ዝርዝር ዝተኣተፈ ናይ ዝተዛረበ ርእስታት
እዚ ጽሑፍ ንመወዳእታ ግዜ ብዕለት 8 ሓምለ 2026 ተሓዲሱ
ሓጺር መግለጺ
ሕሉው ዝኾነ ግዜያዊ ዕቁ፟ባ (Temporary Protected Status (ቲ ፒ ኤስ TPS)፤ ካብ ዝተወሰና ሃገራት ዝመጹ ሰባት ናብ ሃገሮም ኪመለሱ ሓደገኛ ብምኳኑ ንግዜኡ አብ አሜሪካ ኪጸንሑ ዘፍቀድ ፕሮግራም መንግስቲ አሜሪካ እዩ። ሕጋዊ ቲ ፒ ኤስ (TPS) እንተለኩም ንዝተወሰነ ግዜ አብ አሜሪካ ክትቅመጡን ኪትሰርሑን ትኸእሉ።
አብ 29 ሚያዝያ ( April) 2026፤ ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ አሜሪካ፤ ንቲ ፒ ኤስ (TPS) ዝምልከት ክልተ ጉዳያት ሰሚዑ፤ አብ ሶርያ ማሊን አንጻር ዳህሊያ ዶ ( Mullin v. Dahlia Doe)ን አብ ሄቲ ድማ ትራምፕ አንጻር ሚዮት (Trump v. Miot) ። ነዘን ጉዳያት ብዝምልከት ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ አሜሪካ እዘን ዝስዕባ ውሳኔታት አሕሊፉ። አብ 25 ሰነ (June) 2026 ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ነዚ ውሳኔኡ አዊጁ፤
- ምምሕዳር ትራምፕ፤ ነቲ ንሶርያን ሄቲን ብመንግስቲ አሜሪካ ተፈቂ፟ዱ ዝነበረ ቲ ፒ ኤስ (TPS) ከቋርጽ ተፈቂ፟ዱሉ። እዚ ንሶርያን ሄቲን ተፈቂ፟ዱ ዝነበረ ቲ ፒ ኤስ (TPS) ኪቋረጽ ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ወሲኑ ማለት፤ እተን ቤት ፍርድታታት ዲስትሪክት ገለ ካልእ ውሳኔታት እንተዘይአሕሊፈን፤ እቲ ውሳኔ ካብ ዝሓለፈሉ 27 ሓምለ (July) ጀሚሩ ዝቁ፟ጽር፤ ድሕሪ 32 መዓልታት፤ መንግስቲ ነተን ክልተ ሃገራት ምሃብ ቲ ፒ ኤስ (TPS) ጠጠው የብል ማለት እዩ።
- ሕጊ ቲ ፒ ኤስ (TPS) ተኸቲለን፤ መንግስቲ ነቲ ቲ ፒ ኤስ (TPS) ጠጠው ከብሎ ሕጋዊ አይኮነን ኢለን ኪውስና አይፍቀደለንን እዩ።
- ቤት ፍርድታት ፌደራል (ማእከላይ) መንግስቲ፤ ነዚ ውሳነ እንደገና ኪሪእዮኦን ሕጋዊ አይኮነን ኢለን ኪውስና ዝፍቀደለን ነቲ ሕገ መንግስቲ ሃገር ዝጥሕስ ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ፤ እዚ ግን ኪተረጋግጾ ከቢድ እዩ ዝኸውን።
እዚ ውሳነ ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ፤ ምምሕዳር ትራምፕ፤ ናይተን ቲ ፒ ኤስ (TPS) ዝተውሃበን ሓያሎ ሃገራት እውን ነቲ ዝተውሃበን ቲ ፒ ኤስ (TPS) ጠጠው ከብሎ የፍቅደሉ እዩ ማለት እዩ። ቲ ፒ ኤስ (TPS) ጠጠው ኪብል ምግባር ሕገ መንግስታዊ አይኮነን ብምባል አብ ታሕተዎት ቤትፍርድታት ክስታት ምቅ፟ራብ ኪቅ፟ጽል እዩ፤ ይኹን እምበር ነዚ መርትዖ ኪትረኽበሉ አጸጋሚ እዩ ዝከውን።
ናይ ገለ ገለ ሃገራት ቲ ፒ ኤስ (TPS) ግና ገና አብ ስራሕ እዩ ዘለ።
ነዚ ውሳኔ ብዝምልከት አብ ነፍስወከፍ ሃገር ዘሎ ኩነታት ቲ ፒ ኤስ (TPS) ከመይ ከምዝኾነ ንምፍላጥ አብዚ ተወከሱ።
ሕልው ዝኾነ ግዜያዊ ዕቁ፟ባ (Temporary Protected Status) እንታይ ማለት እዩ?
