ዝርዝር ዝተኣተፈ ናይ ዝተዛረበ ርእስታት
እዚ ጽሑፍ አብ 9 ሰነ (June) 2026 ተሓዲሱ።
አገዳሲ መዘኻኸሪ፡
አብ 21 ሕዳር (November) 2025፤ መንግስቲ አሜሪካ ጉዳይ ናይቶም ካብ 21 ጥሪ (January) 2021 ክሳብ 20 ለካቲት (February) 2025 ናብ አሜሪካ ዝአተው ስደተኛታት እንደገና ከምብሓዲሽ ክሪኦ ከምዝኮነ አዊጁ አሎ። እዚ ድማ ነቶም ግሪን ካርድ ( green cards) ዘለዎምን ግሪን ካርድ ኪረኸቡ ዘመልከቱን አመልኪቶም መልሲ ዝጽበዩን ስደተኛታት’ውን የጠቃ፟ልል እዩ። ብዛዕባ’ዚ ዝርዝር እንደገና ምርአይ ጉዳይ ስደተኛታት አብዚ ተወከሱ።
ሓጺር መግለጺ
አብ ውሽጢ አሜሪካ ትነብሩ ስደተኛ እንተኾይንኩም፤ ምናልባት ብዛዕባ እንታይ ኪትገብሩ ከምዝፍቀደልኩም፣ እቲ ዝሓዝኩሞ ወረቀ፟ት እንታይ ማለት ከምዝኾነን ነፍስኹም ንምሕላው እንታይ ኪትገብሩ ከምዝግባአኩም ሕቶታት ኪህልወኩም ይኽእል። እዚ ጽሑፍ’ዚ ብዛዕባ’ዚ ዝስዕብ የረድእ።
- አብ አሜሪካ “ወረቀ፟ት ስደተኛ” ምህላው ማለት እንታይ ማለት ከምዝኾነ
- ዝኾነ ሰብ እንተሓቲቱኩም ከመይ ጌርኩም ነቲ ዘለኩም መንበሪ ወረቀ፟ት ኪተርድኡ ከምእትኽእሉ
- እቲ ወረቀ፟ትኩም ክንደይ ግዜ ኪጽንሕ ከምዝኸእል
- ካብ ሃገር ኪጽጎጕ’ዶ ትኸእሉ
- ንኽትረኽቡዎ ብቁ፟ዕ ዝኾንኩሙሉ ጠቀ፟ሜታታት እንታይ ከምዝኾነ
- ስድራኹም ኪተምጽኡ ትኸእሉ'ዶ
- ካብ ሃገር ወጻኢ ኪትጌሹ ይፍቀደልኩም’ዶ
አብ አሜሪካ “ወረቀ፟ት ስደተኛ ” (refugee status) ምህላው እንታይ ማለት እዩ?
ወረቀ፟ት ስደተኛ ማለት ሓደ ዓይነት ኩነት/ክፋል ኢሚግሬሽን እዩ።
“ወረቀ፟ት ስደተኛ “ (Refugee status) አብ አሜሪካ ሓደ ፍልይ ዝበለ ኩነት/ክፋል ኢሚግሬሽን እዩ።.'ወረቀ፟ት ስደተኛ “ እንተለኩም፤ መንግስቲ አሜሪካ፤ ብመሰረት ሕጊ አሜሪካ፤ ንኹሉ አገላልጻ ስደተኛ አማሊእኹም አለኹም ኢሉ ወሲኑ አሎ ማለት እዩ። ብመሰረት ሕጊ አሜሪካ፤ ስደተኛ ማለት ሓደ ነቲ ኩሉ አብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ረቋሒታት ዘማልዕ ሰብ እዩ፤
- ካብ ሃገሩ ወጻኢ ዘሎ
- ብምኽንያት ዘርኡ፣ ሃይማኖቱ፣ ብሄሩ፣ ፖለቲካዊ አራአእይኡ፣ ወይ ድማ አባል ፍሉይ ማሕበራዊ ጉጅለ ብምዃኑ አብ ሃገሩ ግፍዒ ወይ ዝኾነ ሓደጋ ዝበጽሖ ወይ ክበጽሓኒ ይኸእል እዩ ኢሉ ዝፈርሕን ናብ ሃገሩ ኪምለስ ዘይከእልን ዘይደልን ሰብ እዩ።
- ካልኦት ሓያሎ ሕጋዊ አገላልጻታት ዘማልእ
ወረቀ፟ት ስደተኛ አሜሪካ ካብቲ ወረቀ፟ት ስደተኛ ዩ ኤን ኤች ሲ አር UNHCR ፍሉይ እዩ።
