ዝርዝር ዝተኣተፈ ናይ ዝተዛረበ ርእስታት
አገዳሲ ጽሑፍ፡ አብዚ እዋን’ዚ፤ ብምኽንያት ዝወጸ ሓዲሽ መመርሒ፤ አብ አሜሪካ ዘለው ገና ግሪን ካርዶም (green cards) ዘይረኸቡ ስደተኛታት ሓደጋ ማእሰርቲ የጋጥሞም አሎ። ወረቀ፟ት ስደተኛ ዘለኩም አብ አሜሪካ ትርከቡ ስደተኛታት፤ ወተሃደራት አይስ (ICE officers) ናብ ገዛኹም እንተመጺኦም እንታይ ክትገብሩ ከምዘለኩም ዘርድእ መምሪሒታትና ተወከሱ። ወትሃደራት አይስ (ICE) ናብ ገዛኹም እንተመጽኦም፤ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ወይ ብዳኛ ዝተገብረ መጸዋዕታ (judicial warrant) እንተዘይብሎም፤ መዓጾኹም ክትከፍቱሎም ከምዘይብልኩም ምርዳእ አዝዩ አገዳሲ እዩ።
አብ 21 ሕዳር (November) 2025፤ መንግስቲ አሜሪካ ካብ 21 ጥሪ (January) 2021 ክሳብ 20 ለካቲት (February) 2025 ጉዳይ ናይቶም ናብ አሜሪካ ዝአተው ስደተኛታት እንደገና ኪሪኦ ከምዝኾነ አዊጁ አሎ። እዚ ድማ አብዚ እዋን’ዚ ግሪን ካርድ (green card) ዘለዎምን ግሪን ካርድ ንምርካብ ማመልከቻ ዘእተዉን ገና ውሳኔ ንኽረኽቡ ዝጽበዩ ዘለውን ስደተኛታት ይምልከት። አብ 18 ለካቲት (February) 2026፤ ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS)፤ ኩሎም እቶም ግሪን ካርዶም ገና ዘይረኸቡን፤ ብፍላይ ድማ እቶም ፍጹም ዘየመልከቱን ቃለመጠይቅ፟ ግሪን ካርድ ዘይገበሩን ስደተኛታት አብ ቤት ማእሰርቲ ኢሚግሬሽን ኪእሰሩ ከምዝኸእሉ ዝገልጽ ጽሑፍ አውጺኡ አሎ። ብዛዕባ'ዚ ሓዲሽ መመርሒ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ አብዚ ተወከሱ።
ብዛዕባ ም እሳር ስደተኛታት ዝያዳ ሓበሪታ ንምርካብ ነዚ ዝስዕብ ጽሑፍ ተወከሱ።
እዚ ጽሑፍ’ዚ 9 ሰነ (June) 2026 ተሓዲሱ።
ሓጺር መግለጺ
አብ ውሽጢ አሜሪካ ዘለኹም ስደተኛ እንተኾይንኩም፤ ብዛዕባ እንታይ ኪትገብሩ ከምዝፍቀደልኩም፣ ዘለኩም ወረቀ፟ት እንታይ ትርጉም ከምዘለዎን ነፍስኹም ከምይ ክትሕልው ከምትከሉን ሕቶታት ኪህልወኩም ይኽእል፡፡እዚ ጽሑፍ’ዚ ነዘን ዝስዕባ ጉዳያት የረድእ፡
- አብ አሜሪካ “ወረቀ፟ት ስደተኛ” ምህላው እንታይ ማለት ከምዝኾነ
- ገለ ሰብ እንተሓቲቱኩም፤ ከመይ ጌርኩም ነቲ ዘለኩም ኪተርድኡ ከመትኽእሉ
- እቲ ዘለኩም ወረቀ፟ ክሳብ ክንደይ ከምዘገልግል
- ካብ ሃገር ኪትስጎጎ‘ዶ ትኽእሉ
- ብቁ፟ዕ ኪትኮኑ ትኽእሉወን ጠቀ፟ሜታታት
- ስድራቤትኩም ኪተምጽኡ ምኽአልኩምን ዘይምኽአልኩምን
- ናብ ካልእ ሃገር ኪትጌይሹ ይፍቀደልኩም’ዶ
አብ አሜሪካ ምህላው ወረቀ፟ት ስደተኛ እንታይ ማለት እዩ?