ሕሉው ዝኾነ ግዜያዊ ዕቁ፟ባ (Temporary Protected Status (ቲ ፒ ኤስ TPS) ሓደ ዓይነት ኩነት ኢሚግሬሽን እዩ። መንግስቲ አሜሪካ ብምኽንያት አብ ሃገሮም ዝካየድ ዘሎ ውግእ፣ ዘጋጠመ ተፈጠሮአዊ ሓደጋ ወይ ካልእ አስጋኢ ኩነታት፤ ናብ ሃገሮም ኪምለሱ ንዘይከእሉ ዜጋታት ውሱናት ሃገራት፤ ሕልው ዝኾነ ግዜያዊ ዕቁ፟ባ ወይ ቲ ፒ ኤስ (TPS) ይህብ።
አብዚ ቀረባ ዓመታት፤ እዚ ሕሉው ዝኾነ ግዜያዊ ዕቁ፟ባ (Temporary Protected Status ቲ ፒ ኤስ TPS) ዝረኸባ ሃገራት፤ አፍጋኒስታን (Afghanistan)፣ በርማ (Burma ማያንማር (Myanmar)፣ ካሜሩን ( Cameroon)፣ ኤል ሳልቫዶር (El Salvador)፤ ኢትዮጵያ (Ethiopia)፣ ሄቲ (Haiti)፤ ሆንዱራስ (Honduras)፣ ሊባኖስ (Lebanon)፣ ኔፓል (Nepal)፣ ኒካራግዋ (Nicaragua)፣ ሶማሌ ( Somalia)፣ ደቡብ ሱዳን ( South Sudan)፣ ሱዳን (Sudan)፣ ሶርያ ( Syria)፣ ዩክሬን (Ukraine)፣ ቬኔዙዌላ (Venezuela)ን የመንን (Yemen) እየን።
ሕጋዊ ዝኾነ ቲ ፒ ኤስ (TPS) እንተለኩም እዚ ዝስዕብ ኪትገብሩ ትኸእሉ፤
- አብ አሜሪካ ብሕጋዊ መገዲ ክትነብሩ ትኽእሉ።
- ፈቃ፟ድ ወረቀ፟ት ስራሕ ንምርካብ ኪተምልክቱ ትኽእሉ።
- እቲ ቲ ፒ ኤስ (TPS) ክሳብ ዘይተቃ፟ጸለ ካብ ምእሳርን ምስጓግን ኪትድሕኑ ትኽእሉ።
ይኹን እምበር ቲ ፒ ኤስ (TPS) እዚ ዝስዕብ አይገብርን እዩ፤
- ንሓዋሩ ዝኸውን መንበሪ ፈቃ፟ድ አየውህበኩምን
- ቲ ፒ ኤስ (TPS) በይኑ ናብ ምርካብ ግሪን ካርድ (green card) አየብጽሓኩን እዩ።
ህልው ኩነታት ነፍስወከፍ ሃገር ሕሉው ግዜያዊ ዕቁ፟ባ (Temporary Protected Status) እንታይ ይመስል?
