ዝርዝር ዝተኣተፈ ናይ ዝተዛረበ ርእስታት
እዚ ጽሑፍ 15 ሚያዝያ (April) 2026 ተሓዲሱ
ሓጺር መግለጺ
አብ አሜሪካ፤ ወረቀ፟ት ስደተኛ እንተለኩምን ብወትሃደራት ኢሚግሬሽን አሜሪካ (U.S. immigration officers) ብአይስ (ICE) ከይትተሓዙ እንተፈሪሕኹምን፤ ከመይ ጌርኩም ተዳሊኹም ከምትጸንሑ ሕቶታት ኪህልወኩም ይኸእል። እዚ ጽሑፍ ነዚ ዝስዕብ የረድእ፤
- ኪኸውን ንዝኽእል ማእሰርቲ ከመይ ምድላው ከምዝከአል
- ብዛዕባ ማእሰርቲ ኢሚግሬሽን እንታይ ምፍላጥ ከምዘድሊ
- አብ ቤት ማእሰርቲ ከለኹም “እንደገና ኪግበረልኩም ንዝኽእል ቃለመጠይቅ” ከመይ ክትዳለው ከምትኽእሉ
ብዛዕባ ጉዳይ ማእሰርቲ ስደተኛታት ሚነሶታ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብዚ ተወከሱ።
ክኸውን ንዝኽእል ማእሰርቲ ከመይ ምድላው ከምዝከአል
ክኸውን ብዛዕባ ዝኽእል ማእሰርቲ ትሻቀ፟ሉ እንተኾይንኩም፤ ምእንታን ክትዳለው፤ ኪትወስድዎ ብዛዕባ እትኽእሉ ሓደ ሓደ ስጉምትታት ካብዚ ቀጺልና ነቅ፟ርብ፤
አብ አሜሪካ ሕጋዊ ወረቀ፟ት ዘለኩም ስደተኛ እንተኾይንኩም፤ ወረቀ፟ት ስደተኛን ወረቀ፟ት መጣየስን ከምኡ’ውን ንዕኡ ዝምልከት ኩሉ ሰነዳትኩም አኻኺብኩም ቅዳሕ ግበሩ። ነዘን ሰነዳት ትአምኑዎ ዓርኩኹም ወይ አባል ስድራቤትኩም ኪሕዙልኩም ሃቡ፡፡ እቲ
ትእክቡዎ ሰነዳት ነዘን ዝስዕባ ከጠቃ፟ልል ይኽእል፤
- አይ-94 (I-94)፤ ናብ አሜሪካ ዝአተኹምሉን ዝወጻኹምሉን ዕለት ዘርኢ ሰነድ (Arrival/Departure record)
- ደብዳቤ መሳፈሪ (Transportation Boarding Letter (or boarding foil)
- ወረቀ፟ት ፈቃ፟ድ ስራሕ ወይ ወርክ ፐርሚት (work permit) ዝብሃል ካርድ
- ግሪን ካርድ (green card) ክውሃበኩም እንተሓቲትኩም ከም መረጋገጺ ኪጠቅ፟መኩም ቅዳሕ እቲ ማመልከቻኹም
( ንአብነት I-797C “Receipt Notice” ዝአመሰለ ቅብሊትኩም)
- ሕጋዊ ወኪል እንተለኩም፤ ቅዳሕ ዝተፈረመ ፎርም ጂ 28 (እዚ አብቲ ጉዳይ ኢሚግሬሽን ዝውክለኩም ሰብ ከምዘለኩም ነቲ መንግስቲ ዘርኢ እዩ፡፡
እቲ ትአምኑዎ ዓርክኹምን አባል ስድራ ቤትኩምን ነዚ ዝስዕብ ጉዳያት ከምዝፈልጥ አረጋግጹ፡
- ነቲ ብፊደል ኤ ዝጅመር ቁጽርኹም ( A-number)
- ነቲ ብፊደል ኤ ዝጅመር ቁጽርኹም ( A-number) ንምርካብ አብቲ ናይ’ዚ ምንጪ ክፋል 3.3 ተወከሱ።