ወረቀ፟ት ስደተኛ ዳርጋ ሓደ ዓይነት አካል ኢሚግሬሽን እዩ።
አብ አሜሪካ “ወረቀ፟ት ስደተኛ (Refugee status” ፍሉይ ዓይነት ክፋል ኢሚግሬሽን እዩ። አብ አሜሪካ “ወረቀ፟ት ስደተኛ” እንተለኩም፤ መንግስቲ አሜሪካ፤ ብመሰረት ሕጊ አሜሪካ፤ ነቲ ኩሉ ስደተኛ ዘብል ረቋ፟ሒታት አማሊእኹም አለኹም ኢሉ ወሲኑ አሎ ማለት እዩ። በመሰረት እቲ ሕጊ፤ ሓደ ውልቀሰብ ስደተኛ እዩ ዘብሎ፤
- ካብ ሃገሩ ወጻኢ እንተኾይኑ
- ብሰንኪ ዘርኡ፣ ሃይማኖቱ፣ ብሄራዊ መንነቱ፣ ፖለቲካዊ አረአእዩኡ ወይ ድማ አባል ሓደ ፍሉይ ማሕበራዊ ጉጅለ ናብ ሃገሩ ኪምለስ እንተይዘይኪኢሉ ወይ ድማ ናብ ሃገሩ እንተተመሊሱ ዝኾነ ጉድአት አብ ልዕሊኡ ኪፍጸም እዩ ወይ ድማ ከይፍጸም ፍርሒ ዘለዎ እንተኾይኑ
- ክልኦት ፍልይ ዝበሉ ሕጋዊ ረቋ፟ሒታት ዘማልእ እንተኾይኑ
ወረቀ፟ት ስደተኛ አሜሪካ ምስቲ ብ ዩ ኤን ኤች ሲ አር (UNHCR) ዝውሃብ ወረቀ፟ት ስደተኛ ሓደ ዓይነት አይኮነን።
እዚ ሕጂ ንዘራረበሉ ዘለና ወረቀ፟ት ስደተኛ አብ አሜሪካ ዝውሃብ ወረቀ፟ት ስደተኛ ምዃኑ ምዝካር የድሊ። ገለ ገለ ሰባት “ወረቀ፟ት ስደተኛ” ተባሂሉ ዝጽዋእ ወረቀ፟ት ካብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UN Refugee Agency (ዩ ኤን ኤች ሲ አር UNHCR) ወይ መንግስቲ ካልእ ሃገር ኪረኽቡ ይኸእሉ። አብዚ ጽሑፍዚ ሰፊሩ ዘሎ ሓበሬታ ብዛዕባ ብመንግስቲ አሜሪካ ተቀ፟ባልነት ዘለዎ ወረቀ፟ት ስደተኛ ጥራይ እዩ። እንድሕር ብትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UN Refugee Agency ዩ ኤን ኤች ሲ አር UNHCR) ስደተኛ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት ከምዝኾነ ብዝያዳ ኪትፈልጡ እንተደሊኹም፤ ነተን ምንጭታትና ዩ ኤን ኤች ሲ አር (UNHCR) ተወከሱ።
ወረቀ፟ት ስደተኛ ካብ ጽግዕተኛ (asylum)ን ንግዚኡ አብ አሜሪካ ኪነብሩ ንዝፈቀደሎም ሰባት (parole) ዝውሃብ ወረቀ፟ትን ፍልይ ዝበለ እዩ።
እቶም ናብ ሃገሮም ኪምለሱ ዝፈርሑን አብ ውሽጢ አሜሪካ ኮይኖም መንበሪ ፈቃ፟ድ ኪረኽቡ ዘመልከቱን ሰባት ወረቀ፟ት ጽግዕተኛ ወይ አሳይለም (asylum) ኪረኽቡ ይኸእሉ። በቲ አሰራርሓ ኢሚግሬሽን አሜሪካ ድማ እዚአቶም “ጽግዕተኛ” ተባሂሎም ይጽውዑ።
እዚ ካብ ስደተኛ ዝተፈልየ እዩ።
ገለ ገለ ሰባት ድማ ፔሮል (parole) ተባሂሉ ብዝፍለጥ፣ ናብ አሜሪካ ኪአትው ዝፍቀደሎም አለው። ፔሮል (parole) ውን ካብ ስደተኛ ዝተፈልየ እዩ። ፔሮል (parole) ናብ አሜሪካ ኪአትውን አብ አሜሪካ ብግዜያዊነት ንኽቅ፟መጡን ዝፍቀደሎም ሰባት ማለት እዩ።
ወረቀ፟ት ስደተኛ ከምዘለኒ ከመይ ኪፈልጥ እኽእል? ብኸመይ ከረጋግጽ እኽእል?
“ወረቀ፟ት ስደተኛ”አለኩም ትብሃሉ ገና ካብ አሜሪካ ወጻኢ ከለኹም፤ ሰበስልጣን መንግስቲ አሜሪካ ነቲ ኩሉ “ስደተኛ” ከብል ዘኽእል ሕጋዊ ረቋ፟ሒታት ተማልኡ ኢኹም ኢሉ እንተወሲኑን ብመገዲ “ መጣየሲ ስደተኛታት” (refugee resettlement) ተባሂሉ ብዝጽዋዕ ፕሮግራም መእተዊ ስደተኛታት አሜሪካ (U.S. Refugee Admissions Program (ዩ ኤስ አር ኤ ፒ USRAP) ናብ አሜሪካ እንተአቲኹምን ስደተኛ ትብሃሉ። ፕሮግራም መእተዊ ስደተኛታት አሜሪካ (U.S. Refugee Admissions Program (ዩ ኤስ አር ኤ ፒ USRAP) “መደብ መጣየሲ ስደተኛታት” ብዝብል ሽምውን ይፈለጥ። ብዓልቤት ወይ ድማ ቆልዓ እቲ ወረቀ፟ት ስደተኛ ዝተውሃቦ ሰብ እንተኾይንኩም ንስኹም ወይ ንስኸን’ውን ስድተኛ ትብሃሉ። ብምኽኛት እቲ ወረቀ፟ት ስደተኛ ዘለዎ ሰብ ንስኹምውን ወረቀት ስደተኛ ይህልወኩም።
ወረቀ፟ት ስደተኛ ከምዘለንን ዘይብለይን ንምርግጋጽ እንታይ ዶኩመንታት ከሪኢ አለኒ?
