ዝርዝር ዝተኣተፈ ናይ ዝተዛረበ ርእስታት
እዚ ጽሑፍ አብ 2 ሚያዝያ (April) 2026 ተሓዲሱ።
ሓጺር መግለጺ
እዚ ጽሑፍ'ዚ ህጹጽ ምስጓግ (expedited removal)እንታይ ማለት ከምዝኾነን ንመን ከምዝጸሉን የረድእ። መንግስቲ አሜሪካ ካብ ወርሒ ጥሪ (January) 2025 ጀሚሩ ኪትግብሮ ብዛዕባ ዝጀመሮ መስርሕ ህጹጽ ምስጓግ (expedited removal) ሓበሬታ ዝህብ እዩ። እዚ ጽሑፍ ነዘን ዝስዕባ አርእስታት የጠቃ፟ልል፤
- ሓበሬታ ብዛዕባ መስርሕ ህጹጽ ምስጓግ (expedited removal)
- መን እዩ አብ’ዚ መስርሕ ኪአቱ ዝኽእል
- አብቲ መስርሕ ምስ አተኻ እንታይ ከምዝቅ፟ጽልን
- አብ አሜሪካ ንምጽናሕ ብምፍታን፤ ካብቲ መስርሕ ብኸመይ ከምዝውጻእ
ህጹጽ ምስጓግ (Expedited removal) እንታይ ማለት እዩ?
እዚ “ ህጹጽ ምስጓግ” (Expedited removal)፤ መንግስቲ አሜሪካ ንገለገለ ሰባት ብህጹጽ ካብ ሃገር ንምስጓግ ዘፍቅደሉ መስርሕ እዩ። ንአብነት፤ እዚ መስርሕ'ዚ ብዘይ ሕጋዊ ፈቃ፟ድ ናብ አሜሪካ ኪአትዉ ንዝፈተኑን አብ ዶብ አሜሪካ ወይ ጥቃ፟ ዶብ ምስ ወተሃደራት ኢሚግሬሽን አሜሪካ ንዝተራኸቡ ሰባት ብህጹጽ ካብ አሜሪካ ንምስጓግ ዝግበርን ካብ ነዊሕ ግዜ አትሒዙ ኪስረሓሉ ዝጽንሐን እዩ።
በዚ ህጹጽ ምስጓግ (Expedited removal) ምስ ዳኛ ቤትፍርዲ ናይ ምርኻብ መሰል የብልኩምን። ብአንጻሩ ካልእ ሰበስልጣን መንግስቲ አሜሪካ፤ አብ ቅድሚ ዳኛን ቤት ፍርድን ናይ ምቅ፟ራብ ዕድል ከይተውሃብኩም፤ ካብ ሃገር ኪሰጎኩም ይኽእል እዩ። ሓንሳብ ውሳነ ምስጓግ ምስተውሃበ፤ ናብቲ ዜግነት ዘለኩም ሃገር ኪትስጎጉ ትኽእሉ። ናብ ዝኾነ ዜግነት ዘይብልኩም ካልእ ሃገር’ውን ክትስጎጉ ተኽእሎ አሎ፡፡
ምምሕዳር ትራምፕ፤ አብ መምሪሒታት ህጹጽ ምስጓግ (expedited removal) ከመይ እዩ ለውጥታት ኪገብር ፈቲኑ?
