ዝርዝር ዝተኣተፈ ናይ ዝተዛረበ ርእስታት
እዚ ጽሑፍ'ዚ 27 ሓምለ 2026 ተሓዲሱ።
ሓጺር መግለጺ
እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ እዋናዊ መምሕሪሒታት ዳግመ-ምጥያስ ስደተኛታትን ፕሬዚደንት ትራምፕ አብ 20 ጥሪ 2025 ብዛዕባ ዝፈረሞ “መፈጸሚ ትእዛዝ” (executive order) ሕቶታት ንዘለዎም ሰባት ዝተዳለው እዩ። እዚ መፈጸሚ ትእዛዝ፤ ‘ምትዕራራይ መደብ ምቅ፟ባል ስደተኛታት አሜሪካ” ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ እዩ። እዚ ድማ ነቲ ዝነበረ መደብ ምጥያስ ስደተኛታት አሜሪካ አደስኪሉዎ።
እዚ ጽሑፍ፤ እቲ ዝተገብረ መፈጽሚ ትእዛዝ እንታይ ከምዝብልን ነቶም በቲ ለውጥታት ዝጽለው ሰባት፣ ን አብነት አብዚ ሕጂ እዋን አመልኪቶም ንዘለውን ካብ ሕጂ ንነጀው ከመልክቱ ንዝደልዩን እንታይ ትርጉም ከምዘለዎን የብርህ። ከም ተወሳኺ'ውን እዚ ጽሑፍ፤ መንግስቲ፤ ነቲ ጉዳይ ምጥያስ ስደተኛታት ኪድስክል ዝወሰዶ ስጉምቲ ብምቅዋም ኢራፕ (IRAP) አብ ቤት ፍርዲ ዘቅ፟ረቦ ክሲ ብኸመይ ነቲ ትእዛዝ ከምዝጽልዎ የረድእ።
እቲ መደብ ምቅ፟ባል ስደተኛታት አሜሪካ ዩ ኤስ አር ኤ ፒ (USRAP) እንታይ ኮይኑ?
መደብ ምጥያስ ስደተኛታት አሜሪካ (U.S. refugee resettlement program) አብዚ እዋን'ዚ መደብ ምቅ፟ባል ስደተኛታት አሜሪካ (United States Refugee Admissions Program) ወይ ድማ ዩ ኤስ አር ኤ ፒ (USRAP) ተባሂሉ ይጽዋዕ።
አብ 20 ጥሪ ( January )2025፤ ፕሬዚደንት ትራምፕ፤ ” መደብ ምትዕርራይ ምቅ፟ባል ስደተኛታት አሜሪካ” ብዝብል ሽም መፈጸሚ ትእዛዝ (executive order) አመሓላሊፉ። “መፈጸሚ ትእዛዝ” ማለት መንግስቲ ዝኾነ ነገር ምእንታን ኪገብር ካብ ፕሬዚደንት ዝውሃብ ኦፊሲያላዊ ዶኩመንት ወይ ሰነድ እዩ። እዚ ትእዛዝ፤ መንግስቲ አሜሪካ፤ ግዜኡ ንዘይተፈልጠ እዋን፤ ስደተኛታት ናብ አሜሪካ ንኸይአትዉ ጠጠው አቢሉ አሎ ። አብዚ እዋን አብ መስርሕ ዘለው ማመልከቻታት ስደተኛታት'ውን ውሳነ ንኸይረኽቡ ጠጠው አቢሉ አሎ።
ፕሬዚደንት መፈጸሚ ትእዛዝ ምስ አሕለፈ ድሕሪ ቁሩብ፤ ትካላት መንግስቲ ሓደስቲ ማመልከቻታት ስደተኛታት ምቅ፟ባል ጠጠው አቢለን፤ ነቲ አብ መስርሕ ዝነበራ ጉዳያት’ውን ዓጺየን። ብተወሳኺ'ውን ተታሒዙ ዝነበራ በረራታትን ናይቶም ንኺጓዓዙ ተፈቂ፟ዱሎም ዝነበረ ምድላዋት ጉዕዞ ስደተኛታትን ሰሪዞም።