ምምሕዳር ትራምፕ፤ ናይ ሓያሎ ሃገራት ቲ ፒ ኤስ (TPS) ከምዝቋረጽ ጌሩ እዩ። ገለ ገለ ሃገራት ግና እቲ ዝተውሃበን ቲ ፒ ኤስ (TPS) ገና ብሕጋዊ መገዲ አብ ስራሕ አሎ። ይኹን እምበር መንግስቲ ከምዘየሕድስለን ትጽቢት አሎ። እቲ ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ዘሕለፎ ውሳነ፤ ጉዳየን አብ ቤት ፍርዲ ስለዝቀ፟ረበ ንግዚኡ ጠጠው ክብል ዝተወሰነ ሃገራት ቲ ፒ ኤስ ( (TPS) 'ውን ይጸሉ እዩ።
ትሕት ኢሉ ቀሪቡ ዘሎ ቲ ፒ ኤስ (TPS ) ነፍስ ወከፍ ሃገር አብ ምንታይ ደረጃ ከምዝርከብ ዘረድእ እዩ፡
አፍጋኒስታን (Afghanistan)
አብ ስራሕ ዘሎ ክሲ፤ ካብ ስራሕ ተቋ፟ሪጹ አሎ።
ሓዲሽ ነገራት ብዛዕባ ክሲ ቲ ፒ ኤስ አብዚ ይርከብ
ገጽ ምንጭታት ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS) አብዚ ይርከብ
በርማ (Burma/Myanmar)
አብ ስራሕ ዘሎ ክሲ፤ ንግዚኡ ደስኪሉ አሎ።
ብዛዕባ ክሲ ሓዲሽ ነገራት አብዚ ይርከብ
ገጽ ምንጭታት ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS) አብዚ ይርከብ
ካሜሮን (Cameroon)
አብ ስራሕ ዘሎ ክሲ፤ ቲ ፒ ኤስ ( TPS) ተቋ፟ሪጹ አሎ።
ሓዲሽ ነገራት ብዛዕባ ክሲ አብዚ ይርከብ
ገጽ ምንጪታት ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS) አብዚ ይርከብ።
ኤልሳልቫዶር (El Salvador)
ቲ ፒ ኤስ (TPS) ክሳብ ዕለት 9 መስከረም (September) 2026 ክህሉ እዩ።
ገጽ ምንጪታት ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS) አብዚ ይርከብ።
ኢትዮጵያ (Ethiopia)
አብ ስራሕ ዘሎ ክሲ፤ ቲ ፒ ኤስ (TPS) ንግዚኡ ደስኪሉ አሎ።
ሓዲሽ ነገራት ብዛዕባ ክሲ አብዚ ይርከብ
ገጽ ምንጭታት ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS) አብዚ ይርከብ
ሄቲ (Haiti)
ቲ ፒ ኤስ (TPS) አብ 27 ሓምለ (July) 2026 ይቋረጽ ይኸውን
ብዛዕባ ሓዲሽ ነገር እቲ ክሲ አብዚ ተወከሱ
ገጽ ምንጭታት ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS) አብዚ ይርከብ
ሆንዱራስ (Honduras)
አብ ስራሕ አሎ፤ ተቋሪጹ አሎ።
ሓዲሽ ነገራት ብዛዕባ ክሲ አብዚ ይርከብ።
ገጽ ምንጭታት ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS) አብዚ ይርከብ።
ሊባኖስ (Lebanon)
እቲ ቲ ፒ ኤስ (TPS) ክሳብ 27 ሕዳር (November) 2026 አብ ስራሕ አሎ
ምንጭታት ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS) አብዚ ይርከብ።
ኔፓል (Nepal)
አብ ስራሕ ዘሎ ክሲ፤ ተቋ፟ሪጹ
ብዛዕባ ክሲ ሓዲሽ ሓበሬታ አብዚ ይርከብ
ምንጭታት ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS) አብዚ ይርከብ።
ኒካራግዋ (Nicaragua)
አብ ስራሕ ዘሎ ክሲ፤ ተቋ፟ሪጹ
ብዛዕባ ክሲ ሓዲሽ ሓበሬታ አብዚ ይርከብ
ምንጭታት ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS) አብዚ ይርከብ።
ሶማሌ (Somalia)
አብ ስራሕ ዘሎ ክሲ፤ ንግዚኡ ቲ ፒ ኤስ (TPS) ደስኪሉ አሎ።
ብዛዕባ ክሲ ሓዲሽ ሓበሬታ አብዚ ይርከብ