አብ ወርሒ ጥሪ (January) 2025፤ መንግስቲ ነቲ አጠቃ፟ቅ፟ማ ህጹጽ ምስጓግ (expedited removal) ንምጥንኻር ሓደስቲ መመርሒታት አውጺኡ። ምምሕዳር ትራምፕ፤ ናብ አሜሪካ ንምእታው ቪዛ ዘይነበሮምን አብ አሜሪካ ካብ ዝአትው ልዕሊ ክልተ ዓመት ከምዝገበሩ ከመስክሩ ዘይክእሉን ሰባት፤ አብ መስርሕ ህጹጽ ምስጓግ (expedited removal) ኪአትው ይኽእሉ ይብል። አብ ሓደሓደ ኩነታት’ውን አብ አሜሪካ ልዕሊ ክልተ ዓመት ዝገበሩ ሰባት’ውን አብቲ ህጹጽ ምስጓግ (expedited removal) ኪአትዉ ይኸእሉ ይብል። እዚ ነቶም በቲ ወግዓዊ መእተዊ ዶብ፤ ናብ አሜሪካ ንምእታው ዝሓተቱ ሰባት’ውን የጠቃ፟ልል (ንአብነት አብ ዶብ አሜሪካንን ሜክሲኮን)።
ሓደ ሓደ ሰባት ነዚ መደብ ህጹጽ ምስጓግ (expedited removal) ንምጥንኻር ዝተገብረ ለውጥታት ብምቅዋም አብ ቤት ፍርዲ ጥርዓን/ክሲ አቅ፟ሪቦም አለው። ቤት ፍርዲ’ውን እቲ ዝቀ፟ረበ ክሲ ክሳብ ውሳነ ዝረክብ፤ መንግስቲ ነዚ መደብ ህጹጽ ምስጓግ (expedited removal) ከይሰርሓሉ አዚዙ አሎ። ብዛዕባ’ዚ ክሲ ዝያዳ ሓበሬታ እንተደሊኹም አብዚ ተወከሱ።
መንግስቲ፤ አብ ወርሒ ጥሪ (January) 2025፤ አብ አሜሪካ ብግዚያዊነት ንኽመጡ ንዝተፈቀ፟ደሎም ሓደ ሓደ ሰባት (parole)'ውን አብቲ መደብ ህጹጽ ምስጓግ (expedited removal) ከእትዎም ከምዝኽእል ገሊጹ አሎ። እዚ በቲ ሲ ቢ ፒ ዋን (CBP One) ቆጸራ ንዝአተውን ነቶም ናብ አሜሪካ በሽም ፔሮል(parole) አትዮም ብግዜያዊነት ንኽመጡ ዝተፈቀ፟ደሎም ዜጋታት ኩባ፣ ሄቲ፣ ኒካራግዋን ቬኑዜላን’ውን ይምልከት እዩ።
ሓደ ሓደ ሰባት ነዚ መደብ ህጹጽ ምስጓግ (expedited removal) ንምጥንኻር ዝተገብረ ለውጥታት ብምቅዋም'ውን አብ ቤት ፍርዲ ጥርዓን/ክሲ አቅ፟ሪቦም አለው። ቤት ፍርዲ’ውን እቶም ብሽም ፔሮል (parole) አብ አሜሪካ ብግዜያውነት ኪቅ፟መጡ ፍቃ፟ድ ዘለዎም ሰባት አብቲ መመርሒ ህጹጽ ምስጓግ (expedited removal) ኪአትዉ አብዚ እዋን እዚ አይክእሉን። እዚ ክሲ ወይ ጥርዓን ገና አብ ቤት ፍርዲ እዩ ዘሎ፤ ብዛዕብ’ኡ ሓዲሽ ሓበሬታ እንተተደልዩ አብዚ ተወከሱ።
አገዳስነት እዚ ለውጥታት እንታይ እዩ?