አብ 10 ለካቲት (February) 2025፤ ኢራፕ ( IRAP) ፓሲቶ አንጻር ትራምፕፋይልድ ( Pacito v. Trumpfiled) ብዝብል መጸዋዕታ ዝፍለጥ ክሲ አንጻር መንግስቲ አብ ቤት ፍርዲ አቅ፟ሪቡ። እዚ ክሲ'ዚ፤ መንግስቲ፤ ነቲ መደብ ምቅ፟ባል ስደተኛታት አሜሪካ ከምዝድስክል ብምግባርን በቲ ዝገበሮ መፈጸሚ ትእዛዝ እቲ ዝውሃብ ዝነበረ ገንዘባዊ ሓገዝ ጠጠው ከምዝብል ምግባሩ ዘይሕጋዊ ብምኳኑ ሕጊ ጥሒሱ አሎ ዝብል እዩ። እቲ ክሲ፤ ዝኾነ ዳኛ ቤት ፍርዲ፤ እቲ መንግስቲ ዝገበሮ ምድስካል መደብ ስደተኛታትን እቲ ዘሕለፎ መፈጸሚ ትእዛዝን ዘይሕጋዊ እዩ ኢሉ ውሳኔ ከሕልፍ ዝሓትት እዩ። እዚ ጉዳይ'ዚ ሕጂ'ውን ገና አብ ቤት ፍርዲ እዩ ዘሎ ግና አብዚ እዋን’ዚ እቲ ቤት ፍርዲ ፕሬዚደንት ትራምፕ ነቲ ምድስካል መደብ ዳግመ ምጥያስ ስደተኛታት ጠጠው ከብሎ አፍቂዱሉ አሎ።
እቲ ቤት ፍርዲ ዘሕለፎ ውሳኔታትን ትእዛዛትን አበይ ከምትረኽቡዎ ክትፈልጡ እንተደሊኹም አብዚ ተወከሱ።
እዚ መፈጸሚ ትእዛዝ (executive order) ከምይ ጌሩ እዩ ነቲ ጉዳየይ ኪጸልዎ ዝኽእል?
አብዚ እዋን’ዚ፤ መንግስቲ ፍሉይ ዝኾነ አብ ደቡብ አፍሪቃ ዝርከብ ሓዲሽ መደብ እዩ ጉዳይ ስደተኛታት ዝምልከት ማመልከቻታት ዝቅ፟በል ዘሎ። ን ካ፟ልኦት ኩሎም አመልከቲ ብዝምልከት ግን፤ መንግስቲ ነቲ ኩሉ መስርሕ ስደተኛታት አደስኪሉዎ አሎ፤ እዚ ድማ ነዚ ዝስዕብ የጠቃ፟ልል፤
- ኩሉ ሓደስቲ ማመልከቻታት
- ምፍጣር ሓደሽቲ ጉዳያት
- ንቃ፟ለመጠይቃ፟ት ቆጸራታት ምሃብ
- ጉዳያት ምቅ፟ባልን ምንጻግን
- ንሕክምናዊ መርመራታትን ቆጸራታታት ምሃብ
- ነቶም ኩሉ ነገር ዘማልኡ ስደተኛታት ግዜታት በረራ ምትዕርራይ
አብቲ ምድስካል ከም ፍሉይ ዝርአ ነገር አሎ'ዶ? እቲ ሓደስቲ መምርሒታት ዘይሰርሓሉ ኩነታት አሎ'ዶ?
እቲ መፈጽሚ ትእዛዝ አብቲ ምድስካል ፍሉይ ዝኾነ ነገር ኪህሉ ይኽእል እዩ ይብል። ይኹን እምበር፤ ብፍሉይ ክረአ ዝኽእል ጉዳይ እንታይ ዓይነት ጉዳይ ምዃኑ አይዝርዝርን እዩ። እቲ ትእዛዝ፤ መንግስቲ ንዝኾነ ነገር ፍሉይነት ዝገብረሉ እቲ ጉዳይ “ንጥቅ፟ሚ ሃገር” እዩ ኢሉ እንተወሲኑ ወይ ድማ ዝኾነ ስደተኛ “ ንድሕነትን ጸጥታን ሃገርን አየሰግእን ኢዩ” ኢሉ እንተወሲኑ ጥራይ ኢዩ ይብል። እቲ ትእዛዝ እንታይ ማለት ከምዝኾነ ግና ብትኽክል አየብርህን እዩ። ሓደ ጉዳይ ብፍሉይ ኪረአ አለዎ ኢሉ መስርሕ ውሳነ ኪጅምር ዝኽእል’ውን መንግስቲ ጥራይ ኢዩ ኢሉ አሎ።
ሓዲሽ ጉዳይ ዩ ኤስ አር ኤ ፒ (USRAP) ኪኸፍት ‘ዶ እኸእል?