ሓደ ውልቀሰብ ወረቀ፟ት ስደተኛ አለዎ ዶ’ የብሉን ንምርግጋጽ ክር አዩ ዝኽእሉ ሓያሎ ዶኩመንታት አሎ። ንአብነት፤
- ወረቀ፟ት መጓዓዝያ፤ (Transportation boarding letter)፡ መብዛሕትኡ እዋን፤ ስደተኛታት ናብ አሜሪካ ኪጓዓዙ ከለው ወረቀ፟ት መጓዓዝያ(transportation boarding letter) ዝብሃል ወረቀ፟ት ሒዞም እዮም ዝጓዓዙ። አብ ጉዳይ ስደተኛ፤ እቲ “ቀንዲ አመልካቲ” ንስኹም እንተድአ ኮይንኩም ወይ ድማ ምስቲ ቀንዲ አመልካቲ እንተኾይንኩም ብHአባር አቲኹም፤ ነዚ ዶኩመንት ዚ ክሳብ ሕጂ ረኺብኩም ትኾኑ። ሰእልኹም፣ ሽምኩምን ካልእ ውልቃዊ ሓበሬታኹም ዝሓዘ እዩ ዝኸውን።
- ቪ93 ( V93 boarding foil.፟) ወረቀ፟ት መስቀሊ፡ ናይቲ ቅድሜኹም ናብ አሜሪካ ዝአተወ ሰብ በዓልቤት ወይ ውላድ እንተኾይንኩምን “ንዕኡ ብምስዓብ”እንተኾይንኩም ናብ አሜሪካ ትመጹ ዘለኹም፤ ምስቲ ፓስፖርትኹም ዝላገብን ስደተኛ ምዃንኩም ዘረጋግጽን ቦርዲንግ ፎይል (boarding foil) ክህልወኩም እዩ።
- ኢ ኤ ዲ (EAD)፡ ወረቀ፟ት ፈቃ፟ድ ስራሕ እንተለኩም፤ ወረቀ፟ት ስደተኛ ከምዘለኩም ዘመልከት፤ አብ ትሕቲ እቲ “ምድብ” “(a)(3) ዝብል ጽሑፍ አሎ።
- አይ-94 (I-94)፡ ናብ አሜሪካ ዝአትው መብዛሕትኦም ሰባት ወረቀ፟ት መእተውን/መውጽእን (Arrival/Departure Record)ዝብሃል ቅጺ አይ-94 (I-94) ይረኽቡ እዮም። እዚ ወረቀ፟ትዚ ናብ አሜሪካ ብሕጋዊ መገዲ ከምዝአተኹም መረጋገጺ እዩ። መብዛሕቶም ሰባት ኝ ቅዳሕ ናይዚ ወረቀ፟ት አይረኽቡን እዮም። ግ ና ናብ ዌብሳይት ሲ ቢ ፒ (CPB) ብምእታው ነቲ ቅጺ አይ 94 ኪትረኽቡ ትኽእሉ። ወረቀ፟ት ስደተኛ እንተለኩም አብቲ መእተዊ ፈቃ፟ድ ወረቀ፟ትኩም “RE” ዝብል ኮድ/ጽሑፍ ክህልዎ ይኸ እል፤ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ እቲ ክልተ ፊደላት (ን አብነት RE1) ብቁ፟ጽሪ ተሰን ዩ ኪቀ፟ርብ እዩ።
ነቲ ትደልይዎ ኤሌክትሪካዊ አይ-94 ( I-94) ንምርካብ ዘሸግረኩም ኮይኑ፤ ምናልባት ካብ ምምሕዳራዊ ጌጋ ኪኸውን ይኸእል ወይ ድማ ካብ ሽግር ምእታው ሓበሬታ ዝነቀ፟ለ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነተን አብዚ ተዘርዚረን ዘለዎ ጽሁፋት አበይ ከምዝርከባ ምፍላጥ አሸጋሪ እንተኾይንኩም ወይ ድማ ጉዳይኩም አበይ ከምዝበጽሐ፣ ወይ ድማ ነቲ ዘለኩም ጉዳይ ከመይ ከምትምዝግቡዎ ሕቶታት እንተለኩም፤ ጠበቃ ኢሚግሬሽን ንምርካብ ነቲ አብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ምንጭታት ተጠቀ፟ሙ።
አይስ (ICE) ነቲ ዘለኒ ወረቀ፟ት ስደተኛ እንድሕር ተጠራጢሮሞ እንታይ ኪገብር አለኒ?