- ዝተወለድኩሙሉ ዕለት
- ዝተወለድኩሙሉ ሃገር
- ዜጋ ዝኾንኩሙሉ ሃገር
ሕጋዊ ወኪል እንተለኩም፤
- ካርድ ስርሖም እንተለዎም ሕተቱ ወይ ድማ ቁጽሪ ስልኮም ውሰዱሞ ኩልሻዕ ምሳኹም ሓዙዎ።
ወረቅ፟ት ስደተኛ ከምዘለኩም ነቶም ወተሃደራት ኢሚግሬሽን ንገሩዎም፤ ወረቅ፟ት ስደተኛ ከምዘለኩም ዘረጋግጽ ወረቃ፟ቅ፟ቲ አርእዩዎም። ብተወሳኺ’ውን ገና አብ መስርሕ ዘሎ ቅዳሕ ማመልከቻ ግሪን ካርድ (green card) ወይ ድማ ኩነታትኩም ንምትዕርራይ ዘእተኹሞ ማመልከቻ ወይ አብ ስድራቤት ዝተመርኮዘ ማመልከቻ ከምዘለኩም ንገሩዎም፡፡ ጠበቃ፟ ኢሚግሬሽን እንተለኩም ድማ ምስቲ ጠበቃኹም ክትዛረቡ ከምትደልዩ ግለጹ።
መደብ መዘኻኸሪ ህጹጽ ግዜ አዳልው፤ ምስ ሰብስልጣናት ኢሚግሬሽን አብ ቃለመጠይቅ፟ ወይ ድማ ምስኦም አብ ቆጸራ ከለኹም ከይአስሩኹም ትፈርሑ እንተኾይንኩምን እንተተአሲርኩምን ግዜ ስለዘይትረኽቡ ንአባላት ስድራቤትኩምን ወይ ንትአምኑዎም ፈተውትኹም ከመይ ጌርኩም ከምትነግሩዎም ብአጉኡ መደብ አውጽኡ። ሬዲናው (ReadyNow!) ዝብል አፕ(app) አሎ፤ ነዚ አፕ ናብ ስልኪ ኢድኩም አውርዱዎ፡፡ እዚ አፕ ብጠበቃ፟ታት ኢሚግሬሽን እዩ ተዳልዩ። ምናልባት ብ አይስ (ICE) ወተሃደራት እንተተአሲርኩም አብ ስልኩኹም ህጹጽ መደብ ኪተውጽኡን መጠንቀቅ፟ታ ዝህብ መሳሪሒ ኪትገብሩን ይሕግዘኩም።
ብዛዕባ ማእሰርቲ ኢሚግሬሽን ኪፈልጦ ዝግብአኒ
እቶም ወተሃደራት አይስ (ICE) ምስ ካልኦት አባላት ስድራቤትኩም እንተኾይኖም ሒዞምኹም፤ ናብ ዝተፈላለያ አብያተ ማእሰርቲ ፋሕ ከብሉኹም ይኸእሉ። ካብ ሓደ ቤት ማእስርቲ ናብቲ ካልእ እናሰጋገሩ’ውን ካብቲ ትነብሩሉ ክፍለ ሃገር ሩሑቅ፟ አብ ዝኾና ብዙሓት አብያተ ማእሰርቲ ከእትውኹም ይኽእሉ፡፡
ንብረትኩምን ውልቃዊ ሓበሬታኹምን ዝገልጽ ሰነዳትኩም ካብ ኢድኩም ኪወስዱዎ ይኽእሉ፡፡ አገደስቲ ዝኾኑ ቁጽሪ ስልክታት ብቃ፟ልኩም ኪትሕዙ ፈትኑ፤ ንትአምኑዎ ሰብ’ውን ቅዳሕ ሰነዳትኩም ልአኹ።
ክሳብ ሕጂ ጠበቃ፟ እንተዘይብልኩም፤ አብቲ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ከለኹም ብናጻ ዝሰርሑ ዝርዝር ጠበቃ፟ታት ኪወሃበኩም ሕተቱ። ምስ ጠበቃ፟ ኪትዛረቡ ከምትደልዩን ስልኪ ናይ ምጥቃም ዕድል ኪውሃበኩምን አበርቲዕኹም ሕተቱ።