ንሕና ክሳብ እንፈልጦ፤ በቲ መደብ ምቅ፟ባል ስደተኛታት ደቡብ አፍሪቃ (Refugee Admissions Program for South Africans.) ዝብል ሓዲሽ ፕሮግራም፤ አፍሪካኒርስ ዝብሃሉን “ዘይፍተው ጉጅለ ውሑዳት ሰባት (disfavored minorities) ጥራይ እዮም ሓዲሽ ጉዳያት ዩ ኤስ አር ኤ ፒ (USRAP) ኪኸፍቱ ዝኽእሉ።
እቲ ዝተገብረ ምድስካል ነቲ መደብ ‘እንኳዕ ብድሓን መጻኹም’ (Welcome Corps) ይጸልዎ'ዶ ?
እወ። መንግስቲ አሜሪካ፤ ከም መልሰ ግብሪ መፈጸሚ ትእዛዝ፤ ኩሉ ክፋላት መደብ ‘እንኳዕ ብድሓን መጻኩም’ (Welcome Corps) ከምዝድስክል ጌሩ እዩ። ሓደስቲ ማምልከቻታት ምቅ፟ባል ጠጠው አቢሉ፤ ነቲ አብ መስርሕ ዝነበረ ማመልከቻታት ከምዝድስክል ጌሩ እዩ።
እቲ መደብ ስደተኛታት መዓስ እዩ እንደገና ዝኽፈት?
መጻኢ መደብ ስደተኛታት አሜሪካ እንታይ ከምዝኸውን ምትንባይ አሸጋሪ እዩ። እቲ መደብ መዓስ እንደገና ከምዝኽፈት’ውን አይንፈልጥን ኢና። እቲ ነቲ በፕሬዚደንት ትራምፕ ዝወጸ መፈጸሚ ትእዛዝ (executive order) ብምቅዋም አብ ቤት ፍርዲ ዝቀ፟ረበ ክሲ ሕጂ’ውን ገና አብ መስርሕ እዩ ዘሎ። ናይ መጨርስታ ውሳነ ንኽረክብ ክንደይ ግዜ ከምዝወስድ’ውን ንፈልጦ ነገር የለን።
አነ ንዜጋታት አፍጋኒስታን ወይ ድማ ዜጋታት ኢራቅ ዝውሃብ ተሓዛይ ፍሉይ ቪዛ አፍጋናዊ ወይ ኢራቃዊ (Afghan or Iraqi Special Immigrant Visa (ኤስ አይ ቪ SIV) አመልካቲ እዬ። እቲ ብምምሕዳር ትራምፕ ዝተገብረ ምድስካል ወይ ካልኦት ለውጥታት ነቲ ናተይ ኤስ አይ ቪ (SIV) ክጸልዉ ዶ’ ይኸእል?