ንሕና አብዚ ሕጂ ንዛረብ ዘለና ብዛዕባ ወረቀ፟ት ስደተኛ አብ አሜሪካ ምዃኑ ምዝካር አገዳሲ እዩ። ሓደ ሓደ ሰባት ካብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት ዩ ኤን ኤች ሲ አር (United Nations Refugee Agency (UNHCR) ወይ ድማ ካብ መንግስታት ካልኦት ሃገራት “ወረቀት ስደተኛ “ (refugee status) ዝብሃል ወረቀ፟ት ይረኽቡ እዮም። አብዚ ጽሑፍ ሰፊሩ ዘሎ ሓበሬታ ብመንግስቲ አሜሪካ ዝተውሃበ ወረቀ፟ት ስደተኛ ብዛዕባ ዘለዎም ሰባት ጥራይ ። ብዩ ኤን ኤች ሲ አር (United Nations Refugee Agency (UNHCR) ስደተኛ ኢኻ ተባሂልካ ኪትግለጽ ከለኻ እንታይ ማለት ከምዝኾነ ዝያዳ ሓበሬታ ምስ እትደልዩ አብ ናይ ምንጭታትና ዩ ኤን ኤች ሲ አር (UNHCR) ተወከሱ።
ወረቀ፟ት ስደተኛ ካብ ወረቀ፟ት ጽግዕተኛን (asylum) ፔሮልን (parole) ይፍለ እዩ።
ናብ ሃገሮም ምምላስ ስለዝፈርሑ አብ ውሽጢ አሜሪካ ኮይኖም ወረቀ፟ት መንበሪ ዝሓቱ ሰባት፤ ወረቀ፟ት ጽግዕተኛ (asylum) ኪውሃቡ ይኸእሉ። እዚኦም ሰባት፤ በቲ አሰራርሓ ኢሚግሬሽን አሜሪካ፤ ጽግዕተኛ ወይ አሲሊ (asylees) ተባሂሎም ይጽውዑ። እዚ ጽግዕተኛ ምዃን ድማ ካብቲ ስደተኛ ምዃን ዝተፈልየ እዩ።
ሓደ ሓደ ሰባት ድማ ፔሮል (parole) ብዝበሃል መገዲ ናብ አሜሪካ ይእትዉ። ፔሮል (parole) ኪብሃል ከሎ'ውን ምስ ስደተኛ ሓደ ዓይነት አይኮነን። ፔሮል (parole) ናብ አሜሪካ ንምእታውን ብግዜያዊነት ንምቅ፟ማጥን ዝውሃብ ፈቃ፟ድ እዩ።
ወረቀ፟ት ስደተኛ ከምዘለኒ ከመይ ጌረ ኪፈልጥ እኽእል?
“ወረቀ፟ት ስደተኛ” (refugee status) አለኩም ትብሃሉ፤ ገና ካብ አሜሪካ ወጻኢ ከለኹም፤ ሓደ ሰበስልጣን አሜሪካ፤ ነቲ ሕጋዊ መግለጺታት ስደተኛ ተማልኡ ኢኹም ኢሉ እንተወሲኑን ናብ አሜሪካ ዝአተኹም ብመደብ ምቅ፟ባል ስደተኛታት አሜሪካ (U.S. Refugee Admissions Program) እንተኾይኑን እዩ። ዩ ኤስ አር ኤ ፒ (USRAP) ከም ተወሳኺ መደብ ዳግመ ምጥያስ ስደተኛታት (refugee resettlement program) ተባሂሉ ይጽዋዕ። አቀ፟ድም አቢሉ ወረቀ፟ት ስደተኛ ዝተውሃቦ ሰብ ሓዳር ወይ ድማ ቆልዓ እንተኾይንኩምን ነቲ ወረቀ፟ት ስደተኛ በቲ ሰብ እንተረኺብኩም ‘ውን ወረቀ፟ት ስደተኛ ኪህልወኩም ይኸእል።
ወረቀ፟ት ስደተኛ ከምዘለኒ ንምርግጋጽ እንታይ ዓይነታት ሰነዳት ኪጥቀም እኽእል?