ወትሃደራት ኢሚግሬሽን (አይስ ICE) እንድሕር ናብ ገዛኹም መጺኦም፤ ወረቀ፟ት ቤት ፍርዲ እንተዘይብሎም መዓጾ አይትኽፈቱሎም። c ወትሃደራት አይስ (ICE) አብ ውሽጢ ገዛኹም ንምእታው፤ ብዳኛ ክፍለሃገር ወይ ድማ ብዳኛ ማእከላይ መንግስቲ ( ዳኛ ኢሚግሬሽን ዘይኮነ) ዝተፈረመ ወረቀ፟ት ከሪኡኹም አለዎም። እዚ መጸዋዕታ ቤት ፍርዲ (judicial warrant) ይብሃል። አብ ታሕቲ እቲ ቅኑዕ ዝኾነ መጽዋዕታ ቤት ፍርዲ ከም አብነት ቀሪቡ አሎ። መዓጾኹም ከይከፈትኩም ነቲ ወረቀ፟ት በቲ ትሕቲ ማዕጾኹም ዘሎ ከፋት አጽሊቆ፟ም ከእትዉዎ ሕተቱ ወይ ድማ ብፊኒስትራኹም ከሪኡኹም ሕተቱ። ነዚ መጸዋዕታ ወረቀ፟ት እንድሕር ዘየሪኦሙኹም መዓጾ ክትከፍትሎም አይግባእን።
እቶም ወተሃደራት ወረቀ፟ት ቤት ፍርዲ እንተሃለዎምውን፤ ስቅ፟ ናይ ምባል፣ መልሲ ናይ ዘይምሃብን ጠበቃ፟ኹም ናይ ምጽዋዕን መሰል አለኩም።
አብነት ወረቀ፟ት ቤት ፍርዲ- እዚ ወረቀ፟ት ቤት ፍርዲ ብቤት ፍርዲ ዝተውሃበን ብዳኛ ዝተፈረመን ኮይኑ እቶም ወተሃደራት ናብ ውሽጢ ገዛኹም ኪአትው ዘፍቅድ እዩ፡
ሰእሊ: ናሽናል ኢሚግራንት ጃስቲስ ሴንተር (National Immigrant Justice Center)
እቶም ወትሃደራት፤ ምናልባት ብቤት ጽሕፈት ኢሚግራኤሽንን ጉምሩክን አይስ ( Immigration and Customs Enforcement (“ICE”) ዝተፈረመ ወረቀ፟ት መጸዋዕታ አይስ (ICE warrant) ወይ ድማ ወረቀ፟ት ምምሕዳር (administrative warrant) ከሪኡኹም ይኸእሉ። እዚ ግና ብዳኛ ዝተፈረመ አይኮነን፤ ስለዝኾነ ድማ ብዘይ ፈቃ፟ድኩም ናብ ገዛኹም ኪአትው አየፍቅደሎምን እዩ።
አብነት መጽዋዕታ ምምሕዳር (Administrative Warrant)-እዚ መጸዋዕታ ፊርማ ዳኛ የብሉን። ስለዝኾነ ድማ ወትሃደራት፤ ብዘይ ፈቃ፟ድኩም ናብ ውሽጢ ገዛኹም ኪአትው አየፍቅድን እዩ፡
ሰእልታት Image credit: ማእከል ብሄራዊ ፍትሒ ስደተኛታት (National Immigrant Justice Center)
ስእሊ፡ ናሽናል ኢሚግራንት ጃስቲስ ሴንተር (National Immigrant Justice Center)
ወትሃደራት አይስ (ICE) ብዝሒ ህዝቢ አብ ዘለዎ ቅሉዕ ቦታ እንታይ ወረቀ፟ት ከምዘለኩም እንድሕር ሓቲቶሙኹም፤ ነቲ አብ ላዕሊ ሰፊሩ ዘሎ መረጋገጺ ወረቀ፟ት ስደተኛ አርእዩዎም። ዕድሜኹም ልዕሊ 18 ዓመት እንድሕር ኮይኑ ነዘን ዝስዕባ ዶኩመንታት ኩልሻዕ ምሳኹም ሓዙ፡
- I-94 (መእተው/መውጺኢ (Arrival/Departure record)
- ደብዳበ መስቀሊ ነፋሪት (Transportation Boarding Letter) ወይ ቦርዲንግ ፎይል( boarding foil)
- ስራሕ ንኽትሰርሑ ዘፍቅድ ዶኩመንት ((Employment Authorization Document) ወይ ድማ ካርድ ፈቃ፟ድ ስራሕ (work permit)
- ግሪን ካርድ ( green card) ንምርካብ አመልኪትኩም እንተኾይንኩም ክም ሓደ መረጋገጺ ቅዳሕ ናይቲ አብ መስርሕ ዘሎ ማመልከቻኹም (ን አብነት ነቲ I-797C ወይ ወረቀ፟ት ቅብሊት (Receipt Notice)
እቲ ኦሪጂናለ ዶኩመንት ኪስረቅ፟ ወይ ኪጠፍእ ስለዝኸእል፤ ኩልሻዕ ክትዝክሩዎ ዝግባእ ነቲ ኦሪጂናለ ዶኩመንትታት ካብ ምሓዝ ቅዳሕ ምሓዝ ዝሓይሸ ከምዝኾነ እዩ። እቶም ወትሃደራት ጠጠው እንተበሉኹም፤ ብዛዕባ ወረቀ፟ት መንበሪኹም ንዝሓተቱኹም ሕቶታት ብዘይ ጠበቃ፟ኹም ናይ ዘይምምላስ ወይ ድማ ኪፍትሹኹም እንተፈቲኖም አይፍተሽን ናይ ምባል መሰል አለኩም። መሰል አለኩም።