እቲ መደብ ኤስ አይ ቪ ( SIV) አካል መስርሕ ስደተኛታት አሜሪካ አይኮነን። ይኹን እምበር፤ ፕሬዚደንት ትራምፕ፤ ዜጋታት ዝተወሰኑ ሃገራት፤ እንኮላይ አፍጋኒስታን፤ ናብ አሜሪካ ንኸያትው ዝኽልክል እገዳ ጉዕዞ አውጺ ኡ አሎ። ብዛዕባ እዚ እገዳ ጉዕዞ አብዚ ዝያዳ አንብቡ። እቲ መደብ ኤስ አይ ቪ ( SIV) በቲ ምድስካል መደብ ስደተኛታት ዘይጽሎ እንተኾነ፤ በቲ እገዳ ጉዕዞ ይጽሎ እዩ። አብ ልዕሊ አመልከቲ ደቂ ኢራቅ፟ ኤስ አይ ቪ ( SIV) ዝተገብረ እገዳ ጉዕዞ ግን የለን።
ካልእ ኪትፈልጡዎ ዝግባእ ድማ አብ ልዕሊ እቲ አመልከቲ ኤስ አይ ቪ ( SIV) ዝመልእዎ ማመልከቻ ኮም ( COM) ለውጥታት ከምዝተገብረ እዩ። መንግስቲ፤ ሓደስቲ ማመልከቻታት ኮም (COM) ወይ ድማ አብ መስርሕ ንዘለው ጉዳያት ዘድሊ ተወሳኺ ዶኩመንታት አይቅበልን ዘሎ። ብዛዕባ አብ ልዕሊ መስርሕ ማመልከቻታት ኮም (COM) ዝተገብረ ለውጥታት ንኽትፈልጡ አብዚ ብዝያዳ አንብቡ።
እቲ ምድስካል ነቲ ብመደብ አፍጋን ፒ-1/ፒ-2 (Afghan P-1/P-2) ዘመልከቱ ደቂ አፍጋኒስታን ይጸሉ ድዩ?
እወ። በዚ መፈጽሚ ትእዛዝ ኩሉ ማመልከቻታት ስደተኛታት፤ እንኮላይ እቲ መደብ ፒ-1/ፒ-2 (Afghan P-1/P-2) ይጽሎ እዩ።
ምምሕዳር ትራምፕ፤ ካብ አፍጋኒስታን ንዝኾኑ ደቂ አፍጋኒስታን ካብ መንግስቲ አሜሪካ ዝውሃብ ዝነበረ ሓገዝ ቦታ ምቅ፟ያር ኬር (CARE relocations) ከምዝድስክል ጌሩ ድዩ?
መንግስቲ አሜሪካ፤ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ካብ አፍጋኒስታን ንዝኾኑ ገለገለ አፍጋናውያን ዝሕግዝ ዝነበረ አተሓባባሪ ጻዕርታት ቦታ ምቅ፟ያር አፍጋናውያን ( Coordinator for Afghan Relocation Efforts)፣ መደብ ምግዳስ (CARE program) ዓጺዎ እዩ።
አባላት ስድራቤተይ ዝኾኑ ሰባት፤ አነ ምስኦም አብ አሜሪካ መጺአ ኪሕወሶም ማመልከቻ አእትዮምለይ ኔሮም። ሕጂ'ውን ኪመጽእ እኽእል’ዶ?
አብ ስድራቤት ዝምርኮዝ ሓደሓደ ማመልከቻ እሚግሬሽን በቲ መደብ ምድስካል ኢሚግሬሽን አይጽሎን እዩ። ይኹን እምበር፤ ፕሬዚደንት ትራምፕ ንገለገለ ሃገራት እገዳ ጉዕዞን ምድስካል ቪዛ ኢሚግሬሽንን ጌሩ አሎ። እቲ ዝተገብረ እገዳ ጉዕዞን ምድስካል ቪዛ ኢሚግሬሽንን ይጸልወኩም ከይከውን ንምፍላጥ አብዚ ተወከሱ።
በቲ ምድስካል መደብ ስደተኛታት ዘይጽለው ዓይነት ጉዳያት
-
እቲ ዘመድኩም ባዕሉ ስደተኛ እንተኾይኑን ናብ አሜሪካ ምእንታን ኪትመጹ በቲ I-730 ( ንክትሕወስ ተኸተል ዝብል መደብ (“follow-to-join asylee”) እንተኾይኑ ማመልከቻ አእቲዩልኩም፤ ጉዳይኩም በቲ ምድስካል መደብ ስደተኛ አይጽሎን እዩ።