ምንጭታት ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS) አብዚ ይርከብ።
ደቡብ ሱዳን (South Sudan)
አብ ስራሕ ዘሎ ክሲ፤ ቲ ፒ ኤስ (TPS) ንግዜኡ ደስኪሉ አሎ።
ብዛዕባ ክሲ ሓዲሽ ሓበሬታ አብዚ ይርከብ
ምንጪታት ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS) አብዚ ይርከብ።
ሱዳን (Sudan)
ቲ ፒ ኤስ (TPS) ክሳብ 19 ጥቅምቲ ( October) 2026 ኪሰርሕ እዩ።
ገጽ ምንጪታት ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS) አብዚ ይርከብ።
ሶርያ (Syria)
ቲ ፒ ኤስ (TPS) አብ 27 ሓምለ (July) 2026 ይቋረጽ ይኸውን
ብዛዕባ ክሲ ሓዲሽ ሓበሬታ አብዚ ይርከብ
ገጽ ምንጪታት ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS) አብዚ ይርከብ።
ዩክሬን (Ukraine)
ቲ ፒ ኤስ (TPS) ክሳብ 19 ጥቅምቲ ( October) 2026 ኪሰርሕ እዩ።
ገጽ ምንጪታት ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS ) አብዚ ይርከብ።
ቬኑዝዌላ (Venezuela (2021)
አብ ግብሪ ዘሎ ክሲ፤ ተቋ፟ሪጹ አሎ።
ብዛዕባ ክሲ ሓዲሽ ሓበሬታ አብዚ ይርከብ።
ገጽ ምንጪታት ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS ) አብዚ ይርከብ።
ቬኑዝዌላ (Venezuela) (2023)
አብ ቤት ፍርዲ ዘሎ ክሲ፤ እቲ ኪቋረጽ ዝተብሃላ ቲ ፒ ኤስ (TPS) ደስኪሉ አሎ።
ብዛዕባ ክሲ ሓዲሽ ሓበሬታ አብዚ ይርከብ
ገጽ ምንጪታት ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS ) አብዚ ይርከብ።
የመን (Yemen)
አብ ግብሪ ዘሎ ክሲ፤ እቲ ኪቋረጽ እዩ ዝተብሃላ ቲ ፒ ኤስ ( TPS) ንግዜኡ ደስኪሉ አሎ።
ብዛዕባ ክሲ ሓዲሽ ሓበሬታ አብዚ ይርከብ
ገጽ ምንጪታት ዩ ኤስ ሲ አይ ኤስ (USCIS ) አብዚ ይርከብ።
ብምኽንያት ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ዘመሓላለፎ ውሳኔ፤ እቲ አብ አሜሪካ ኪሰርሕ ዘፍቅደለይ ፈቃ፟ድ ስራሕ ይጸሎ ድዩ?
እወ። እቲ ንሃገርኩም ዝተውሃበ ቲ ፒ ኤስ (TPS) እንድሕር ተቋሪጹ፤ አብ አሜሪካ ኪትርሑ አይክፍቀደልኩምን እዩ። ካልእ ዓይነት ሕጋዊ ፈቃ፟ድ ስራሕ እንተለኩም ጥራይ እዩ አብ አሜሪካ ኪትሰርሑ ዝፍቀደልኩም።
ካብ 1 ሓምለ 2026 ጀሚሩ፡ USCIS ንሶርያ፡ ሃይቲ፡ በርማ፡ ሶማልያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ከምኡ’ውን የመን ብ10 ሓምለ ዝውዳእ ናይ ስራሕ ፍቓድ ኣለዎ።USCIS ነዘን ዕለታት እዚኣተን ኣሕቲሙወን፡ TPS ነተን ሃገራት ክሳብ 10 ሓምለ 2026 ክውዳእ ትጽቢት ብምግባር እዩ። ንጹር ንምግባር እዞም ዕለታት ናይ መወዳእታ ስለዘይኮኑ ብመሰረት ውሳነ ቤት ፍርዲ ክቕየሩ ይኽእሉ እዮም።
ናይ ስራሕ ፍቓድ ቅድሚ ናይ TPS ኩነታትካ ምዝዛሙ ኣይውዳእን እዩ። ቅኑዕ ናይ TPS ኩነታት እንተሃልዩካ፡ ኣብ ኣሜሪካ ክትሰርሕ ፍቓድ ኣለካ።
ሓበሬታ ብቕልጡፍ ይቕየር ስለዘሎ፡ ኣብዚ ተዘርዚሩ ዘሎ ሃገርካ ዝምልከት ገጽ ጸጋታት USCIS ብቐጻሊ ክትፍትሽ ይግባእ።
ነዚ ተውሂቡኒ ዝነበረ ፈቃ፟ድ ቲ ፒ ኤስ (TPS) እንድሕር ኪጥቀመሉ ተኸሊአ፤ ከመይ እዬ ነዚ ኩነት ኪዳሎ ዝኽእል?