ሓደ ሰብ ወረቀ፟ት ስደተኛ ከምዘለዎ ዘረጋግጹ ሓያለ ዶኩመንታት/ሰነዳት አለው፡። ንአብነት፡
- ወረቀ፟ት መሳፈሪ መጓዐዝያ ( Transportation boarding letter)፤ መብዛሕትኡ ግዜ ስደተኛታት ናብ አሜሪካ ኪ አትው ከለው ወረቀ፟ት መሳፈሪ መጓዐዝያ (transportation boarding letter) ዝብሃል ሒዞም እዮም ዝአትዉ። አብቲ ናይ ስደተኛ ጉዳይኩም፤ እቲ ቀንዲ አመልካቲ (principal applicant) ንስኹም እንተኾይንኩም ወይ ድማ ምስቲ ቀንዲ አመልካቲ እንድሕር ኮይኑ ናብ አሜሪካ አቲኹም፤ ነዚ ወረቀ፟ት መሳፈሪ ረኺብኩም ክትኮኑ ትኽእሉ። እዚ ወረቀ፟ት ድማ ስእልኹም፣ ሽምኩምን ካልእ ሓበሬታኹምን ዝሓዘ እዩ።
- ቪ93 ወረቀ፟ት መሳፈሪ (V93 boarding foil)፤ በቲ “ተኸቲልካ ተሓወስ” (follow-to-join) ዝብል መደብ ዝመጻኹም በዓል ሓዳር ወይ ቆልዓ ናይ ቅድሜኹም ናብ አሜሪካ ዝአተወ ስደተኛ እንተኾይንኩም፤ ንስኹም’ውን ስደተኛ ምዃንኩም ዘሪኢ፣ ምስቲ ገጻት ፓስፖርትኹም ዝተሓሓዝ ወረቀ፟ት መሳፈሪ (boarding foil) ተላጊቡ ኪውሃበኩም እዩ።
- ፈቃ፟ድ መስርሒ ስራሕ (Employment Authorization Document (ኢ ኤ ዲ EAD)፤ ወረቀ፟ት ፈቃ፟ድ መስርሒ ስራሕ እንተለኩም ፤ አብ ካርድኹም አብ ትሕቲ “ምድብ” (category) ዝብል አርእስቲ ወረቀ፟ት ስደተኛ ከምዘለኩም ዝግልጽ (a)(3) ዝብል ኮድ ተጻሒፉ ክርአ እዩ።
- “አይ-94“ (I-94)፤ መብዛሕትኦም ናብ አሜሪካ ዝአትው ሰባት “አይ-94” (I-94) ዝብሃል ወረቀ፟ት መእተውን መውጽ እን (Arrival/Departure Record) ይረኽቡ እዮም። እዚ ወረቀ፟ት'ዚ ድማ ናብ አሜሪካ ብሕጋዊ መገዲ ከምዝአተኹም ዘረጋግጽ እዩ። መብዛሕትኦም ስደተኛታት ናይዚ ወረቀ፟ት ቅዳሕ ወረቀ፟ት አይረኽቡን እዮም። ግን ነቲ ናትኩም አይ-94 (I-94) አብቲ ዌብሳይት ሲ ቢ ፒ (the CBP website) ብምእታው ኪትረኽቡዎ ትኸእሉ። ወረቀ፟ት ስደተኛ እንተለኩም፤ አብ እቲ “አይ-94” (I-94) ኩም ዘሎ “ምድብ መእተዊ” (Class of Admission) “RE” ዝብል ኮድ ተጽሒፉዎ አሎ። ከምኡ'ውን ምስኡ ቁጽሪ ዝተሓወሰዎ RE 1 ኪትሪኡ ትክእሉ።
ብ ኤሌክትሪካዊ መገዲ ነቲ ናትኩም “አይ-94” (I-94) ኪትረኽቡዎ እንተዘይኪእልኩም፤ ምናልባት ጌጋ ምምሕዳር ኪኸውን ይኸእል እዩ፤ ወይ ድማ ጸገም ምእታው ሓበሬታ ኪኸውን ይኸእል እዩ። አብዚ ዝተዘርዘረ ካልእ ዝኾነ ሓበሬታ ምርካብ እንተዘይኪኢልኩም ወይ ድማ እንታይ ዓይነት ወረቀ፟ት ከምዘለኩም ንምፍላጥ ወይ ድማ ነቲ ሓበሬታኩም ከመይ ኪትምዝግቡዎ ሕቶታት እንተለኩም፤ ጠበቃ፟ ኢሚግሬሽን ንምርካብ አብ ታሕቲ ተጠቂሱ ዘሎ ምንጭታት ተጠቀ፟ሙ።
ነቲ ዝሓዝኩዎ ወረቀ፟ት ስደተኛ አይስ (ICE) እንድሕር ተጠራጢሮሞ እንታይ ኪገብር አለኒ?
ሰበስልጣናት ኢሚግሬሽን (ICE) ናብ ገዛኹም እንተመጺኦም፤ ወረቀ፟ት ትእዛዝ ቤት ፍርዲ እንተዘይሒዞም፤ መዓጾኹም አይትኽፈቱሎም። ወረቀ፟ት ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ማለት ብዳኛ አውራጃ ወይ ማእከላይ መንግስቲ (ዳኛ ኢሚግሬሽን ዘይኮነ) ዝተፈረመን እቶም ወትሃደራት ኢሚግሬሽን ናብ ገዛኹም ንኽአትው፣ ገዛኹም ኪፍትሹን ኪአስርኹምን ዘፍቅድን ሕጋዊ ወረቀ፟ት እዩ።