እቶም ሰበስልጣን ኢሚግሬሽን ብዛዕባ መንበሪ ወረቀ፟ትኩም ኪሓትኹም ከለው ብዝተረጋገአ መገዲ መልሲኹም ሃቡ፤ ኩልሻዕ ኪትዝክሩዎ ዘለኩም አብ አሜሪካ ዘለኹም ብሕጋዊ መገዲ ምዃኑን እቲ ዘለኩም ወረቀ፟ት ድማ ግዜኡ ከምዘይቃጸልን ዘክሩ።
ጠበቃ፟ ኢሚግሬሽን እንተለኩም፤ ነታ ሓበሬታኦም ምሳኹም ኪትሕዙዎ ይግባእ።
ምስ ሰበስልጣናት ኢሚግሬሽን ምርኻብ ዘተሓሳስበኩም እንተኾይኑ፤ ነቲ ሬዲ ናው (ReadyNow!) ዝብል አፕ (መተግበርያ) አብ ስልኪ ኢድኩም አእትውዎ። እዚ መተግበርያ ብ ኪኢላታት ኢሚግሬሽን ዝተዳለው እዩ። ናይ ህጹጽ ግዜ መደባት ኪተውጹኡን ምናልባት በወታሃደራትአይስ (ICE) እንተተሓዝኩም ሓበሬታ ክትሰዱ የኸለኩም።
ስንኩላን ስደተኛ እንተኾንካ ኣብዚ ምስ ICE ክትራኸብ ከለኻ ብዛዕባ መሰላትካ ተወሳኺ ጸጋታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
ምስ ሰበስልጣናት ኢሚግሬሽን ምስትራኸቡ ድልው ኮይንኩም ምእንታን ክትጽንሑ ነዘን ብሓያሎ ቋንቋታት ዝተዳለዋ ዝስዕባ ምንጭታት ኪተንቡቡ ትደልዩ ትኾኑ፡
- መሰላትኩም ፍለጡ (Know Your Rights)፤ ምስ አይስ(ICE) እንተተራኺብኩም (National Immigrant Justice Center)
- መሰላትኩም ፍለጡ (Know Your Rights)፤ ብኢሚግሬሽን እንተተአሲርኩም እንታይ ኪትገብሩ ከምዘለኩም (What to Do if You Are Arrested or Detained by Immigration) | National Immigration Law Center
- መሰላትኩም ፍለጡ (Know Your Rights) ሕጋዊ ምንጭታት ዝሕብር አፕ (Legal Resource app | ብሄራዊ ኮሪያዊ አሜሪካውያን አገልግሎትን አኼባ ትምህርትን ( National Korean American Service and Education Consortium
- መሰላትኩም ፍለጡ (Know Your Rights):ምስ አኽበርቲ ሕጊ ኪትራከብ ከለኻ እንታይ ኪግበር ይከአል( What to Do in Interactions with Law Enforcement | ግልጺ CLEAR)
- መሰላኩም ፍለጡ (Know Your Rights)፤መሰላት ስደተኛታት ( Immigrants’ Rights | ACLU0
እቲ ወረቀ፟ት ስደተኛ ከይተቃ፟ጸለ ክሳብ ክንደይ ኪጸንሕ ይክእል?
ወረቀ፟ት ስደተኛ አይቃጸልን እዩ። ምሕዳስ’ውን አየድልዮን እዩ። እቲ መንግስቲ ነቲ ወረቀ፟ትኩም ከይሰርሕ ጠጠው ከብሎ ዝኸእል (ብመሰረት አብቲ ሕጊ ዝተገልጸ) ናብ አሜሪካ ክትአትው ከለኹም ስደተኛ ከምዘይነበርኩም እንተአረጋጊጹ ጥራይ እዩ።
ወረቀ፟ት ስደተኛ እናሃለወኒ ካብ ሃገር ኪስጎግ 'ዶ እኽእል?
ዋላ’ኳ ወረቀ፟ት ስደተኛ ኪብሃል ከሎ ንሓዋሩ አብ አሜሪካ ዘንብር ሕጋዊ ወረቀ፟ት ይኹን እምበር፤ እቲ ስደተኛ ድሕሪ ብቤት ፍርዲ ዝተወሰነ “መስርሕ ምስጓግ” ካብ ሃገር ኪስጎግ ዘኽእል ዝተወሰና ምኽኒታት አሎ። መስርሕ ምስጓግ ማለት ንካብ ሃገር ምስጓግ ዝተውሃበ ካልእ ሽም እዩ። እዚ መስርሕ ምስጓግ ማለት አብ አሜሪካ ክትጸንሑን ከይትጸንሑን ዝውሰን አብ ቅድሚ ዳኛ ኢሚግሬሽን ምቅ፟ራብ ማለት እዩ።
ን አብነት ገለ ወንጄል ፈጺምኩም እንድሕር ተፈሪዱኩም ወይ ድማ መንግስቲ ገለ ናይ ሕሶት ዶኩመንት አቅ፟ሪብኩም ኢሉ ወንጂሉኩም አብቲ መስርሕ ምስጓግ ኪትአትው ትኸ እሉ። ብገለ ወንጄል ዝተኸሰስኩም ወይ ድማ ዝተፈረድኩም ስደተኛ እንተኾይንኩም ምኽሪ ንምርካብ ብቁ፟ዕ ምስ ዝኾነጠበቃ፟ ኢሚግሬሽን ተራኸቡ።
ወረቀ፟ት ስደተኛ ምህላው እንታይ እዩ ጥቅ፟ሙ?