ቅድሚ እዚ ለውጥታት 'ዚ፤ አብ ውሽጢ አሜሪካ ዘለው ሰባት አብ መስርሕ ህጹጽ ምስጓግ (expedited removal) ዝአትዉ ዝነበሩ ካብ ዶብ አሜሪካ አብ ውሽጢ 100 ማይልስ እንተተረኸቡን ናብ አሜሪካ ካብ ዝአትው 14 መዓልታት ከይመልኦም ወተሃደራት ኢሚግሬሽን እንተሓዝዎምን ጥራይ እዩ ኔሩ። ምምሕዳር ትራምፕ፤ ነቲ መምሪሕታት መስርሕ ህጹጽ ምስጓግ (expedited removal) ንምቅ፟ያር አብ ዝፍትነሉ ዘሎ እዋን፤ እቶም ዝተሓዙ ሰባት ካብቲ ዶብ ክንደይ ማይልስ ርሒቆ፟ም ከምዝተትሓዙ አየገድስን እዩ ይብል። እዚ ማለት ድማ አብ ውሽጢ አሜሪካ ዘለው ካልኦት ሓያሎ ሰባት፤ አብቲ መደብ ህጹጽ ምስጓግ (expedited removal) ክአትው ይኸእሉ እዮም ማለት እዩ። ከምኡ'ውን መንግስቲ ጉዳዮም አብ ቅድሚ ዳኛ ኢሚግሬሽን ቀሪቡ ዘሎ ሰባት፤ አብ መስርሕ ህጹጽ ምስጓግ (expedited removal) ካብ ምእታው፤ ጉዳዮም ብእዋኑ ክውድእሎም ኪፍትኑ አለዎም ይብል። እዚ ድማ አብ ቅድሚ ዳኛ ቀሪቦም ጉዳዮም ናይ ምርዳእ ዕድል ቅድሚ ምርካቦም፤ ሓደጋ ምእሳርን ካብ ሓገር ምስጓግን ከስዕበሎም ይኽእል እዩ።
እዚ መምሪሒታት'ዚ ንግዚኡ ካብ ምስራሕ ጠጠው እኳ እንተበለ፤ እቲ መንግስቲ፤ ነዚ መደብ ህጹጽ ምስጓግ ((expedited removal) ከምዝጠናኸርን አብ ልዕሊ ካልኦት ጉጅለታት ኪሰርሕ ንምግባርን ካልኦት ለውጢታት ኪገብር ይኽእል እዩ። ዝኾነ አብ አሜሪካ ሕጋውን ቀዋምን መንበሪ ወረቀ፟ት (ግሪን ካርድ) ዘይብሉ ሰብ፤ እዚ መምሪሒታት ከመይ ከምዝቀያየርን ንመጻኢ ብኸመይ ኪጸልዎ ከምዝኽእልን ንምፍላጥ ዜናታትን ዝውሃብ ሓበሬታታትን ብግቡእ ኪከታተል አለዎ።
ብዛዕባ መደብ ህጹጽ ምስጓግ(Expedited Removal) ዝልዓል ልሙድ ሕቶታት
አነ አብቲ መደብ ህጹጽ ምስጓግ (expedited removal) እንተአትዬ፤ ወረቀ፟ት ስደተኛ ወይ ድማ አብ አሜሪካ ከጽንሐኒ ዝኽእል ካልእ ዓይነት ፈቃ፟ድ ንምርካብ ክሓትት 'ዶ እኽእል?
አብቲ መደብ ህጹጽ ምስጓግ (expedited removal) እንተአትዬ፤ ወረቀ፟ት ስደተኛ ወይ ድማ አብ አሜሪካ ከጽንሐኒ ዝክእል ካልእ ዓይነት ፈቃ፟ድ ንምርካብ ክሓትት ምኽአለይን ዘይምኽአለይን ንምፍላጥ መስርሕ ሕቶ ኪጅምር አለኒ። አብቲ መደብ ህጹጽ ምስጓግ (expedited removal) እንተአቲኹም፤ መንግስቲ አሜሪካ ኪተመልክቱ ትኽእሉ ኢኹም ኢሉ ክሳብ ዝውስን ወረቀ፟ት ስደተኛ ንኽትረኽቡ ኪተመልክቱ አይትኽእሉን።
መንግስቲ አሜሪካ፤ ወረቀ፟ት ስደተኛ ንምርካብ ከመልከት ከፍቅደለይ ከመይ ጌረ እዬ ኪሓትት ዝኽእል?
