ዝርዝር ዝተኣተፈ ናይ ዝተዛረበ ርእስታት
ስደተኛታትን ስድራቤቶምን፤ ኢራፕ (IRAP) ብዛዕባ ምጥያስ፣ ምስ ስድራቤት ብዛዕባ ምሕዋስን ብዛዕባ ፍሉይ ቪዛ ስደተኛታትን (Special Immigrant Visas (SIVs) ብሓፈሽኡ ንጉዳዮም ብዛዕባ ዝምልከት ሕጋዊ ሓበሬታን ሕጋዊ ሓገዝ ምርካብን ብዝምልከት ከፈልጡ ምእንታን፤ ነዚ ቻትቦት (chatbot) ዝብሃል መገልገሊ አቅ፟ሪቡሎም አሎ። ካብዚ አስዒብና ብዛዕባ እዚ መገልገሊ ካብ ተጠቀምቲ ዝቀርብ ሕቶታት ኪነቅ፟ርበልኩም ኢና።
ቻትቦት ( chatbot) እንታይ እዩ?
እዚ ቻትቦት (chatbot) ዝብሃል መገልገሊ/መሳለጢ፤ ፕሮግራም ኮሙተር ኮይኑ ምስ ተጠቀምቲ ዘራኽብን አገደስቲ ሓበሪታታትን አገልግሎታትን ናብ ተጠቀምቲ ከምዝበጽሕ ዝገብርን እዩ። .
ቻትቦት ( IRAP’) እንታይ እዩ ዝገብር?
ኢራፕ (IRAP) ነዚ መሳለጢ ዘዳለወልኩም ብዛዕባ ምጥያስ ስደተኛታት፣ ምስ ስድራቤት ምሕዋስን ብዛዕባ ፍሉይ ቪዛ ስደተኛታት ኤስ-አይ-ቪን (Special Immigrant Visas (SIVs) ብዝምልከት ዘድልየኩም ሕጋዊ ሓበሬታ ንኽትረኽቡ ንምሕጋዝ እዩ። ከም ተወሳኺ’ውን እዚ መሳለጢ ካብ ኢራፕ (IRAP) ሓገዝ ኪገብረልኩም ይኽእል’ዶ አይክእልን ይውስን።
ኢራፕ( IRAP) ቻትቦት (chatbot) ንቅ፟ጥቀም ስለምንታይ’ዩ ዘድለዮ?
ኢራፕ (IRAP)፤ ሓገዝ ንምርካብ ካብ ሓያሎ ሰባት ሓያሎ ሕቶታት ይረክብ። ግና እቲ ዘሕዝን ነቲ ኩሉ ዝበጽሖ ሕቶታት ንምምላስ አጸጋሚ ምዃኑ እዩ። እቲ ቻትቦት (chatbot) ዝብሃል መሳለጢ ግና ስሉጥ ብዝኾነ መገዲ ንኢራፕ ( IRAP) ብምሕጋዝ ነቲ ዘለና ሕጋዊ ሓበሬታን አብ መርመራ ዝአትዉ ጉዳያትን ናብ ኩሉ ኪባጻሕ ኪገብር ይኽእል።
በዚ ቻትቦት (chatbot ) ዝብሃል መሳለጢ ካብ ኢራፕ (IRAP) ሓገዝ ንምርካብ ኪሓትት’ዶ እኽ እል?
ዝኾነ ሰብ ነዚ ቻትቦት (chatbot ) መሳለጢ ተጠቂ፟ሙ ካብ ኢራፕ (IRAP) ሓገዝ ኪሓትት ይኽእል እዩ። ይኹንእምበር፤ ኢራፕ (IRAP) ኪሕግዘኩም አብ ዝኽእል ኩነታት እንተለኹምን እቲ ትሓቱሉ ዘለኹም እዋን; ኢራፕ (IRAP) ሓደሽቲ አመልከቲ አብ ዝቅ፟በለሉ እዋን እንተኾይኑ፤ እቲ መሳለጢ ሕቶ ሓገዝ ንኽተቅ፟ርቡ ጥራይ ኪሕግዘኩም ይኽእል።
እንታይ ዓይነት ሓገዝ ኪረክብ እኽእል?