እቶም ወረቀ፟ት ስደተኛ ዘለዎም ሰባት፤ አብ ውሽጢ አሜሪካ ዘለው ብሕጋዊ መገዲ ምዃኖም ምዝካር አገዳሲ እዩ።
ጠቀ፟ሜታታት ሕዝቢ
ስደተኛ እንተኮይንኩም፤ አዝዩ አዳላይ ዝኾነ ፣ አገልግሎት ሓለዋ ጥዕናን ትምህርትን ዘጠቃ፟ልል ዝተወሰነ ጠቀሜታታት ሕዝቢ አለኩም። አብ አሜሪካ አበይ ከምትቅ፟መጡ አብ ግምት ዘእቱ ሓገዝ አገልግሎት መግብን መንበሪ ገዛን ‘ውን ኪትረኽቡ ትከእሉ። መብዛሕተኡ ጠቀ፟ሜታታት ህዝቢ ዘተኩር አብቲ ትረኽቡዎ አታውን ብዝሒ ስድራቤትኩምን እዩ። ከምኡ'ውን አብ ወርሒ ሓምለ (July) 2025 አብ ዝሓለፈ ሕጊ ጠቀ፟ሜታታት ስደተኛታት ዝምልከት ገለ ገለ ለውጥታት ተጌሩ አሎ።ብዛዕባ'ዚ ጠቀ፟ሜታታት ህዝቢ ብዝያዳ ኪትፈልጡ አብዚ ተወከሱ።
ቀዋሚ መቀ፟መጢ ወረቀ፟ትን ዜግነትን
ስደተኛታት ቀዋምን ሕጋውን ዝኾነ ወረቀ፟ት መንበሪ፤ ግሪን ካርድ (green card) ተባሂሉ ዝፍለጥ ንምርካብን ድሕሪ’ኡ ድማ ዜጋ ንምዃንን ከመልክቱ ይኽእሉ።
ስራሕ
አብ አሜሪካ ስደተኛታት ብሕጋዊ መገዲ ስራሕ ኪሰርሑ ይኽእሉ። Refugees can lawfully work in the United States. እዚ ነቶም ወረቀ፟ት ስደተኛ ዘለዎም ሰባት ብኦቶማቲክ መገዲ ፍቃ፟ድ ዝህብ እዩ፡ እቲ ዝውሃብ ፈቃ፟ድ ድማ ግዚኡ አይቃጸልን እዩ። ስራሕ ንምስራሕ ፈቃ፟ድ ስራሕ ( በኦፊሴል “ዶኩመንት ፈቃድ ስራሕ (employment authorization document,” ወይ ድማ ኢ ኤ ዲ EAD) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፈቃ፟ድ አየደልን እዩ። ግና እቲ ሕጋዊ ዝኾነ ፈቃ፟ድ ስራሕ አብ ኢድኩም እንተለኩም ፤ ነቶም አስራሕቲ ክትሰርሑ ፍቃ፟ድ ከምዘለኩም ንምርግጋጽ ይጠቅ፟መኩም።
አብ አሜሪካ ዘለኹም ከም ስደተኛ እንተኾይኑ እቲ ወረቀ፟ት ፈቃ፟ድ ስራሕ ናብ አሜሪካ ምስ አተኩም ድሕሪ ቁሩብ አዋርሕ ኪበጽሓኩም እዩ። ካብ መጀመርትኡ እቲ ፈቃ፟ድ (EAD) እንተዘይረኸብኩም መተካእታ ኪውሃበኩም ኪተመልክቱ ትኽ እሉ።
ግሪን ካርድ (green card) እንታይ ማለት እዩ? ግሪን ካርድ ንኽረከብ መዓስ ከመልክት ይግብአኒ?