እቶም ወትሃደራት ናብ ውሽጢ ገዛኹም ንምእታው ወረቀ፟ት ቤት ፍርዲ ከሪኡኹም አለዎም። ካብዚ ትሕት ኢሉ፤ እቲ ዘድሊ ወረቀ፟ት ቤት ፍርዲ ከም አብነት ኪኸውን ቀሪቡ አሎ። እቶም ወትሃደራት ወረቀ፟ት ቤት ፍርዲ አለና እንተበሉኹም፤ ነቲ ዘለዎም ወረቀ፟ት ቤት ፍርዲ በቲ ትሕቲ እቲ ማእጾ ዘሎ ቀዳድ አስሊኽኩም ወይ ድማ ብመስኮት አርእዩኒ በሉዎም። ወረቀ፟ት ቤት ፍርዲ ከሪኡኹም እንተዘይኪኢሎም፤ መዓጾኹም ክትከፍትሎም አይግባእን። ወረቀ፟ት ቤት ፍርዲ እንተሃለዎም'ውን ንስኹም ስቅ፟ ናይ ምባል፣ ነቲ ዝሓተቱኹም መልሲ ናይ ዘይምሃብን ጠበቃ፟ ናይ ምጽዋዕን መሰል አለኩም።
አብነት ወረቀ፟ት ትእዛዝ ቤት ፍርዲ
ዋና ስእሊ፤ ናሽናል ኢሚግራንት ጃስቲስ ሴንተር (National Immigrant Justice Center)
እቶም ወተሃደራት፤ ብሰበስልጣናት ኢሚግሬሽንን ምትግባር ግሙሩኽን ( Immigration and Customs Enforcement (አይስ ICE) ) ዝተፈረመ “መጸዋዕታ አይስ” (ICE warrant) ወይ ድማ “መጽዋዕታ ምምሕዳር” (administrative warrant) ከሪኡኹም ይኸእሉ። እዚ ግና ብዳኛ ዝተፈረመ ስለይዘይኮነ፤ እቶም ወትሃደራት ብዘይ ድሌትኩም ናብ ገዛኹም ክአትው ዘፍቅድ አይኮነን።
እዚ አብነት ትእዛዝ ምምሕዳር (Administrative Warrant) እዩ። እዚ ትእዛዝ'ዚ ብዳኛ ዝተፈረመ ስለዘይኮነ፤ እቶም ወትሃደራት ብዘይ ናትኩም ድሌት ናብ ገዛኹም ኪአትው ፍቃ፟ድ ዝህብ አይኮነን።
ዋና ስእሊ፤ ናሽናል ኢሚግራንት ጃስቲስ ሴንተር (National Immigrant Justice Center)
ዋና ስእሊ፤ ናሽናል ኢሚግራንት ጃስቲስ ሴንተር (National Immigrant Justice Center)
ወትሃደራት አይስ (ICE) ህዝቢ አብ ዘለዎ ቦታ ጠጠው አቢሎምኹምን ነቲ ሒዝኩሞ ዘለኹም ወረቀ፟ት እንተተጠራጢሮሞን፤ አብ ላዕሊ ዝቀ፟ረበ መርጋገጺ ስደተኛ ኪትህቡዎም ትኸእሉ። ዕድመኹም ካብ 18 ዓመት ንላዕሊ እንተኾይኑ ነዘን ዝስዕባ ሰነዳት ካብ ጁባኹም አይትፍለዩወን፤
- አይ-94 (I-94) (መውጸኢን/ መእተውን ወረቀ፟ት Arrival/Departure record)
- ወረቀ፟ት መሳፈሪ ጉዕዞ (Transportation Boarding Letter (or boarding foil)
- ወረቀ፟ት ፈቃ፟ድ ስራሕ ወይ ካርድ ፈቃ፟ድ ስራሕ (Employment Authorization Document ወይ “work permit” card)
- ግሪን ካርድ (green card) ንምርካብ አመልኪትኩም እንተኾይንኩም፤ ነቲ ገና መልሲ ዝጽበ ዘሎ ማመልከቻኹም ዘሪኢ መረጋገጺ ቅዳሕ (ንአብነት I-797C) ዝብሃል ቅብሊት (Receipt Notice)
ኩልሻዕ ክትዝክርዎ ዝግባእ ነገር እንተሎ፤ ካብ ኦሪጂናል አገደስቲ ሰነዳት ምሳኹም ምሓዝ፤ ቅዳሕ ምሓዝ ዝሓሸ ከምዝኾነ እዩ። ምኽንያቱ ኪጠፍእ ወይ ኪስረቅ፟ ስለዝኽእል። ብወተሃደራት ጠጠው ንኽትብሉ እንተተአዚዝኩም፤ ንዝተሓተትኩሞ ሕቶታት ኩነታት ኢሚግሬሽንኩም፤ አብ ጎንኹም ጠበቃ፟ እንተዘይሒዝኩም፤ መልሲ ናይ ዘይምሃብን አይፍተሽን ናይ ምባልን መሰል አለኩም።
እንድሕር ሰበስልጣን ኢሚግሬሽን ነቲ ዘለኩም መንበሪ ወረቀ፟ት ተጠራጢሮሞ፤ ርግእ በሉ፣ አብ አሜሪካ ትነብሩ ዘለኹም ብሕጋዊ መገዲ ምዃኑን እቲ ዘለኩም ፈቃ፟ድ ድማ ሕጋውን ዝቃጸል ከምዘይኮነን ዘክሩ።
ጠበቃ፟ ኢሚግሬሽን እንተለኩም ድማ ብዛዕብኡ ዘለኩም ኩሉ ሓበሬታ ምሳኹም ሓዙ።