- አሲሊ ወይ ጽግዕተኛ (Asylees) ክብሃል ከሎ አብ ውሽጢ አሜሪካ ከለው ወረቀ፟ት ስደተኛ ዝረኸቡ ሰባት ማለት እዩ። ጉዳዮም አካል ዩ ኤስ አር ኤ ፒ ( USRAP) ስለዘይኮነ፤ ናብ አሜሪካ ንኽመጹ ነቲ መስርሕ I-730 ዝተጠቀ፟ሙ አባላት ስድራቤት ጽግዕተኛታት በቲ መፈጽሚ ትእዛዝ (executive order) አይጽለዉን እዮም።
- ይኹን እምበር፤ ካበይ ሃገር ከምዝኾንኩም አብ ግምት አትዩን ሽም ሃገርኩም አብቲ እገዳ ዝተገብረለን ዝርዝር ሃገራት ምህላውን ዘይምህላውን አብ ግምት አትዩ፤ እቲ I-730 በቲ እገዳ ጉዕዞን ምድስካል ቪዛ ኢሚግሬሽንን ኪጽሎ ይኽእል ከምዝኾነ ዘክሩ።
- ብዛዕባ'ዚ ንስደተኛታት ዝግበር I-730 ዝያዳ ሓበሬታ አብዚ ኪትረክቡ ትኸእሉ።
-
I-130: እቲ ዘመድኩም ናብ አሜሪካ ምእንታን ኪትመጹ ነቲ አብ ስድራቤት ዝምርኮዝ ፎርም ኢሚግሬሽን I-130 እንድሕር ኮይኑ መሊእልኩም፤ ጉዳይኩም በቲ ምድስካል መደብ ስደተኛታት አይጽሎን እዩ።
- እዚ አብ ስድራቤት ዝምርኮዝ መስርሕ ኢሚግሬሽን I-130፤ ብቁዕ ዝኾኑ አባላት ስድራቤቶም ካብ ሃገሮም ናብ አሜሪካ ከምጽኡ ንዘደልዩ ዜጋታት አሜሪካን ሕጋውን ቋምን መቀ፟መጢ ወረቀ፟ት ንዘለዎም ተሓዝቲ ግሪን ካርድን (green card) ዘገልግል እዩ። እዚ መገዲ'ውን አካል ዩ ኤስ አር ኤ ፒ (USRAP) አይኮነን። ዝያዳ ሓበሬታ አብዚ ክርከብ ይከእል።
- ይኹን እምበር ካበይ ሃገር ከምዝኾንኩምን ሽም ሃገርኩም አብቲ እገዳ ዝተገብረለን ዝርዝር ሃገራት ምህላውን ዘይምህላውን አብ ግምት አትዩ፤ እቲ I-730 በቲ እገዳ ጉዕዞን ምድስካል ቪዛ ኢሚግሬሽንን ኪጽሎ ይኽእል ከምዝኾነ ዘክሩ።
በቲ አብ ልዕሊ መደብ ስደተኛታት ዝተገብረ ምድስካል ዝጽለው ዓይነት ጉዳያት
- እቲ ዘመድኩም ባዕሉ ስደተኛ እንተኹይኑን ናብ አሜሪካ ከምጽአኩም ዝደሊ ነቲ አይ- 730 ( I-730 ) ዝተብሃላ ፎርም ተጠቂ፟ሙ ወይ ድማ ነቲ መስርሕ “ንኽትሕወሱ ተኽተሉ ሰደተኛ ” (follow-to-join refugee”) ዝብል ተጠቂ፟ሙ እንተኾይኑ፤ ጉዳይኩም ደስኪሉ አሎ። ብምኽንያት እቲ ምድስካል፤ ትካላት መንግስ፤ መስርሕ ምጽራይ እዘን ጉዳያትን ዝተገብረለን ምድላዋት ጉዕዞን ከምዝድስክል ጌረን እየን። ብዛዕባ እዚ ንሰደተኛታት ዝግበር አይ- 730 ( I-730 )ዝያዳ ንምፍላጥ አብዚ ተወከሱ።
- እቲ ዘመድኩም ናብ አሜሪካ ከምጽአኩም ዝደለየ፤ ነቲ ”ፕራዮሪቲ 3” Priority 3 (P-3 - ፒ-3) ምጽንባር ምስ ቤተሰብ ዝብል መስርሕ ተጠቂ፟ሙ እንተኾይኑ፤ ጉዳይኩም ደስኪሉ አሎ።
-
ዜጋ ኢራቅ፟ ወይ ዜጋ ሶርያ እንተኾይንኩምን እቲ ዘመድኩም ናብ አሜሪካ ክትመጹ ነቲ ፍሉይ መደብ አይ-130 ( I-130) ዩ ኤስ አር ኤ ፒ (USRAP) ተጠቂ፟ሙ እንተኾይኑ፤ ብ ዩ ኤስ አር ኤ ፒ (USRAP) ዝተገብረ ጉዳይኩም ደስኪሉ አሎ። እቲ አይ-130 ( I-130) ጉዳይኩም’ውን በቲ እገዳ ጉዕዞን ምድስካል ቪዛ ስደተኛታትን ኪጽሎ ይኽእል።