ዝተታሒዝኩም ብአይስ (ICE) እንተኾይኑ፤ ስድራቤትኩምን አዕሩኽትኹምን አብዚ ዌብ ሳይት አትዮም አበይ ከምዘለኹም ክፈልጡ ይኸእሉ። ብኤ ቁጽርኹም (A-number) ወይ ድማ ብዝተወለድኩሙሉ ሃገር ወይ ድማ ብሓበሬታ ናይ ውልቀ ታሪኽኩም ኪረኽቡኹም ይኽእሉ። አብቲ ዌብሳይት መዓልታዊ ብምእታው ክደልይኹም አለዎም። ምኽንያቱ ብፍላይ ነቶም ዝተትሓዙ ሰባት ካብ ሓደ ቦታ ቀቀልጢፎም ናብ ካልእ ስለዝቀ፟ያይሩዎም፤ ሓደ ሓደ እዋናት እቲ ሓበሬታ ቀልጢፉ ናብቲ ዌብሳይት ከይአቱ ይኸእል እዩ።
አብ ውሽጢ ቦታ ማእሰርቲ እናሃለኹም ሕጋዊ አገልግሎት ንምርካብ ወይ ድማ አብ ልዕሌኹም ግፍዒ እንተተፈጺሙ ሪፖርት ኪትገብሩ እንተደሊኹም ናብ ቁጽሪ ስልኪ 9233 ኪትድውሉ ትኸእሉ።
አብ ቤት ማእሰርቲ አይስ (ICE) ከለኹ፤ ንካልአይ ግዜ ብዛዕባ ዝግበር ቃለመጠይቅ፟ እንታይ ክፈልጥ ይግብአኒ
ግሪን ካርድ (green card) እናሃለወኩም ወይ ድማ ግሪን ካርድ (green card) ንኽትረኽቡ አመልኪትኩም እንተኾይንኩም፤ ብአይስ ( ICE) ክትታሓዙ ትኽእሉ ኢኹም፡፡ ክትሕተቱ ወይ ቃለመጠይቅ፟ ኪግበረልኩም’ውን ይኽእል እዩ፡፡ ቋንቋ እንግሊዝ ጽቡቅ፟ ጌርኩም ዘይትኽእሉ እንተኾይንኩም፤ ብቋንቋኹም ቃለመጠይቅ፟ ኪግበረልኩም መሰል አልኩም። ጠበቃ፟ እንተለኩም ንአይስ ( ICE) ጠበቃ፟ አለኒ ኢልኩም ኪትነግሩዎም አለኩም፡፡ ስልኪ ጠበቃኹም እንተለኩም ድማ ጠበቃ፟ኹም አብቲ ዝግበረልኩም ቃለመጠይቅ፟ ሓቢሩ ኪሳተፍ ይኽእል እዩ፡፡ ብዝዕባ እቲ ቃለመጠይቅ፟ ስክፍታ እንተለኩም፤ ቃለመጠይቅ፟ ኪገብር አይደልን እዬ ኢልኩም ፈቃ፟ድኩም ከይትህቡ ትኽእሉ። አብዚ እቲ ዘሕዝን ነገር ዝርዝር ሓበሬታ ጉዳያት ስለዘየለ፤ ሓያሎ ነገራት ብሩህ አይኮኑን፤ በብግዚኡ ዝግበር ሓያሎ ለውጥታት’ውን አሎ፡፡ ቃለመጠይቅ፟ ኪትገብሩለይ አይደልን እዬ እንተበልኩም፤ እንታይ ኪብሉ ከምዝኽእሉ ምትንባይ አሽጋሪ እዩ።
አብቲ ንኻልአይ ግዜ ዝግበረልኩም ቃለመጠይቅ፟፤ ስለምንታይ ካብ ሃገርኩም ወጺእኹም ወይ ድማ ንምንታይ ናብ ሃገርኩም ምምላስ ትፈርሑ ዝብል ሓያሎ ሕቶታት ኪትሕተቱ ትኽእሉ፡፡ እዚ ኹሉ ሕቶታት ምስቲ ገና አብ ወጻኢ ከለኹም ዝተሓተትኩሞ ሕቶታት ዝመሳሳል ኪኸውን ይክእል። ልክዕ ከምቲ አብቲ መጀመርታ ዝገበርኩሞ ቃለመጠይቅ፟፤ ሕጂውን ተጠንቂቅኹምን ምስ ሙሉእ ሓቅነትን መልሲ ኪትህቡ አለኩም።
ስንክልና እንተሃልዩካ መንበሪ ክትሓትት መሰል ኣለካ። ብዛዕባ መሰላትኩም ኣብዚ ዝያዳ ክትፈልጡ ትኽእሉ ኢኹም።
አነ አብ ሚኖሶታ ዝርከብ ስደተኛ እዬ፤ ክፈልጦ ዝግብአኒ ነገር እንታይ አሎ?