ምስ ሰበስልጣናት ኢሚግሬሽን ምርኻብ ዘተሓሳስበኩም እንተኾይኑ ድማ ነቲ ሬዲ ናው! (ReadyNow!) ዝብሃል ሓጋዚ መሳርሒ ናብ ስልኪ ኢድኩም አውርዱ። እዚ አፕ (app) ብተሓለቅ፟ቲ ኢሚግሬሽን እዩ ተመስሪቱ፣ ህጹጽ መደብ ኪተውጽኡን ምናልባት በአይስ (ICE) እንተተታሒዝኩም፤ አቀ፟ድም አቢልኩም ንዝመረጽኩሞም ሰባት ዝነግር ስርዓት መጠንቀቅ፟ታ ኪተትግብሩን ዝሕግዝ እዩ።
ስንክልና ዘለኩም ስደተኛ እንተኾይንኩም፤ ምስ አይስ (ICE) ኪትራኸቡ ከለኹም ብዛዕባ ዘለኩም መሰላት ተወሳኺ ሓበሬታ እንተደሊኹም አብዚ ተመልከቱ።
ምናልባት’ውን ምስ ሰበስልጣናት ኢሚግሬሽን ኪትራኸቡ ከለኹም ምእንቲ ድልው ኮይንኩም ኪስማዓኩም፤ ብሓያሎ ቋንቋታት ዝተዳለዋ ነዘን ዝስዕባ ጽሑፋት ክተንብቡ ትደልዩ ትኾኑ፡
- መሰላትኩም ፍለጡ (Know Your Rights)፡ እንድሕር ምስ አይስ (ICE ) ተራኺብኩም (If You Encounter ICE | National Immigrant Justice Center)
- መሰላትኩም ፍለጡ (Know Your Rights)፡ በኢሚግሬሽን እንድሕር ተታሒዝኩምን ተአሲርኩምን እንታይ ኪትገብሩ ከምዘለኩም (What to Do if You Are Arrested or
Detained by Immigration | National Immigration Law Center)
- መሰላትኩም ፍለጡ (Know Your Rights)፡ ሕጋዊ ምንጨታት ዝርከበሉ አፕ (Legal Resource app | National Korean American Service and Education Consortium)
- መሰላትኩም ፍለጡ (Know Your Rights)፡ ምስ አኽበርቲ ሕጊ እንተተራኺብኩም እንታይ ኪትገብሩ ከምዘለኩም (What to Do in Interactions with Law Enforcement | CLEAR)
- መሰላትኩም ፍለጡ (Know Your Rights)፡ መሰላት ስደተኛታት ( Immigrants’ Rights | ACLU)
ወረቀ፟ት ስደተኛ ክሳብ ክንደይ ግዜ ኪጸንሕ ይኽእል?
ወረቀ፟ት ስደተኛ አይቃጸልን እዩ። “ኪተሕድስዎ'ውን” ምምልካት አየድልየኩምን እዩ። መንግስቲ ነቲ ዝተውሃብኩሞ ወረቀ፟ት ስደተኛ ከሕድገኩም ወይ “ከምዝቋረጽ” ኪገብሮ ዝኸእል፤ ገና ካብ መጀመርትኡ ናብ አሜሪካ ክትአትው ከለኹም፤ ነቲ ስደተኛ ዘብለኩም ረቋሒታት አይተማልኡን ኔርኩም ኢሉ እንድሕር ወሲኑ ጥራይ እዩ።
ወረቀ፟ት ስደተኛ እናሃለወኒ ካብ ሃገር ኪስጎግ‘ዶ እኽእል?
እቲ ወረቀ፟ት ስደተኛ ዝብሃል አብ አሜሪካ ቀዋሚን ሕጋውን ወረቀ፟ት እኳ እንተኾነ፤ ሓደ ስደተኛ አብ “መስርሕ ምስጓግ” (removal proceedings) ድሕሪ ምእታዉ፣ ካብ ሃገር ኪስጎግ ዘኽእሉዎ ሓያለ ምኽኒታት አለው። “መስርሕ ምስጓግ” (removal proceedings) ኪብሃል ከሎ አብ አሜሪካ ይጽናሕ ወይ ካብ አሜሪካ ይሰጎግ ኢሉ አብ ቅድሚ ዝውስን ዳኛ ኢሚግሬሽን ቀሪብካ “ወግዓዊ ዝኾነ ጉዳይ ቤት ፍርዲ” ኪካየድ ከሎ ንዝፍጠር ኩነታት ዝተውሃበ ካልእ መጸዊዒ ምስጓግ እዩ።
ንአብነት፤ ገለ ገበን እንተፈጺምኩም አብ ትሕቲ “መስርሕ ምስጓግ” ኪትአትዉ ትኽእሉ። ወይ ድማ መንግስቲ ናይ ሓሶት ሰነዳት አቅ፟ሪብኩም ኢሉ ኪኸሰኩም ከሎ አብ “መስርሕ ምስጓግ” ኪትአትዉ ትኽእሉ። ገለ ገበን ፈጺምኩም ተባሂልኩም ዝተኸሰስኩም ወይ ዝተወንጀልኩም ስደተኛ እንተኾይንኩም፤ ምኽሪ ንምርካብ ምስ ጠበቃ፟ ኢሚግሬሽን ተራኸቡ።
ጥቅ፟ምታት ወረቀ፟ት ስደተኛ እንታይ እዩ?