ንዝያዳ ሓበሬታ አገልግሎታት በጃኹም ነዚ ዝቅ፟ጽል ጽሑፍ አንብቡ፡
አብቲ አነ ዝነብረሉ ቦታ ስለምንታይ እዩ ኢራፕ (IRAP) ሓደሽቲ ጉዳያት ምጥያስ ዘይቅበል ዘሎ?
ኢራፕ (IRAP) አብ ሓደ እዋን ኪቅ፟በሎ ዝኸእል ውሱን ቁጽሪ እዩ። ብተወሳኺ’ውን ኢራፕ (IRAP) አብ ነፍወከፍ ሃገር ዝቅ፟ርብ ዝተፈላልየ ዓይነት ሕቶታት ሓገዝ ኪገብር አይክእልን’ዩ። እዚ መምርሒ፤ ኢራፕ (IRAP) ብዛዕባ ኪገብሮ ዝኽእል ሓገዛት የረድእ።
እቲ መሳለጢ ቻትቦት (chatbot )፤ ካብ ዘለኹሞ ሃገር ሓደስቲ ሕቶታት ከምዘይንቅበል እንተነጊሩኩም፤ አብ ፌስቡክ (Facebook) ን ዌብሳይትን ተኸታተሉና። ሕቶታት ናብ ኢራፕ (IRAP) መን ከእቱ ከምዝኽእል ገለ ለውጥታት እንተሎ አብኡ ክነሕድሶ ኢና።
ሕቶ ምስ አቅ፟ረብኩ ድሕሪ ክንደይ ኢኹም መልሲ ትህቡኒ?
መብዛሕትኡ እዋን እቲ ጉጅለ ኢራፕ ( IRAP) ብሸነኽ ቻትቦት (chatbot) ንዝቅ፟ረቡሉ ሕቶታት ሓገዝ መልሲ ንምሃብ ካብ ክልተ ክሳብ አርባዕተ ሳምንቲ ይወስደሉ። ሓደ ሓደ እዋን’ውን ሓያሎ ሕቶታት እንተቀ፟ሪቡሉ ካብኡ ዝያዳ ግዜ ኪወስደሉ ይኽእል እዩ።
መልሲ እንተዘይሂብኩምኒ፤ ካልእ መመልከቲ ኪልእኽ’ዶ እኽእል?
በጃኹም ሓገዝ ንምርካብ ካብ ሓደ ንላዕሊ መመልከቲታት አይትልአኹልና። ንሕና ብጣዕሚ ውሑዳት ኢና፤ ሓያሎ መመልከቲታት እንተሊእኹምልና ኩሉ ሰብ ንዘእተዎ ሕቶታት ንምምላስ ከጸግመና እዩ።
ምስቲ ቻትቦት (chatbot) ከመይ እዬ ዝዘራረብ?
ምስ ቻትቦት (chatbot) ንምዝርራብ አብዚ add @irapchatbot on Telegram እተው ወይ ድማ አብ ፌስቡክ (Facebook) አቲኹም መልእኽቲ ስደዱልና (message us on Facebook). ድሕሬኡ ሄሎ “hello” ዝብል ቃል ከም መጀመርታ መልእኽትኹም ጽሓፉ። ቻትቦት (chatbo) ብዛዕባ ኩነታትኩም ንምፍላጥ ሓያሎ ሕቶታት ብምሕታት ኪምልሰልኩም እዩ።
ቴሌግራም (Telegram) እንተኾይኑ ትጥቀሙ ዘለኹም፤ ነቲ አብ ጥቃ፟ ሳጹን መልእኽቲ (text box) ዘሎ መስኮት መልጎም (window button)) ጠውቅ፟ዎ’ሞ ንመልእኽትታት መልሲ ንምሃብ ዘለኩም አማራጺታት ክህበኩም እዩ። እዚ አማራጺታት ብኦቶማቲክ መገዲ አብ ፌስቡክ (Facebook) ይወጽእ። .
ምስቲ መሳለጢ ቻትቦት (chatbot) እናተዘራረብክ ከለኹ ጌጋ እንተፈጺመ እንታይ ክገብር አለኒ?