- እቲ ዘመድኩም ወይ ድማ ዝኾነ ካልእ ሰብ ማመልከቻ ዘእተወልኩም በቲ ‘እንኳዕ ብደሓን መጻኹም’ (Welcome Corps) ዝብል መደብ እንተኾይኑ፤ ጉዳይኩም ደስኪሉ አሎ።
- እቲ ዘመድኩም ናብ አሜሪካ ከምጽአኩም ዝደሊ በቲ መደብ ትሕቲ ዕድመ ሴንትራል አሜሪካ ማይነርስ (Central American Minors ( ካም CAM) እንተኾይኑ፤ ጉዳይኩም ደስኪሉ አሎ።
እቲ ዝተገብረ ምድስካል ነቲ አብ ትሕቲ ላዕላዋይ ኮሚሽነር ሕቡራት መንግስታት (United Nations High Commissioner for Refugees (ዩ ኤን ኤች ሲ አር UNHCR) ዘለው ጉዳያት ይጸሉ ድዩ?
አይጸሉን። እቲ ዝተገብረ ምድስካል፤ ንኩነታት ስደተኛታት ወይ ድማ ዳግመ -ምጥያስ ስደተኛታት ብዝምልከት፤ ስርዓተ-አሰራርሓ ዩ ኤን ኤች ሲ አር (UNHCR) ወይ ድማ ውሳኔታት ዩ ኤን ኤች ሲ አር (UNHCR) አይጸሉን እዩ። ይኹን እምበር፤ ዩ ኤን ኤች ሲ አር (UNHCR) ንኽትጣየሱ ናብ አሜሪካ ሰዲዱኩምን አብዚ እዋን’ዚ ጉዳይኩም ጉዳይ ዩ ኤስ አር ኤ ፒ (USRAP) እንተኾይኑን፤ እቲ አብ አሜሪካ ንኽትጣየሱ ዝገብረኩም ጉዳይ በቲ መፈጸሚ ትእዛዝ (executive order) ደስኪሉ አሎ ማለት እዩ።
አብ አሜሪካ ንኽጣየስ ብዩ ኤስ አር ኤ ፒ (USRAP) እንተተመዲበን አብዚ እዋን’ዚ አብ ውሽጢ አሜሪካ እንተለኹን፤ እቲ ምድስካል ነቲ ዘለኹዎ ኩነታት ይጸሉ'ዶ?
እቲ ምድስካል ዝጸሉ ነቶም ካብ አሜሪካ ወጻኢ ዘለውን ብዩ ኤስ አር ኤ ፒ (USRAP) አቢሎም ናብ አሜሪካ ክአትው ንዝደልዩን ስደተኛታት ጥራይ እዩ። አብ ውሽጢ አሜሪካ እንተለኹም፤ እቲ ምድስካል ነቲ ናትኩም ኩነታት ኢሚግሬሽን አይጽሉን እዩ።
ይኹን እምበር፤ አብ አሜሪካ ንዘለዉ ስደተኛታት ዝጽልው ካልኦት ሓደስቲ መምርሒታት አለው። ንአብነት፤ መንግስቲ “እንደገና ምፍታሽ” (revetting) ወይ ድማ ናብቲ ዝሓለፈ ጉዳያት እቶም አብ ውሽጢ አሜሪካ ዘለው ስደተኛታት አትዩ ከምብሓዲሽ ይምርምር አሎ። ስለዝኾነ ድማ ብዛዕባ ጉዳይ ስደተኛነትኩም ዝኾነ ጽሑፍ ካብ መንግስቲ እንተረኺብኩም፤ ነዘን ምንጭታት ተወከሱ።
አብ ውሽጢ አሜሪካ ዘለው ስደተኛታት ብዛዕባ ክፈልጡዎ ዝግብእ ጉዳያት ዝያዳ ሓበሬታ እንተደሊኹም አብዚ ተወከሱ።
ብዩ ኤስ አር ኤ ፒ (USRAP) አብ አሜሪካ ክጣየስ እንተተጌረ ወይ ድማ ናብ አሜሪካ ብ ኤስ አይ ቪ (SIV) እንተአትዬን ንስደተኛታት ዝውሃብ ጠቀ፟ሜታታት ዝረከብ እንተኾይነን፤ እቲ ምምሕዳር ትራምፕ ንትካላት ምጥያስ ስደተኛታት ዝውሃብ ዝነበረን ዘደስከሎን ገንዘባዊ ሓገዛት ንዓይ ይጸልወኒ ድዩ?