ናብ ሃገርኩም ምምላስ ዘፍርሐኩም እንተኾይኑ’ሞ ከምትፈርሑ ንሰበስልጣን መንግስቲ እንተነጊርኩም፤ ቃለመጠይቅ፟ ኪትገብሩ ከፍቅደልኩም ይኽእል እዩ። አብቲ ቃለመጠይቅ፟ ትህቡዎ መልስታት፤ ወረቀ፟ት ስደተኛን አብ አሜሪካ ኪትቅመጡ ካልእ ወረቀ፟ት ፈቃ፟ድ ኪትረኽቡን ኪተመልክቱ ንመንግስቲ አሜሪካ ንምውሳን ኪሕግዞ ይኽእል።
ይኹን እምበር፤ ሰበስልጣን ኢሚግሬሽን፤ ናብ ሃገርኩም ኪትምለሱ ትፈርሑ'ዶ ወይ ድማ ወረቀ፟ት ስደተኛ ንምርካብ ኪተመልክቱ ትደልዩ'ዶ ኢሎም ከምዘይሓትኹም ምዝካር አድላይ ኢዩ። እዚ ማለት ድማ ፍጹም ከይጥይቁ፟ኹም ይኽእሉ እዮም ማለት እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ናብ ሃገርኩም ምምላስ ትፈርሑ እንተኾይንኩም፤ ተቀ፟ላጢፍኩምን፤ ብዝተኽአለ መገዲ፤ ደጋጊምኩምን ነቶም ሰበስልጣናት አሜሪካ ከምትፈርሑ ክትነግሩዎም አለኩም። ኪትነግሩ ከለኹም ድማ ካብ ሓደ ሰብ ንላዕሊ ኪትነግሩ አለኩም፤ ካብ ሓንሳብ ግዜ ንላዕሊ'ውን ኪኸውን አለዎ።
ካልእ ኪትፈልጡዎ ዝግባእ ምስ ስድራ ቤትኩም እንተኾይንኩም፤ ኪትፈላለዩ ከምትኽእሉ እዩ። ስለዝኾነ ድማ፤ ናብ ሃገርኩም ምምላስ ዘፍረሐኩም እንተኾይኑ፤ ነፍስወከፍ አባል ስድራቤትኩም እዚ ከመይ ከምዝሰርሕ ከምዝፈልጥ ኪትገብሩ አለኩም። ብዝተኽእለ መጠን ድማ ንሳቶም’ውን ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ስለምንታይ ከምዝፈርሑ ብዝከአል መጠን ተቀ፟ላጢፎምን ብተደጋጋምን ነቶም ሰበስልጣን ኢሚግሬሽን አሜሪካ ክነግሩዎም አለዎም። እዚ ንቆ፟ልዑ'ውን ይምልከት እዩ።
እቲ መስርሕ ቃለመጠይቅ፟ ከመይ እዩ ዝሰርሕ?
ናብ ሃገረይ ምምላስ እፈርሕ እዬ ኢልኩም ንሰበስልጣን ኢሚግሬሽን እንተነጊርኩም፤ ቃለመጠይቅ፟ ኪትገብሩ ኪትሕተቱ ኢኹም። ኩነታትኩም አብ ግምት በምእታው፤ እዚ ቃለመጠይቅ፟ ዝእመን ፍርሒ (credible fear interview) ወይ ድማ ቃለመጠይቅ፟ ምኽንያታዊ ፍርሒ (reasonable fear interview) ተብሂሉ ይጽዋዕ። አብዚ ብዛዕባ'ዚ ቃለመጠይቅ፟ ኪፍለጥ አዝዩ አገዳሲ ዝኾነ ነገር፤ እቶም ቃለመጠይቅ፟ ዝገብሩልኩም ሰበስልጣናት ናብ ሃገርኩም ምምላስ ስለምንታይ ከምዘፍርሓኹምን አብ አሜሪካ ክትጽንሑ ኪተምልክቱ ኪፍቀደልኩም ምኽአሉን ኪፈልጡ ጥራይ ከምዝደልዩን እዩ። አብ ዝኾነ ምስ ሰበስልጣናት ኢሚግሬሽን ትገብሩዎ ቃለመጠይቅ፟፤ ኩሉሻዕ ሓቂ ምዝራብ አዝዩ አገዳሲ እዩ።
እዚ ቃለመጠይቅ፟ ግና ወረቀ፟ት ስደተኛ ዘውህበኩም ከምዘይኮነ ክትዝክሩ አለኩም። እቲ ቃለመጠይቅ፟ ብጽቡቅ፟ እንተሓሊፉኩሞ ወረቀ፟ት ስደተኛ ንምርካብ ኪተመልክቱ ዕድል ዝህበኩም ጥራይ እዩ።
መርመራ አንጻር ግፍዒ (Convention Against Torture) ዝብሃል ቃለመጠይቅ፟'ውን ኪግበረልኩም ይክእል እዩ። እዚ ቃለመጠይቅ፟ አብ ልዕሌኹም ግፍዒ ወይ ስቃ፟ይ በጺሑኩም እንተኔሩ፤ ሕጂ ድማ ናብ ሃገርኩም እንተተመሊስኩም ስቃ፟ይ ኪበጽሓኒ ይኽ እል እዩ ዝብል ፍርሒ እንተለኩም ዝምርምር ቃለመጠይቅ፟ እዩ።
አብዚ መስርሕ ህጹጽ ምስጓግ (expedited removal) እንድሕር አእትዮምኒ ክእሰር’ዶ (አብ ቀይዲ ኪአቱ) እኽእል?