ንሃገርኩም ዝተውሃበ ቲ ፒ ኤስ (TPS) ጠጠው ኪብል እንተተጌሩ፤ ካልእ ዓይነት ሕጋዊ ፈቃ፟ድ እንተዘይብልኩም፤ ከትእሰሩን ካብ ሃገር ኪትስጎጉን ትኽእሉ። አብ አሜሪካ ንምጽናሕ ዘኽእለኩም ካልእ አማራጺ መገዲ እንተሎ ንምፍላጥ ሕጋዊ ፈቃ፟ድ ምስ ዘለዎ ብቁ፟ዕ ጠበቃ፟ ምዝርራብ ከድልየኩም እዩ። በናጻ ወይ ድማ ብትሑት ክፍሊት ኪሕግዝኹም ዝኽእሉን አብዚ ክትረኽቡ ትኸእሉ ከምኡ’ውን ዝርዝር ብግሊ ዝሰርሑ ጠበቃ፟ታትን አብዚ ትረኽቡ ትኸእሉ። መዘኻኸሪ፤ ኢራፕ (IRAP) ብዛዕባ ብቅ፟ዓት እዞም አብዚ ሊስታ ዘለው ጠበቃ፟ታት ውሕስነት ኪህብ አይከልን እዩ።
ምስ ሓለፍቲ ኢሚግሬሽንን ጉምሩኽን አሜሪካ (U.S. Immigration and Customs Enforcement (አይስ ICE) ኪትራኸቡ ከለኹም መሰላት ከምዘለኩም ክትዝክሩ ይግባእ። እዚን መሰላት ድማ ነዘን ዝስዕባ የጠቃ፟ልል፤
- ስቅ፟ ምባልን ንዝቀ፟ረባ ሕቶታት መልሲ ዘይምሃብን
- ብዳኛ ብግቡእ ዝተፈረመ ወረቀ፟ት ቤት ፍርዲ እንተዘይብሎም (ICE) ንነብስኹም ኮነ ንገዛኹም ኪፍትሹ ዘይምፍቃድ
- እንዲሕር አሲሮምኹም ምስ ጠበቃ፟ ናይ ምዝራብ መሰል አለኩም፤
ነቲ አብ ኮንግሬስ ዝወኪልኩም አባል ( Member of Congress) ሓገዝ ምሕታት
ብ አይስ (ICE) እንድሕር ተታሒዝኩም ወይ ተአሲርኩም፤ አብ ኮንግሬስ ዘሎ ናትኩም አባል ኮንግሬስ ኪሕግዘኩም ይኽእል ይኸውን። እቶም አብያተ ወከልቲ ኮንግሬስ ብዛዕባ አበይ ከምዘለኹም፣ ዘድልየኩም ሕክምናዊ ሓገዝ፣ ናብ ካልእ ቦታታት ከዛውሩኹም ከለውን ኪአስርኹም ከለውን ብዛዕባ ዝነበረ ኩነታትን ንአይስ (ICE) ኪሓቱ ይኸእሉ።
ብ አይስ ( ICE) ከይትእሰሩ ወይ ድማ ከይትተሓዙ ትፈርሑ እንተኾይንኩም፤ እቲ እቲ ናይ ኮንግሬስ አባልኩም ምእንታን ብዛዕባ ጉዳይኩም ኪሓትት ኪኽእልን አብ ማእሰርቲ ከለኹም ኪሕግዘኩም ኪኽእልን፤ ነዚ ፎርም (ICE Form 60-001) ንምምላእ አብ ግምት ከተእትዉ ይግባእ። እቲ አባል ኮንግሬስ ምእንታን ኪሕግዘኩም ክኽእል፤ ነቲ ብ ቋንቋ እንግሊዝ ዝተጽሓፈ ፎርም ሙሉእ ብሙሉእ መልኢኹምን ፈሪምኩምን ክትህቡዎ የደሊ። አይስ ( ICE) እቲ ፎርም ተተርጉሙ እንተቀ፟ሪቡሉ አይክቅ፟በሎን እዩ። I
ነቲ ዝተመልአ ፎርም፤ አብ ትሕቲ ማእሰርቲ አይስ (ICE) እንተለኹም፤ ምእንታን ናብቲ አባል ኮንግሬስኩም ኪልእኹልኩም፤ ናብቲ ትአምኑዎ አባል ስድራኹም፣ ዓርክኹም ወይ ጠበቃ፟ኹም ኪትልእኹ ትኽእሉ።
እቲ ፎርም፤ ካብቲ ዝተፈረመሉ መዓልቲ አትሒዙ ዝቁ፟ጸር ን 90 መዓልታት ጥራይ እዩ ሕጋዊ ኮይኑ ዝጽንሕ፡
ተወሰኽቲ ምንጭታት