ንምድስካል መደብ ስደተኛታት ብምቅዋም አብ ቤት ፍርዲ ንዝቀ፟ረበ ክሲ አብዚ ቀረባ እዋን መልሲ ዝሃበ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ፤ መንግስቲ ን አገልግሎታት ስደተኛታትን አብ ውሽጢ አሜሪካ ንዘለው ኤስ አይ ቪ (SIV) ዝህቦ ዝነበረ ገንዘባዊ ሓገዝ ኪቅ፟ጽሎ አዚዙ አሎ።
ተወሳኺ ሓበሬታን ምንጭታትን
እቲ መስርሕ ዳግመ-ምጥያስ ስደተኛታት አሜሪካ እንታይ እዩ?
ኩነታት እቲ ዘእተኹዎ ማመልከቻ ስደተኛ አሜሪካ አብ ምንታይ ደረጃ ከምዘሎ ከመይ ጌረ እየ ዝፈልጥ?
እቲ መስርሕ ዳግመ-ምጥያስ ዩ ኤን ኤች ሲ አር (UNHCR) እንታይ እዩ?
ኣህጉራዊ ፕሮጀክት ሓገዝ ስደተኛታት (IRAP) ንገለ ስደተኛታትን ተመዛበልቲን ብነጻ ሕጋዊ ሓገዝ ይህብ።
- IRAP ንገለ ሰባት ኣገልግሎት ክረኽቡን ናይ ስደተኛታትን ናይ ቪዛ መመልከቲ ንምድላውን ይሕግዞም።
- IRAP ኣካል ዝኾነ መንግስቲ፣ IOM ወይ UNHCR ኣይኮነን።
- IRAP ናይ ስደተኛ ደረጃ ወይ ቪዛ ክህብ ወይ ንጉዳያት ከቀላጥፍ ኣይክእልን እዩ።
- IRAP ገንዘባዊ ሓገዝ ክህብ፣ መንበሪ ገዛ ክረክብ ወይ ክኸፍል፣ ወይ ስራሕ ክረክብ ኣይክእልን እዩ።
- ኩሉ ሓገዝ IRAP ብነጻ’ዩ። ምስ IRAP ርክብ ዘለዎ ሰብ ገንዘብ ወይ ካልእ ኣገልግሎት ክሓተካ መሰል የብሉን።
IRAP ንሰባት ኣብ ኣድላይነቶምን ብቑዕነቶምን ንኹነታት ኢሚግሬሽን መሰረት ብምግባር ክሕግዞም ይውስን። IRAP ንሰባት ንምሕጋዝ ብዝኾነ ካልእ ማሕበራዊ ወይ ፖለቲካዊ ወይ ሃይማኖታዊ መዐቀኒታት መሰረት ኣይውስንን እዩ።
እዚ መርበብ ሓበሬታ ብዛዕባ ንገለ ስደተኛታት ዝቐርብ ሕጋዊ መስርሕ ሓፈሻዊ ሓበሬታ ይህብ። ንውልቃዊ መመልከቲታት ከም ሕጋዊ ምኽሪ ዝዓለመ ኣይኮነን።
ጠለባት ክቕየሩ ይኽእሉ እዮም። ኩሉ ግዜ ካብቲ ሕቶኻ ዝውስን መንግስቲ ወይ ትካል እዋናዊ ጠለባት እንተሃልዩ መርምር።
ኣብ ህጹጽ ኩነታት ስደተኛታት እንተሃሊኹም፣ ኣብታ እትነብረሉ ሃገር ዝርከብ ቤት ጽሕፈት UNHCR ክትረኽብዎ ንመክር።
Comments
0 comments
Please sign in to leave a comment.