ግሪን ካርድ (green card) ነቲ ሕጋውን ቀዋሚን ዝኾነ ወረቀ፟ት ፈቃ፟ድ መቀ፟መጢ ( lawful permanent resident (ኤል ፒ አር LPR) ዝተውሃበ ካልእ መጸውዒ ሽም እዩ። ወይ ድማ አብ አሜሪካ በቀዋሚ ንምንባር መሰል ምህላው ማለት እዩ። ሕጊ አሜሪካ፤ ስደተኛታት ካብቲ ናብ አሜሪካ ዝአተውሉ መዓልቲ ጀሚሩ ዝቁ፟ጸር፤ አብ ውሽጢ አሜሪካ ሓደ ዓመት “ብአካል” ምስተቀ፟መጡ ነዚ ብቀዋሚነት ዘቀ፟ምጥ ወረቀ፟ት መንበሪ ንኽረኽቡ ከመልክቱ ይሓትት።
ናብ አሜሪካ ዝአተኹም ከም ስደተኛ እንተኾይኑን አብዚ እዋን’ዚ ካብ አሜሪካ ወጻኢ እንተጌሽኩም ፤ ነቲ ዝሕተት ግዜ ሓደ ዓመት ከምዝናዋሕ ይገብሮ እዩ።
ብወገና፤ አብ አሜሪካ ብ “አካል” ካብ ትቅ፟መጡ ሓደ ዓመት ኪትመልኡ ገና ኪትቀራረቡ ከለኹም፤ ነቲ ቀዋምን ሕጋውን መቀ፟መጢ ወረቀ፟ት ኪትረኽቡ ምምልካት ኪትጅምሩ ንመኽረኩም። ቀቅድሚ ሓደ ዓመት ምምላእኹም ምምልካት አዝዩ አገዳሲ እዩ። አብ አሜሪካ ካብ ሓደ ዓመት ንላዕሊ እንድሕር ጌርኩም ድማ አብ ዝቀ፟ልጠፈ እዋን ማመልከቻ ኪተእትው አለኩም።
መንግስቲ አሜሪካ፤ አብ 2026፤ አብ ውሽጢ አሜሪካ ሓደ ዓመት ዝገበሩን ግሪን ካርድ ኪረኽቡ ገና ዘየመልከቱን ከምኡ'ውን ነቲ ዘ እተውዎ ማመልከቻ ዘሰኒ ቃለመጠይቅ፟ ገና ዘይገበሩን ስደተኛታት ኪሕዝን ኪአስርን ከምዝኾነ ዝገልጽ መምርሒ አውጺኡ አሎ።
ብመሰረት እዚ መምርሒ'ዚ 'ውን እቶም ግሪን ካርድ ኪረኽቡ አመልኪቶም ግና ገና ግሪን ካርዶም ዘይረኸቡ ስደተኛታት እውን ሓደጋ ምእሳር የንጸላልዎም እዩ። ኢራፕ (IRAP) ነዚ መምርሒ'ዚ በምቅዋም አብ ቤት ፍርዲ ክሲ አቅ፟ሪቡ አሎ። ስለዝኾነ ድማ ቤት ፍርዲ፤ እዚ ክሲ ውሳኔ ክሳብ ዝረክብ፤ መንግስቲ በዚ መምርሒ'ዚ ስደተኛታት ኪአስር አይክእልን ኢሉ ትእዛዝ አሕሊፉ አሎ። ገለ ለውጢ እንተመጸ ነዚ ጽሑፍ ኪነማሕሾ ኢና ግና ክሳብ 5 ሰነ (June) 2026 ዘሎ ግዜ ከምዝተፈልጠ፤ በዚ መምርሒ'ዚ ስደተኛታት አይተሓዙን፣ አይእሰሩን እዮም።
ካብ አሜሪካ ወጻኢ ኪጓዐዝ’ዶ እኽእል?
እወ ስደተኛታት ናብ ካል እ ሃገራት ኪኸዱ ይኽ እሉ፤ ግና ቀቅድሚ ምኻዶም ዶኩመንት ጉዕዞ ስደተኛታት (Refugee Travel Document (አር ቲ ዲ RTD) ዝብል ማመልከቻ መሊኦም ከእትው አለዎም። አብ ወጺኢ ኮይንኩም ነዚ ማመልከቻ ኪትመልኡ ትኽ እሉ ኢኹም ግና አብ ካልእ ሃገር ኮይንኩም ነቲ ኩሉ ዘድሊ ሓበሬታ ክተማልኡ ዘጽግም ስለዝኾነን አብ ካልእ ሃገር ንሓዋሩ ተቀ፟ርቂርካ ናይ ምትራፍ ሓደጋ ከኸትል ስለዝኸእል ቅቡል ሓሳብ አይኮነን።
ነዚ ናይ ወረቅ፟ት ጉዕዞ ስደተኛታት ንምርካብ ፎርም አይ-131 (Form I-131) ዝብሃል መሊእኹም ኪተእትው አለኩም። እቲ ዘ እተኹሞ ፎርምተቀ፟ባልነት እንተረኺቡ፤ መብዛሕትኡ ግዜ ወረቀ፟ት ጉዕዞ ንሓደ ዓመት ከገልግል ይክእል እዩ። ብዛዕባ'ዚ ወረቀ፟ት ጉዕዞ አር ቲ ዲ (RTD) ን ከም ስደተኛ ኮይንካ ዓለም ለኸ ጉዕዞ ብዛዕባ ምግባርን ዝያዳ ኪትፈጡ እንተደሊኹም አብዚ ጽሑፍ ኢራፕ (IRAP) ተወከሱ።
አብዚ ክትሓስቡሉ ዝግባእ፤ አብቲ ወረቀ፟ት ስደተኛ ንምርካብ ዘእተኹሞ ማመልከቻ ንስኹም ቀንዲ አመልካቲ እንተኾይንኩም፤ ናብቲ ኪጽደዱ ዘገደድኩም ሃገር ተመሊስኩም እንተአቲኹም፤ነቲ ዝረኸብኩሞ ወረቀ፟ት ስደተኛ ከምትስ እንዎ እዩ። ግሪን ካርድ (green card) ዋላ ይሃልኹም ናብ’ዛ ሃገር ንኽትአትው ዝተፈቀ፟ደልኩም ከም ስደተኛ ኮይንኩም ስለዝኾነ፤ ናብ ሃገርኩም እንተተመሊስኩም ነቲ ሒዝኩሞ ዘለኹም ወረቀ፟ት ስደተኛ ብአሉታ ኪጸልዎ ይኽእል። ወረቀ፟ት ስደተኛ ኪትረክቡ መኻእሊኹም ካብ ሃገርኩም ዝሃደምኩም አብ ልዕሌኹም ሓደጋ ከጋጥመኩም ከምዝኾነ መረጋገጺ ስለዘቅ፟ረብኩም እዩ። ሕጂ ናብ ሃገርኩም እንተተመሊስኩም፤እቲ መንግስቲ፤ ካብ መጀመርታ'ውን ስደተኛ ኪትብሃሉ ብቁ፟ዕ አይነበርኩምን ኢሉ ከምዝአምን ኪትገብሩ ኢኹም ማለት እዩ። እዚ ድማ አብ መጻኢ ናብ አሜሪካ ኪትምለሱ ወይ ድማ ሓደ ሓደ ጠቀ፟ሜታታት ኢሚግሬሽን ንምርካብ አብ ተመልክትሉ እዋን ሽግር ኪፈጥረልኩም ይኽእል።
አነ ናብ አሜሪካ ክአቱ ከለኹ በዓልቲ ቤተይ ወይ ድማ ደቀይ ምሳይ አይነበሩን። ሕጂ ምሳይ ኪሕወሱ ይኽእሉ'ዶ?