እቶም ወረቀ፟ት ስደተኛ ዘለዎም ሰባት፤ አብ ውሽጢ አሜሪካ ዘለው ብሕጋዊ መገዲ ምዃኑ ኪዝክሩ አገዳሲ እዩ።
ህዝባዊ ጠቀ፟ሜታታት
ህዝባዊ ጠቀ፟ሜታ ማለት ብመንግስቲ ንገለ ብቁ፟ዕ ሰባትን ስድራቤትን ንምሕጋዝ ዝውሃብ መንግስታዊ ሓገዝ እዩ። ስደተኛ እንተኾይንኩም፣ ንዝተወሰና አደለይቲ አገልግሎታት፤ ከም ጥዕናን ትምህርትን ዝአመሰለ፤ ሓገዛት ትረኽቡ ኢኹም። አብ ውሽጢ አሜሪካ እቲ ትነብሩሉ ቦታ አብ ግምት አትዩ'ውን ሓገዝ መግብን መንበሪ ገዛን'ውን ክትረኽቡ ትኽእሉ። መብዛሕትኡ ሓገዛት፤ አብ ትረኽቡዎ አታዊ ወይ አብ ገንዘባዊ ትሕዝቶኹምን ቁጽሪ አባላት ስድራቤትኩምን ዝተመርኮዘ እዩ።
አብ ወርሒ ሓምለ ( July) 2025 ብመንግስቲ ዝተመሓላለፈ ውሳነ ግና ነቲ ስደተኛታት ዝረኽቡዎ ሓደ ሓደ ህዝባዊ ጠቀ፟ሜታትት ቀይርዎ እዩ። ብዛዕባ ህዝባዊ ጠቀ፟ሜታታት ብዝያዳ ንምፍላጥ አብዚ ተወከሱ።
ቀዋሚ መንበሪን ዜግነትን
አብ መጨረሽታ፤ ስደተኛታት ሕጋዊን ቀዋምን ዝኾነ መንበሪ ወረቀ፟ት፤ ግሪን ካርድ (green card) እናተብሃለ'ውን ዝጽዋዕን ድሕር ኢሎም ድማ ዜግነትን ንምርካብን ከመልክቱ ይኽእሉ።
ስራሕ
ስደተኛታት አብ አሜሪካ ኪሰርሑ ብሕጊ ይፍቀደሎም እዩ። እዚ ፈቃ፟ድ ስራሕ፤ ወረቀ፟ት ስደተኛ ንዘለዎም ሰባት ብ ኦቶማቲክ መገዲ እዩ ዝበጽሖም፤ ግዚኡ ድማ አይቃጽልን እዩ። እቲ ፈቃ፟ድ ስራሕ ወይ ድማ ኢ ኤ ዲ (EAD) ተባሂሉ ብወግዒ ዝጽዋዕ ወረቀ፟ት ፈቃ፟ድ ስራሕ አብ ኢድኩም ኪህልወኩም ናይ ግድን አይኮነን፤ግ ና ወረቀ፟ት ፈቃ፟ድ ስራሕ አብ ኢድኩም እንተሒዝኩም ነቶም ስራሕ ዝቆ፟ጽርኹም አስራሕቲ፤ ናይ ብሓቂ ኪትስርሑ ከምዝተፈቀ፟ደልኩም መተአማመኒ ይኾኖም ንምባል ጥራይ ኢዩ ዝጠቅ፟መኩም።
አብ ውሽጢ አሜሪካ ዘለኹም ከም ስደተኛ እንተኾይኑ፤ እቲ ፈቃ፟ድ ስራሕኩም ኢ ኤ ዲ (EAD) ናብ አሜሪካ ምስአተኹም አብ ውሽጢ ቁሩብተይ አዋርሕ ኪበጽሓኩም እዩ። ፍጹም እንተዘይበጺሑኩም ግና መተካእታ ኪውሃበኩም ኪተመልክቱ ትኽእሉ።
ግሪን ካርድ (green card) እንታይ እዩ? ግሪን ካርድ ንምርካብ መዓስ እዬ ከመልክት ዘለኒ?
ግሪን ካርድ (green card) ንቀዋምን ሕጋውን መንበሪ ፈቃ፟ድ (ኤል ፒ አር LPR) ወይ ድማ ነቲ አብ አሜሪካ ብቀዋሚነት ንምንባር ዝውሃብ መሰል ዝግልጽ እዩ። አብ ውሽጢ አሜሪካ፤ ካብቲ ዝአተውሉ ዕለት ዝቁ፟ጸር፤ ንሓደ ዓመት “በአካል ዝተረኽቡ” ስደተኛታት፤ ቀዋሚ መንበሪ ወረቀ፟ት ንምርካብ ከመልክቱ ሕጊ አሜሪካ ይሓትት። .