አብ ወርሒ ጥሪ 2026፤ አይስ (ICE) ነቶም አብ ሚኖሶታ ግሪን ካርድ (green card) ዘይብሎም ሰባት ኪአስር ጀሚሩ። ነዚ መልሲ ብምሃብ ድማ ሓደ ቤት ፍርዲ ሚኖሶታ፤ አይስ (ICE) ግሪን ካርድ ስለዘይብሎም አብ ሚኖሶታ ንዝርከቡ ስደተኛታት ኪእስር አይክ እልን እዩ ኢሉ ክልተ ትእዛዛት አሕሊፉ። ድሕሪኡ፤ መንግስቲ ግሪን ካርድ ስለዘይብሎም አብ ሙሉእ ሃገር ንዝርከቡ ስደተኛታት ኪ አስር ከምዝኾነ አዊጁ። አብ ማሳሹሴትስ ዝርከብ ካልእ ቤት ፍርዲ፤ መንግስቲ አሜሪካ ነዚ ምእሳር ስደተኛታት ዝምልከት መምርሒ አብ ዝኾነ ቦታ አሜሪካ ኪጥቀመሉ አይክእልን እዩ ኢሉ።
አብዚ እዋን’ዚ እቲ አብ ሚኖሶታ ዝነበረ መምርሒ ተሰሪዙ እዩ። እዚ ማለት ድማ አብዚ እዋን’ዚ ንጉዳይ ምእሳር ስደተኛታት ዝምልከት ዝኾነ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ አብ ሚኖሶታ የለን። ኪፍለጥ ዘለዎ አገዳሲ ነገር፤ አብ ማሳሹሴትስ ዝሓለፈ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ፤ ነቲ አብ ኩሉ አሜሪካ፤ እንኮላይ አብ ሚኖሶታ፤ ተዘርጊሑ ዝነበረ መምርሒ ጠጠው አቢሉዎ አሎ። ስለዝኾነ ድማ አብ ሚኖሶታ ዘለው ስደተኛታት ገና ግሪን ካርዶም እንተዘይረኸቡ'ውን ካብ ማእሰርቲ ሕልዋት እዮም።
ነቲ ኩሉ አብዚ ቀሪቡ ዘሎ መሰላት ወሲኽካ፤ መሰላትካ ምፍላጥ አዝዩ አገዳሲ እዩ። ገና ኪትመጹ ከለኹም ብትካላት ምጥያስ ተሓጊዝኩም እንተኔርኩም፤ ሕጂ'ውን ተወሳኺ ሓበሬታ ከባቢኹም ክህቡኹም ንትካላት ምጥያስ ምውካስ ኪሕግዘኩም ይኽእል እዩ።
ክፍሊ ድሕነት ውሽጢ ሃገር (Department of Homeland Security ዲ ኤች ኤስ DHS)፤ አብ ሚኖሶታ ዘለው ስደተኛታት ቃለመጠይቅ ፓሪስ (PARRIS Interview) ዝብሃልን ወይ ድማ ቅድሚ ምቅ፟ባል ስደተኛታት ዝግበር መጻረይን I-485ን (Post-Admission Refugee Reverification and I-485 Interview) ዝተብሃላ ቃለመጠይቃ፟ት ንኽገብሩ መዘኻኸሪ ብምልአኽ ናብ ህንጻ ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS) ኪመጹ ሓቲቱ አሎ። ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS) ግሪን ካርድ (green card) ወይ ድማ ሕጋውን ቀዋምን መንበሪ ፈቅ፟ድ ንኺረክቡ ዝሓቱ ዘለው ስደተኛታት ንኽመጹ ኪሓትትን ቃለመጠይቅ፟ ኪገብረሎምን ስልጣን አለዎ። አብቲ ዝተሓተትኩሞ ቃለመጠይቅ፟ እንተዘይተረኺብኩም፤ እቲ ግሪን ካርድ ኪውሃበኩም ዘእተኹሞ ማማልከቻ ተቅ፟ባልነት ኪይረክብ ይኽእል እዩ። መንግስቲ'ውን ነቲ ዘለኩም ወረቅ፟ት ስደተኛ ከሕድገኩም መደብ ከምዘለዎ ዘረድእ ወረቅ፟ት ኪልእኸልኩም ይክእል። አብዚ ቃለመጠይቅ፟’ዚ ንምንታይ ስደተኛ ከምዝኾንኩም ብዝርዝር ከተረድኡን ብዛዕባ ዘእተኹሞ መመልከቲ ግሪን ካርድ ክትሕተቱ ከምዝኾንኩም ንጽበ።