ናብ አሜሪካ ኪትአትው ከለኹም በዓል ቤትኩም ወይ ድማ ምርዕዋት ዝይኮኑን ዕድሜኦም ትሕቲ 21 ዓመት ዝኾኑ ደቅኹም ምሳኹም እንተዘይነበሩ፤ አብ አሜሪካ ክልተ ዓመት ምስገበርኩም ምሳኹም ኪሕወሱ ኪተመልክቱ ትኽእሉ። ብዛዕባ'ዚ ጽሑፍ ኢራፕ (IRAP) አብዚ ተወከሱ።
ተወሳኺ ሓበሬታን ምንጭታትን
- ግሪን ካርድ (green card) ንምርካብ ገና ትጽበዩ እንተለኹም ግና ናብ ካልእ ሃገር ኪትከዱ እንተደሊኹም፤ነቲ ንስደተኛታት ዝውሃብ ዶኩመንት ፈቃ፟ድ ጉዕዞ ስደተኛታት (Application for Travel Document) ኪውሃበኩም ክተምልክቱ ከምዝግብአኩም አረጋግጹ። ካብ አሜሪካ እንተወጺእኹም፤ እዚ ናብ አሜሪካ ተመሊስኩም ንኽትአትው ይገብር።
- ካብ ዝነበርኩሞ አድራሻ እንተቀ፟ይርኩም፣ ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS) ከምዝፈልጥ ግበሩ። እዚ እንተዘይጌርኩም፤ ብፖስታ ዝተልአኸልኩም አገዳሲ ሓብሬታታት ከምልጠኩምን ጉዳይኩም ኪደናጎን ይኽእል።
ኩሉ ሓዲሽ ነገር ቀልጢፍኩም ኪትፈልጡ አብ ኦንላይን አካውንት ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS) ክፈቱ።
ኣህጉራዊ ፕሮጀክት ሓገዝ ስደተኛታት (IRAP) ንገለ ስደተኛታትን ተመዛበልቲን ብነጻ ሕጋዊ ሓገዝ ይህብ።
- IRAP ንገለ ሰባት ኣገልግሎት ክረኽቡን ናይ ስደተኛታትን ናይ ቪዛ መመልከቲ ንምድላውን ይሕግዞም።
- IRAP ኣካል ዝኾነ መንግስቲ፣ IOM ወይ UNHCR ኣይኮነን።
- IRAP ናይ ስደተኛ ደረጃ ወይ ቪዛ ክህብ ወይ ንጉዳያት ከቀላጥፍ ኣይክእልን እዩ።
- IRAP ገንዘባዊ ሓገዝ ክህብ፣ መንበሪ ገዛ ክረክብ ወይ ክኸፍል፣ ወይ ስራሕ ክረክብ ኣይክእልን እዩ።
- ኩሉ ሓገዝ IRAP ብነጻ’ዩ። ምስ IRAP ርክብ ዘለዎ ሰብ ገንዘብ ወይ ካልእ ኣገልግሎት ክሓተካ መሰል የብሉን።
IRAP ንሰባት ኣብ ኣድላይነቶምን ብቑዕነቶምን ንኹነታት ኢሚግሬሽን መሰረት ብምግባር ክሕግዞም ይውስን። IRAP ንሰባት ንምሕጋዝ ብዝኾነ ካልእ ማሕበራዊ ወይ ፖለቲካዊ ወይ ሃይማኖታዊ መዐቀኒታት መሰረት ኣይውስንን እዩ።
እዚ መርበብ ሓበሬታ ብዛዕባ ንገለ ስደተኛታት ዝቐርብ ሕጋዊ መስርሕ ሓፈሻዊ ሓበሬታ ይህብ። ንውልቃዊ መመልከቲታት ከም ሕጋዊ ምኽሪ ዝዓለመ ኣይኮነን።
ጠለባት ክቕየሩ ይኽእሉ እዮም። ኩሉ ግዜ ካብቲ ሕቶኻ ዝውስን መንግስቲ ወይ ትካል እዋናዊ ጠለባት እንተሃልዩ መርምር።
ኣብ ህጹጽ ኩነታት ስደተኛታት እንተሃሊኹም፣ ኣብታ እትነብረሉ ሃገር ዝርከብ ቤት ጽሕፈት UNHCR ክትረኽብዎ ንመክር።
Comments
0 comments
Please sign in to leave a comment.