እወ፤ ኪትእሰሩ ወይ ክትትሓዙ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ዝመስል ድማ ከምትእሰሩ እዩ። አብ’ዚ መስርሕ ህጹጽ ምስጓግ (expedited removal) ዝአተው መብዛሓቲኦም ሰባት፤ እቶም ሰበስልጣናት አሜሪካ ነቲ መስርሕ ምስጓግ ኪጅምሩዎን ቃለመጠይቅ፟ ኪገብሩን ከለው አብ ቀይዲ ይአትዉ ኢዮም። አብ ቀይዲ ምእታው ማለት ድማ ምእሳር ማለት ኢዩ።
አብዚ መስርሕ ህጹጽ ምስጓግ (expedited removal) ከለኹ ጠበቃ፟ ኪገብር'ዶ እኽእል?
እወ፤ ጠበቃ፟ ኪትገብሩ ይፍቀደልኩም እዩ። እቲ መደብ ህጹጽ ምስጓግ (expedited removal) ብቅ፟ልጡፍ እዩ ዝግበር። ስለዝኾነ ድማ ቀልጢፍካ ሽዑን ሽዑን ጠበቃ፟ ምሓዝ አገዳሲ እዩ።
እንድሕር ተታሒዝኩም፤ ጠበቃ፟ ኪትገብሩ ናይ ምሕታት መሰል አለኩም፤ ጠበቃ፟ ኪትደልዩ ምእንታን ስልኪ ኪትድውሉ'ውን መሰል አለኩም። (እዚ ማለት ድማ እቶም ሰበስልጣናት፤ ጠበቃ፟ ኪትገብሩ ወይ ድማ ጠበቃ፟ ንምርካብ ምእንታን ኪትፍትኑ ስልኪ ካብ ምድዋል ጠጠው ከብልኹም አይክእሉን ማለት እዩ)።
አጸቢቅ፟ኩም ዘይትርድእዎ ጽሑፋት ወይ ሰነዳት ዘይምፍራም አገዳሲ እዩ። አብ መስርሕ ህጹጽ ምስጓግ ( expedited removal) ናይ ምእታው ሓደጋ ከጋጥመኩም ዝኽእል እንተኾይኑ፤ ምስ ዝኾነ አኽባር ሕጊ ቅድሚ ምርኻብኩም፤ ምስ ጠበቃ፟ ምዝራብ ኪሕግዘኩም ይኽእል።
ካብ’ዚ ዘእተውኒ መስርሕ ህጹጽ ምስጓግ (expedited removal) ከመይ ኪወጽእ እኽእል? አብ ቤት ፍርዲ ቀሪበ ጉዳየይ ዳኛ ክሪኢ'ዶ እኽእል?