ካብቲ መዘኻኸሪታት ሓደ እንተበጺሑኩም ፤ ምኽሪ ጠበቃ ምርካብን ነቲ ጠበቃ፟ኹም’ውን ናብቲ ቃለመጠይቅ ምሳኹም ኪመጽእ ምግባርን አዝዩ ጠቃሚ እዩ። ጠበቃ፟ ምርካብ ግዜ ዝውድእ እዩ። ስለዝኾነ ድማ እቲ መዘኻኸሪ ምስበጽሐኩም፤ ነቶም ቅድሚ ሕጂ ዝሓገዙኹም ትካላት ምጥያስ ቀልጢፍኩም ክትረኽቡዎም ርእይቶና ንህበኩም።
ተወሳኺ ሓበሬታን ምንጪታትን
- መሰልኩም ፍለጡ (Know Your Rights)፤ ብ ወተሃደራት ኢሚግሬሽን እንድሕር ተታሒዝኩምን ተአሲርኩምን፤ እንታይ ኪትገብሩ ከምዝግባእ ዝሕብር (ብሄራዊ ማእከል ሕጊ ኢሚግሬሽን (National Immigration Law Center)
- መሰልኩም ፍለጡ (Know Your Rights)፤ ንስኹም ወይ ድማ ቀረባ ዝኹኑ ፈተውትኹም እንድሕር በአይስ (ICE) ተታሒዞም እንታይ ኪትገብሩ ከምትኽእሉ ዝሕብር። (ብሄራዊ ማእከል ሕጊ ኢሚግሬሽን National Immigration Law Center)
ኣህጉራዊ ፕሮጀክት ሓገዝ ስደተኛታት (IRAP) ንገለ ስደተኛታትን ተመዛበልቲን ብነጻ ሕጋዊ ሓገዝ ይህብ።
- IRAP ንገለ ሰባት ኣገልግሎት ክረኽቡን ናይ ስደተኛታትን ናይ ቪዛ መመልከቲ ንምድላውን ይሕግዞም።
- IRAP ኣካል ዝኾነ መንግስቲ፣ IOM ወይ UNHCR ኣይኮነን።
- IRAP ናይ ስደተኛ ደረጃ ወይ ቪዛ ክህብ ወይ ንጉዳያት ከቀላጥፍ ኣይክእልን እዩ።
- IRAP ገንዘባዊ ሓገዝ ክህብ፣ መንበሪ ገዛ ክረክብ ወይ ክኸፍል፣ ወይ ስራሕ ክረክብ ኣይክእልን እዩ።
- ኩሉ ሓገዝ IRAP ብነጻ’ዩ። ምስ IRAP ርክብ ዘለዎ ሰብ ገንዘብ ወይ ካልእ ኣገልግሎት ክሓተካ መሰል የብሉን።
IRAP ንሰባት ኣብ ኣድላይነቶምን ብቑዕነቶምን ንኹነታት ኢሚግሬሽን መሰረት ብምግባር ክሕግዞም ይውስን። IRAP ንሰባት ንምሕጋዝ ብዝኾነ ካልእ ማሕበራዊ ወይ ፖለቲካዊ ወይ ሃይማኖታዊ መዐቀኒታት መሰረት ኣይውስንን እዩ።
እዚ መርበብ ሓበሬታ ብዛዕባ ንገለ ስደተኛታት ዝቐርብ ሕጋዊ መስርሕ ሓፈሻዊ ሓበሬታ ይህብ። ንውልቃዊ መመልከቲታት ከም ሕጋዊ ምኽሪ ዝዓለመ ኣይኮነን።
ጠለባት ክቕየሩ ይኽእሉ እዮም። ኩሉ ግዜ ካብቲ ሕቶኻ ዝውስን መንግስቲ ወይ ትካል እዋናዊ ጠለባት እንተሃልዩ መርምር።
ኣብ ህጹጽ ኩነታት ስደተኛታት እንተሃሊኹም፣ ኣብታ እትነብረሉ ሃገር ዝርከብ ቤት ጽሕፈት UNHCR ክትረኽብዎ ንመክር።
Comments
0 comments
Please sign in to leave a comment.