ UNHCR ኣይኮነን።
- IRAP ናይ ስደተኛ ደረጃ ወይ ቪዛ ክህብ ወይ ንጉዳያት ከቀላጥፍ ኣይክእልን እዩ።
- IRAP ገንዘባዊ ሓገዝ ክህብ፣ መንበሪ ገዛ ክረክብ ወይ ክኸፍል፣ ወይ ስራሕ ክረክብ ኣይክእልን እዩ።
- ኩሉ ሓገዝ IRAP ብነጻ’ዩ። ምስ IRAP ርክብ ዘለዎ ሰብ ገንዘብ ወይ ካልእ ኣገልግሎት ክሓተካ መሰል የብሉን።
IRAP ንሰባት ኣብ ኣድላይነቶምን ብቑዕነቶምን ንኹነታት ኢሚግሬሽን መሰረት ብምግባር ክሕግዞም ይውስን። IRAP ንሰባት ንምሕጋዝ ብዝኾነ ካልእ ማሕበራዊ ወይ ፖለቲካዊ ወይ ሃይማኖታዊ መዐቀኒታት መሰረት ኣይውስንን እዩ።
እዚ መርበብ ሓበሬታ ብዛዕባ ንገለ ስደተኛታት ዝቐርብ ሕጋዊ መስርሕ ሓፈሻዊ ሓበሬታ ይህብ። ንውልቃዊ መመልከቲታት ከም ሕጋዊ ምኽሪ ዝዓለመ ኣይኮነን።
ጠለባት ክቕየሩ ይኽእሉ እዮም። ኩሉ ግዜ ካብቲ ሕቶኻ ዝውስን መንግስቲ ወይ ትካል እዋናዊ ጠለባት እንተሃልዩ መርምር።
ኣብ ህጹጽ ኩነታት ስደተኛታት እንተሃሊኹም፣ ኣብታ እትነብረሉ ሃገር ዝርከብ ቤት ጽሕፈት UNHCR ክትረኽብዎ ንመክር።
Comments
0 comments
Please sign in to leave a comment.