ናብ አሜሪካ ዝአተኹም ከም ስደተኛ ኮይንኩም ስለዝኾነ፤ እንድሕር ካብ አሜሪካ ወጻኢ ጌሽኩም፤ ነቲ ዝሕተት ግዜ ሓደ ዓመት ክትመል ኡ ግዜ ኪናዋሕ እዩ።
ብናትና ርእይቶ፤ እቲ ዝሓሸ አብ አሜሪካ “ካብ ትአትው” ሓደ ዓመት ቅድሚ ምምልኡ፤ ነቲ መስርሕ ምምልካት ሕጋውን ቀዋምን መንበሪ ፍቃ፟ድ ጀምሩዎ ዝብል ሓሳብ አለና። እቲ ናይ ሓደ ዓመት ግዜ ቅድሚ ምብጽሑ ምምልካት አዝዩ አገዳሲ እዩ። አብ አሜሪካ ካብ ትአትው ልዕሊ ሓደ ዓመት እንተጌርኩም ድማ ነቲ ማመልከቻኹም ብዝቀ፟ልጠፈ ኪተእትዉ አለኩም።
ብዛዕባ ምምልካት ግሪን ካርድ (green card) ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ አብዚ ተወከሱ።
መንግስቲ አሜሪካ አብ 2026 አብ ዘውጽኦ መምርሒ፤ አብዚ ሃገር ካብ ዝአትዉ ሓደ ዓመት ዝገበሩ ግና ክሳብ ሕጂ ማመልከቻ ግሪን ካርድ (green card) ዘይየእተውን አብቲ ኪገብሩዎ ዝግባእ ቃለመጠይቅ፟ ግሪን ካርድ ዘይተረኸቡን ስደተኛታትን ኪሕዝን ኪአስርን ምዃኑ አፍሊጡ አሎ። በመሰረት እዚ መምርሒ'ዚ ነቶም ግሪን ካርድ ኪረኽቡ ማመልከቻ ዘእተዉን ገና መልሲ ወይ ውሳነ አብ ምጽባይ ዘለውን ስደተኛታት’ውን ከይእሰሩ የስግኦም እዩ። ኢራፕ (IRAP) ነዚ መምርሒ ብምቅዋም አብ ልዕሊ መንግስቲ ክሲ ቤት ፍርዲ ክሲ መስሪቱ አሎ። እቲ ቤት ፍርዲ’ውን ክሳብ እቲ ክሲ ውሳነ ዝረከብ መንግስቲ ብመሰረት እዚ መምርሒ ስደተኛታት ኪአስር አይከእልን እዩ ኢሉ ትእዛዝ አመሓላሊፉ አሎ።
አብ ዝኾነ ነገር ዝኾነ ለውጢ እንተተጌሩ ኪነፍልጠኩም ኢና ግና በመሰረት ንሕና ክሳብ 5 ሰነ (June) 2026 እንፈልጦ፤ በዚ ፖሊሲ'ዚ ዝኾነ ስደተኛ ኪተሓዝ ወይ ኪእሰር አይክእልን እዩ። ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ቤት ፍርዲ ዝያዳ ሓበሬታ ምሰእትደልዩ አብዚ ተወከሱ።
ካብ አሜሪካ ወጻኢ ክገይሽ’ዶ እኸእል?
ስደተኛታት ካብ ሃገር ወጻኢ ኪጌሹ ይኸእሉ እዮም። ነዚ ንምግባር ግን ቅድሚ ምጋሽኩም ሰነድ መገሻ ስደተኛታት (Refugee Travel Document) ኪተውጽኡ የድልየኩም። አብ ወጻኢ ሃገር ኮይንኩም ነዚ ማመልከቻ (አር ቲ ዲ RTD) ንምርካብ ክትሓቱ ትኸእሉ ኢኹም ግና እዚ ድጉፍ አይኮነን ምኽንያቱ አብ ወጻኢ ሃገር ኮይንኩም ነቲ ብሙሉኡ መስርሕ ማመልከቻ ዝሓቶ ሓበሬታ ናይ ምርካብ ጸገም ከጓንፈኩም ይኽእል እዩ። ድሕሪኡ ንኩሉሻዕ ካብ አሜሪካ ወጻኢ ተቀ፟ርቂርኩም ክትተርፉ ትኽእሉ ኢኹም።
ሰነድ መገሻ ስደተኛታት (Refugee Travel Document) ንምርካብ ቅጺ አይ -131 (Form I-131) ዝብሃል ቅጺ ኪትመልኡን ምስ ካልኦት አድለይቲ ዝኾኑ መረጋገጺታት ናብ አገልግሎት ዜግነትን ኢሚግሬሽንን አሜሪካ (United States Citizenship and Immigration Services ( ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ USCIS) ክትልእኹ አለኩም። እዚ ተቀ፟ባልነት ምስዝረክብ፤ መብዝሓትኡ እዋን ንሓደ ዓመት ከገልግለኩም ይክእል። ብዛዕባ'ዚ ሰነድ መገሻ ስደተኛታትን (አር ቲ ዲ Refugee Travel Document) አህጉራዊ ጉዕዞ ስደተኛታትን ዝያዳ ሓበሬታ ምስ እትደልዩ አብዚ አብ ጽሑፍ ኢራፕ ( IRAP) ተወከሱ።