ነቲ ዝተገብረልኩም ቃለመጠይቅ፟ ተአማኒ ፍርሒ(credible fear) ወይ ድማ ቃለመጠይቅ፟ ምኽያታዊ ፍርሒ (reasonable fear) ብጽቡቅ፟ እንተሓሊፍኩሞ፤ ጉዳይኩም አብ ቤት ፍርዲ ኢሚግሬሽን ኪቀ፟ርብ እዩ። እዚ ማለት ድማ ነቲ ጉዳይኩም አብ ቅድሚ ዳኛ ኢሚግሬሽን ኪተቅ፟ርቡ ዕድል ትረኽቡ ማለት እዩ። ነቶም ሰበስልጣን ኢሚግሬሽን፤ ናብ ሃገርኩም ምምላስ ብጣዕሚ ከምዘፍርሓኩም እንተዘይነገርኩሞም ወይ ድማ በቲ ዝገበርኩሞ ቃለመጠይቅ፟ ተአማኒ ፍርሒ(credible fear) ወይ ድማ ቃለመጠይቅ፟ ምኽያታዊ ፍርሒ (reasonable fear) እንተውሓደ ካብ ክልቲኡ ናይ ሓደ አዎንታዊ መልሲ እንተዘይረኸብኩም፤ አብ ቅድሚ ዳኛ ቅድሚ ምብጽሓኩም፤ ሰበስልጣን ኢሚግሬሽን ተቀ፟ላጢፎም ብህጹጽ ናብ ሃገርኩም ኪሰጉኹም ይኽእሉ። ካብ መስርሕ ህጹጽ ምስጓግ (expedited removal) ወጺኹም፤አብ ቤት ፍርዲ ኢሚግሬሽን ኪትበጽሑ እንተኺእልኩም፤ ክሳብ ጉዳይኩም መዕለቢ ዝረክብ አብ ቤት ማእሰርቲ ኪትጽንሑ ትኽእሉ።
ብዛዕባ ህጹጽ ምስጓግ (expedited removal) ዝሻቀ፟ል እንተኾይነ፤ እንታይ ኪገብር አለኒ?
ዝኾነ ሰብ ቀዋምን ሕጋውን መቀ፟መጢ ወረቀ፟ት (ግሪን ካርድ green card) እንተዘይብሉን ናብ አሜሪካ ካብ ዝአቱ ትሕቲ ክልተ ዓመት እንተጌሩን፤ አብ ውልቂ ኩነታቱ ምኽርን ሓገዝን ንምርካብ፤ ዝከአል እንተኾይኑ፤ ጠበቃ፟ ኢሚግሬሽን ከማኽር አለዎ። ጠበቃ፟ ኢሚግሬሽን፤ ወረቀ፟ት ስደተኛ ንምርካብ ማመልከቻ ምቅ፟ራብ ወይ ድማ አብ አሜሪካ ንኽትጸንሑ ዘኽእል ካልእ ዓይነት ፈቃ፟ድ ንኽትረኽቡ ምምልካት ከምዝሓይሽ አብ ምውሳን ኪሕግዘኩም ይኽእል። ንሕና፤ እቶም ሰበስልጣናት ኢሚግሬሽን፤ ነቲ ሓደስቲ መምሪሒታት ብከመይ አብ ስራሕ ከምዝትርጉሙዎ ብትኽክል ንፈልጦ ነገር የብልናን።
በዚ መምሪሒታት ህጹጽ ምስጓግ (expedited removal) ትሻቀ፟ሉ እንተኾይንኩም፤ ምናልባት በቶም አኽበርቲ ሕጊ እንተተታሒዝኩም፤ ኩልሻዕ ምሳኹም ኪትሕዝዎ ዝግባእ ነገራት አሎ። እዚ ድማ ነዚ ዝስዕብ የጠቃ፟ልል፤
-
አብ አሜሪካ ሕጋዊ ወረቀ፟ት እንተለኩም፤
- አብ አሜሪካ ትቅ፟መጡ ዘለኹም ብሕጋዊ መገዲ ምዃኑ ዘርኢ ወረቃ፟ቅ፟ቲ፤ ወረቀ፟ት ኢሚግሬሽን ወይ ወረቀ፟ት ዜግነት ወይ ድማ ብግዜያውነት አብ አሜሪካ ክትቅመጡ ዘፍቅድ ሓበሬታ ፔሮል (parole)
-
አብ ቤት ፍርዲ ዘሎ ጉዳይ ወይ ድማ ማመልከቻ እንተለኩም፤