ምስ ሰበልስጣናት ኢሚግሬሽን ኪትራኸቡ ከለኹም ድልው ኮይንኩም ኪትጸንሑ፤ ብሓያሎ ቋንቋታት ዝተዳለዋ ነዘን ዝስዕባ ጽሑፋት 'ውን ኪተንበቡ ትደልዩ ትኾኑ፤
- መሰልኩም ፍለጡ (Know Your Rights)፤ ምስ ሰበስልጣን አይስ ( ICE) ኪትራኸቡ ከለኹም | National Immigrant Justice Center
- መሰልኩም ፍለጡ (Know Your Rights)፤ ብኢሚግሬሽን እነተተሓዚኩም ወይ ተአሲርኩም እንታይ ኪትገብሩ ከምዘለኩም | National Immigration Law Center
- መሰልኩም ፍለጡ (Know Your Rights)፤ ሕጋዊ ምንጭታት ዝርከቡሉ አፕLegal Resource app | National Korean American Service and Education Consortium
- መሰልኩም ፍለጡ (Know Your Rights)፤ ምስ አኽበርቲ ሕጊ ኪትራኸቡ ከለኹም እንታይ ከምትገብሩ | CLEAR
- መሰልኩም ፍለጡ (Know Your Rights)፤ መሰላት ስደተኛታት | ACLU
አብ መጨረስታ፤ እቲ ናሽናል ቲ ፒ ኤስ አላያንስ (National TPS Alliance) ዝብሃል ቲ ፒ ኤስ (TPS ) ንዘለዎም ሰባት ምናልባት ክህቦ ዝኸእል ምንጭታትን ሓገዛትን
ኣህጉራዊ ፕሮጀክት ሓገዝ ስደተኛታት (IRAP) ንገለ ስደተኛታትን ተመዛበልቲን ብነጻ ሕጋዊ ሓገዝ ይህብ።
- IRAP ንገለ ሰባት ኣገልግሎት ክረኽቡን ናይ ስደተኛታትን ናይ ቪዛ መመልከቲ ንምድላውን ይሕግዞም።
- IRAP ኣካል ዝኾነ መንግስቲ፣ IOM ወይ UNHCR ኣይኮነን።
- IRAP ናይ ስደተኛ ደረጃ ወይ ቪዛ ክህብ ወይ ንጉዳያት ከቀላጥፍ ኣይክእልን እዩ።
- IRAP ገንዘባዊ ሓገዝ ክህብ፣ መንበሪ ገዛ ክረክብ ወይ ክኸፍል፣ ወይ ስራሕ ክረክብ ኣይክእልን እዩ።
- ኩሉ ሓገዝ IRAP ብነጻ’ዩ። ምስ IRAP ርክብ ዘለዎ ሰብ ገንዘብ ወይ ካልእ ኣገልግሎት ክሓተካ መሰል የብሉን።
IRAP ንሰባት ኣብ ኣድላይነቶምን ብቑዕነቶምን ንኹነታት ኢሚግሬሽን መሰረት ብምግባር ክሕግዞም ይውስን። IRAP ንሰባት ንምሕጋዝ ብዝኾነ ካልእ ማሕበራዊ ወይ ፖለቲካዊ ወይ ሃይማኖታዊ መዐቀኒታት መሰረት ኣይውስንን እዩ።
እዚ መርበብ ሓበሬታ ብዛዕባ ንገለ ስደተኛታት ዝቐርብ ሕጋዊ መስርሕ ሓፈሻዊ ሓበሬታ ይህብ። ንውልቃዊ መመልከቲታት ከም ሕጋዊ ምኽሪ ዝዓለመ ኣይኮነን።
ጠለባት ክቕየሩ ይኽእሉ እዮም። ኩሉ ግዜ ካብቲ ሕቶኻ ዝውስን መንግስቲ ወይ ትካል እዋናዊ ጠለባት እንተሃልዩ መርምር።
ኣብ ህጹጽ ኩነታት ስደተኛታት እንተሃሊኹም፣ ኣብታ እትነብረሉ ሃገር ዝርከብ ቤት ጽሕፈት UNHCR ክትረኽብዎ ንመክር።
Comments
0 comments
Please sign in to leave a comment.