አብቲ ዝገበርኩሞ ማመልከቻ ጉዳይ ስደተኛ፤ ቀንዲ አመልካቲ (principal applicant) ንስኹም እንተኾይንኩም እሞ ናብ ሃገርኩም እንተተመሊስኩም ነቲ ዝረኸብኩሞ ወረቀ፟ት ስደተኛ ኪትሕደጉ ከም እትኽእሉ አስተውዕሉ። ግሪን ካርድ (green card) እንተሃለወኩም’ውን፤ ከም ስደተኛ እንድሕር አቲኹምን ናብ ሃገርኩም እንተተመሊስኩም፤ ነቲ ዝሓዝኩሞ ወረቀ፟ት መንበሪ ኪጸልዎ ይኽእል እዩ። ካብ መጀመርቱኡ'ውን ወረቀ፟ት ስደተኛ ኪትረኽቡ ዝኸአልኩም፣ አብ ልሃገረይ አብ ልዕለይ ሓደጋ ከኸተል ስለዝኾነ ካብ ሃገረይ ኪሃድም ኪኢለ ኢልኩም መረጋገጺ ስለዝሃብኩም ከምዝነበረ ክትዝክሩ ይግባእ። አብዚ እዋን’ዚ ናብ ሃገርኩም ተመሊስኩም እንተአቲኹም፤ እቲ መንግስቲ ካብ መጀመርትኡ ነቲ ስደተኛ ከብለኩም ዘኸእል ረቋ፟ሒታት ብቁ፟ዕ አይነበርኩምን ኢሉ ኪአምን ተብቅዕዎ አለኹም ማለት እዩ። እዚ ድማ ጽንሕ ኢልኩም ናብ አሜሪካ ክትምለሱ ወይ ድማ ጠቀ፟ሜታታት ኢሚግሬሽን ንምርካብ ኪትፍትኑ ከለኹም ሽግር ኪፈጠርልኩም ይኽእል።
ናብ አሜሪካ ከም ስደተኛ ኮይነ ኪአቱ ከለኹ ስብ ሓዳረይን ደቀይን ምሳይ አይነበሩን፤ ሕጂ ምሳይ ኪሕወሱ ኪመጹ ይኸእሉ'ዶ?
በዓል ሓዳርኩምን ትሕቲ 21 ዓመት ዕድመ ዝኾኑን ዘይተመርዓውን ደቅኹምን ናብ አሜሪካ ኪትመጹ ከለኹም ምሳኹም እንተዘይመጺኦም፤ አብ ውሽጢ ክልተ ዓመት፤ ንኽመጹን ምሳኹም ኪሕወሱን ኪተመልክቱሎም ትኸእሉ። ብዛዕባ'ዚ አርእስቲ አብዚ ጽሑፍ ኢራፕ (IRAP) ተወከሱ።
ተወሳኺ ሓበሬታን ምንጭታትን
ኣህጉራዊ ፕሮጀክት ሓገዝ ስደተኛታት (IRAP) ንገለ ስደተኛታትን ተመዛበልቲን ብነጻ ሕጋዊ ሓገዝ ይህብ።
- IRAP ንገለ ሰባት ኣገልግሎት ክረኽቡን ናይ ስደተኛታትን ናይ ቪዛ መመልከቲ ንምድላውን ይሕግዞም።
- IRAP ኣካል ዝኾነ መንግስቲ፣ IOM ወይ UNHCR ኣይኮነን።
- IRAP ናይ ስደተኛ ደረጃ ወይ ቪዛ ክህብ ወይ ንጉዳያት ከቀላጥፍ ኣይክእልን እዩ።
- IRAP ገንዘባዊ ሓገዝ ክህብ፣ መንበሪ ገዛ ክረክብ ወይ ክኸፍል፣ ወይ ስራሕ ክረክብ ኣይክእልን እዩ።
- ኩሉ ሓገዝ IRAP ብነጻ’ዩ። ምስ IRAP ርክብ ዘለዎ ሰብ ገንዘብ ወይ ካልእ ኣገልግሎት ክሓተካ መሰል የብሉን።
IRAP ንሰባት ኣብ ኣድላይነቶምን ብቑዕነቶምን ንኹነታት ኢሚግሬሽን መሰረት ብምግባር ክሕግዞም ይውስን። IRAP ንሰባት ንምሕጋዝ ብዝኾነ ካልእ ማሕበራዊ ወይ ፖለቲካዊ ወይ ሃይማኖታዊ መዐቀኒታት መሰረት ኣይውስንን እዩ።
እዚ መርበብ ሓበሬታ ብዛዕባ ንገለ ስደተኛታት ዝቐርብ ሕጋዊ መስርሕ ሓፈሻዊ ሓበሬታ ይህብ። ንውልቃዊ መመልከቲታት ከም ሕጋዊ ምኽሪ ዝዓለመ ኣይኮነን።
ጠለባት ክቕየሩ ይኽእሉ እዮም። ኩሉ ግዜ ካብቲ ሕቶኻ ዝውስን መንግስቲ ወይ ትካል እዋናዊ ጠለባት እንተሃልዩ መርምር።
ኣብ ህጹጽ ኩነታት ስደተኛታት እንተሃሊኹም፣ ኣብታ እትነብረሉ ሃገር ዝርከብ ቤት ጽሕፈት UNHCR ክትረኽብዎ ንመክር።
Comments
0 comments
Please sign in to leave a comment.