- ጉዳይኩም አብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ አብ መስርሕ ምህላው ዘረጋገጽ ወረቀ፟ት እንተለኩም ወይ ድማ ወረቀ፟ት ስደተኛ ክትርኽቡ ከምዘመልከትኩም ዘረጋግጽ ወረቀ፟ት። እቲ ዘሕዝን ግን መንግስቲ፤ እዚ ኹሉ ወረቀ፟ት ሒዝኩም’ውን አብቲ መስርሕ ህጹጽ ምስጓግ (expedited removal) ከእትወኩም ክፍትን ምኳኑ እዩ።
-
ናብ ሃገር ካብ ትአትው ዝያዳ ክልተ ዓመት እንተኾይኑ፤
- አብ አሜሪካ ካብ እትአትው ክንደይ ዓመታት ከምዝኾነ ዘመልክት ዶኩመንታት፤ እዚ ድማ ናይ ዝተሳፈርኩሙሉ ትኬት ነፋሪት፣ ናይቲ ዘለኹሞ ስቴት ታሴራ፣ ካርድ ቤተ መጻሕፍቲ፤ ሽምኩምን አድራሻኹምን ዘርኢን ዕለት ዘለዎን ዝበጽሓኩም ፖስታ፣ መዛግብቲ ቤት ትምህርቲ፤ ገዛ ዝተኻረኹሙሉ ውዕልን አብ አሜሪካ ምንባር ዝጀምርኩም ልዕሊ ክልተ ዓመት ምዃኑን ዘርኢ ካልእ ዶኩመንታትን የጠቃ፟ልል።
ኪትዝክሩዎ ዘድሊ ድማ ብዛዕባ ኩነታት ወረቃ፟ቅ፟ትኹም፤ ሰበስልጣናት ኢሚግሬሽን ንዝኾነ ዝሓተትኹም ሕቶታት መልሲ ናይ ዘይምሃብ መሰል ከምዘለኩም እዩ። ብኢሚግሬሽን አንድሕር ተሓቲትኩም፤ ብዛዕባ ዘለኩም መሰላት ንምርዳእ አብዚ ተወከሱ።
ተወሳኺ ሓበሬታን ምንጭታትን
ኣህጉራዊ ፕሮጀክት ሓገዝ ስደተኛታት (IRAP) ንገለ ስደተኛታትን ተመዛበልቲን ብነጻ ሕጋዊ ሓገዝ ይህብ።
- IRAP ንገለ ሰባት ኣገልግሎት ክረኽቡን ናይ ስደተኛታትን ናይ ቪዛ መመልከቲ ንምድላውን ይሕግዞም።
- IRAP ኣካል ዝኾነ መንግስቲ፣ IOM ወይ UNHCR ኣይኮነን።
- IRAP ናይ ስደተኛ ደረጃ ወይ ቪዛ ክህብ ወይ ንጉዳያት ከቀላጥፍ ኣይክእልን እዩ።
- IRAP ገንዘባዊ ሓገዝ ክህብ፣ መንበሪ ገዛ ክረክብ ወይ ክኸፍል፣ ወይ ስራሕ ክረክብ ኣይክእልን እዩ።
- ኩሉ ሓገዝ IRAP ብነጻ’ዩ። ምስ IRAP ርክብ ዘለዎ ሰብ ገንዘብ ወይ ካልእ ኣገልግሎት ክሓተካ መሰል የብሉን።
IRAP ንሰባት ኣብ ኣድላይነቶምን ብቑዕነቶምን ንኹነታት ኢሚግሬሽን መሰረት ብምግባር ክሕግዞም ይውስን። IRAP ንሰባት ንምሕጋዝ ብዝኾነ ካልእ ማሕበራዊ ወይ ፖለቲካዊ ወይ ሃይማኖታዊ መዐቀኒታት መሰረት ኣይውስንን እዩ።
እዚ መርበብ ሓበሬታ ብዛዕባ ንገለ ስደተኛታት ዝቐርብ ሕጋዊ መስርሕ ሓፈሻዊ ሓበሬታ ይህብ። ንውልቃዊ መመልከቲታት ከም ሕጋዊ ምኽሪ ዝዓለመ ኣይኮነን።
ጠለባት ክቕየሩ ይኽእሉ እዮም። ኩሉ ግዜ ካብቲ ሕቶኻ ዝውስን መንግስቲ ወይ ትካል እዋናዊ ጠለባት እንተሃልዩ መርምር።
ኣብ ህጹጽ ኩነታት ስደተኛታት እንተሃሊኹም፣ ኣብታ እትነብረሉ ሃገር ዝርከብ ቤት ጽሕፈት UNHCR ክትረኽብዎ ንመክር።
Comments
0 comments
Please sign in to leave a comment.