ሓንሳብ ምስቲ ቻትቦት (chatbot) ዘረባ ምስጀመርኩም፤ ነቲ ሓንሳብ ዝሃብኩሞ መልሲ ኪትቅይሩ አይትኽእሉን። ጌጋ እንተጌርኩም ሄሎ (“hello”) ዝብል ጽሑፍ ብምጽሓፍ ነቲ ዝርርብ ከም ብሓዲሽ ኪትጅምሩዎ ትኽእሉ። ነቲ ዝርርብ ሙሉእ ብሙሉእ ንምስራዝ’ውን ተወዲኡ (“end”) ዝብል ጽሁፍ ብምጽሓፍ ኪተቋርጽዎ ትኽእሉ።
አብቲ ቻትቦት (chatbot) ጌጋ እንተረኺበ ከምይ ጌረ እዬ ሪፖርት ዝገብር?
ነቲ መሳለጢ እናተጠቀ፟ምኩሙሉ ከለኹም ጌጋ እንተረኺብኩም፤ አብቲ መሳለጢ “000” ኢልኩም ጽሓፉ። እዚ ድማ ነቲ ትገብሩዎ ዘለኹም ምይይጥ ጠጠው ከምዝብል ይገብር። ብዛዕባ’ቲ አጓኒፍኩም ዘሎ ሽግር’ውን ሓበሬታ ክትህቡ ክትሕተቱ ኢኹም። ኢራፕ (IRAP) ነቲ ቀሪቡ ዘሎ ሕቶታት በቀ፟ጥታ መልሲ ኪህብ አይክእልን እዩ። ግን ነቲ ዝተልአኽ ሕቶታት ንከታተሎን ከም አድላይነቱ ነቲ መሳለጢና’ውን ነሕድሶን።
ኣህጉራዊ ፕሮጀክት ሓገዝ ስደተኛታት (IRAP) ንገለ ስደተኛታትን ተመዛበልቲን ብነጻ ሕጋዊ ሓገዝ ይህብ።
- IRAP ንገለ ሰባት ኣገልግሎት ክረኽቡን ናይ ስደተኛታትን ናይ ቪዛ መመልከቲ ንምድላውን ይሕግዞም።
- IRAP ኣካል ዝኾነ መንግስቲ፣ IOM ወይ UNHCR ኣይኮነን።
- IRAP ናይ ስደተኛ ደረጃ ወይ ቪዛ ክህብ ወይ ንጉዳያት ከቀላጥፍ ኣይክእልን እዩ።
- IRAP ገንዘባዊ ሓገዝ ክህብ፣ መንበሪ ገዛ ክረክብ ወይ ክኸፍል፣ ወይ ስራሕ ክረክብ ኣይክእልን እዩ።
- ኩሉ ሓገዝ IRAP ብነጻ’ዩ። ምስ IRAP ርክብ ዘለዎ ሰብ ገንዘብ ወይ ካልእ ኣገልግሎት ክሓተካ መሰል የብሉን።
IRAP ንሰባት ኣብ ኣድላይነቶምን ብቑዕነቶምን ንኹነታት ኢሚግሬሽን መሰረት ብምግባር ክሕግዞም ይውስን። IRAP ንሰባት ንምሕጋዝ ብዝኾነ ካልእ ማሕበራዊ ወይ ፖለቲካዊ ወይ ሃይማኖታዊ መዐቀኒታት መሰረት ኣይውስንን እዩ።
እዚ መርበብ ሓበሬታ ብዛዕባ ንገለ ስደተኛታት ዝቐርብ ሕጋዊ መስርሕ ሓፈሻዊ ሓበሬታ ይህብ። ንውልቃዊ መመልከቲታት ከም ሕጋዊ ምኽሪ ዝዓለመ ኣይኮነን።
ጠለባት ክቕየሩ ይኽእሉ እዮም። ኩሉ ግዜ ካብቲ ሕቶኻ ዝውስን መንግስቲ ወይ ትካል እዋናዊ ጠለባት እንተሃልዩ መርምር።
ኣብ ህጹጽ ኩነታት ስደተኛታት እንተሃሊኹም፣ ኣብታ እትነብረሉ ሃገር ዝርከብ ቤት ጽሕፈት UNHCR ክትረኽብዎ ንመክር።
Comments
0 comments
Please sign in to leave a comment.