ዝርዝር ዝተኣተፈ ናይ ዝተዛረበ ርእስታት
ሓጺር መግለጺ
እዚ መምርሒ’ዚ፤ ብዛዕባ ውሳነ መለለይ ስደተኛታት ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-አር ( አር-ኤስ-ዲ -RSD) ሓጺር መግለጺ ዝህብ እዩ።
እዚ ውሳነ መለለይ ስደተኛታት(Refugee Status Determination) እንታይ እዩ?
እዚ ውሳነ መለለይ ስደተኛታት (Refugee Status Determination) ሓደ ሰብ ስደተኛ ምዃኑን ዘይምኳኑን ዝውሰነሉ መስርሕ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፤ ከም ስደተኛታት ኪቁ፟ጸሩ ዝሓቱ ሰባት ሓተቲ ጽግዕተኛነት (asylum seekers) ተባሂሎም እዮም ዝፍለጡ። ነዚ ኩሉ አብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ተማልኡ እንተኾይንኩም ስደተኛ (refugee) ትብሃሉ፤
- እቲ ዘልኹሞ ቦታ ካብ ሃገርኩም ወጻኢ እንተኾይኑ
- ናብ ሃገርኩም እንተተመሊስኩም ከቢድ ጉድአት ይበጽሓኒ ኢዩ ኢልኩም ትፈርሑ እንተኾይንኩም
- ዘለኩም ፍርሒ “ብቁ፟ዕ መሰረት” ዘለዎ እንተኾይኑ
- እቲ አብ ልዕሌኹም ኪበጽሕ ይኽእል እዩ ኢልኩም ትፈርሕዎ ፍርሒ ካብዘን ዝስዕባ ጉዳያት ዝተበገሰ እንተኾይኑ፡
- ዘርኢ
- ሃይማኖት
- ብሄር
- ፖለቲካ አተሓሳስባኹም
- አብ ሓደ ፍሉይ ማሕበራዊ ጉጅለ አባል እንተኾይንኩም
- አብ ውሽጢ ሃገርኩም በቲ ዘሎ መንግስቲ ጉድአት ይበጽሓኩም እንተኾይኑ ወይ ድማ እቲ መንግስቲ ሃገርኩም ጉድአት ከብጽሕልኩም ካብ ዝደልዩ ሰባት ኪሕልወኩም ዘይክእል ወይ ድማ ዘይደሊ እንተኾይኑ
- አብ ውሽጢ ሃገርኩም ድሕነትኩም ኪሕሎ ናብ ዝኽእል ቦታ ክትንቀሳቀ፟ሱ ዘይትኸእሉ እንተኾይንኩም
- ዓቢ ወንጄል ምፍጻም ስደተኛ ካብ ምዃን አይዕንቅፍን እዩ።
እዚ መለክዒታት፤ አብ1951 አብ ዝተገብረ አኼባ ስደተኛታት (1951 Refugee Convention) ዝጸደቀ፟ እዩ።
አብ ሓያሎ ሃገራት፤ ስደተኛ መን ከምዝኾነን ከምዘይኮነን ዝውስን እቲ መንግስቲ እዩ። ብመንግስቲ ዝመሓደር ስርዓት፤ መብዝሓትኡ እዋን፤ ሰርዓት ጽግዕተኛ (asylum system) ተባሂሉ ይፍለጥ። አብ ደርዘን ዝኾና ሃገራት፤ ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-አር (UNHCR) እዩ መን ስደተኛ ከምዝኾነን ዘይኮነን ዝውስን። እዚ ብዩ-ኤን-ኤች-ሲ-አር ፤ አር-ኤስ-ዲ(UNHCR RSD) ዝግበር መስርሕ ኩልሻዕ ናጻ/ ዘይክፈሎ እዩ። ብዛዕባ’ዚ ተወሳኺ ሓበሬታ ምስትደልዩ አብ ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-አር (UNHCR) ብዛዕባ አር-ኤስ-ዲ ዘለዎ ሓበሬታ አብ ዝብል ጠውቁ፟ ።
አብቲ ትነብሩሉ ዘለኹሞ ሃገር እቲ ውሳነ መለለይ ስደተኛታት (RSD) እንታይ ይመስል?
ወረቀ፟ት ጽግዕተኛ ንምርካብ መመልከቲ ኪተእትው እንተደሊኹም፤ ነቲ ዝግበር መለለይ ስደተኛታት ዝውስን መንግስቲ ይኹን ወይ ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-አር (UNHCR) መጀመርታ ክተጻርዩ አለኩም። ሓበሬታ ብዛዕባ’ዚ አብ ስደተኛታትን ሓተቲ ጽግዕተኛን ዌብሳይት ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-አር ኪትረኽቡ ትኽእሉ።
እዚ ብዩ-ኤን-ኤች-ሲ-አር (UNHCR አር-ኤስ-ዲ (RSD) ዝግበር መስርሕ ውሳነ መለለይ ስደተኛታት፤ አብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተፈላለይ ኪኸውን ይኽእል። አብ ብዙሓት ሃገራት፤ መጀመርታ ሓደ ሰብ ብስልኪ ናብ ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-አር (UNHCR) ብምድዋል ኮነ በአካል አብ ቤት ጽሕፈት ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-አር (UNHCR) ተረኺቡ ኪምዝገብ አለዎ። ሓደ ሓደ ግዜ፤ ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-አር (UNHCR) ነቶም ዝመዝገቦም ሰባት ካርድ/ ወረቀ፟ት ምስክር ስደተኛን ቁጽሪ ስደተኛን ሽዑንሽዑ ይህብ እዩ። እዚ ግና አብቲ ዘለኹሞ ሃገር፤ መስርሕ ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-አር (UNHCR) እንታይ ዓይነት አብ ምዃኑ ዝምርኮዝ እዩ።
ድሕሪ ምዝገባ፤ ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-አር (UNHCR) ነቲ ሰብ ከም ስደተኛ ንምልላይ ቃለመጠይቅ፟ ንኪገብር ቆጸራ ኪህብ ይኸእል። አብዚ ቃለመጠይቅ፟’ዚ ከም ስደተኛ ኪትቁጸሩ ትኽእሎ ዶ አይትኽእሉን ንምውሳን፡ ሰበስልጣን ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-አር (UNHCR)፤ ዝተፈላለየ ሕቶታት ኪሓተኩም እዩ። ነቲ ቃለመጠይቅ፟ ንኽትዳለው ንምሕጋዝ፤ ኢራፕ (IRAP) ገለገለ መምሪሒታት ዘለዎ መወከሲ አብዚ መምሪሒ ንናይ አር-ኤስ-ዲ(RSD) ቃለመጠይቅ፟ ዝሕግዝ መመሪሒ ዝብል ቀሪቡ አሎ። ብዛዕባ መምርሒታት መደብ ምጥያስ ኢራፕ(IRAP)’ውን አብዚ ክትረኽቡ ትኽእሉ።
አብ ሓደ ሓደ ሃገራት፤ አባላት ዝተወሰነ ብሄር ዝኾኑ ሰባት፤ ብውልቂ ቃለመጠይቅ፟ ኪገብሩ አይሕተቱን እዮም። ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-አር (UNHCR) ከክንዲ ንነፍስወከፍ ሰብ ናይ ውልቂ ቃለመጠይቅ፟ ዝገብር ብሓፈሽኡ ካብታ ብሄር ንዝመጸ ሰብ ብዘይ ቃለመጠይቅ፟ ከም ስደተኛ ይቅ፟በል እዩ።
እንድሕር እቲ ዘእተኹዎ ወረቀ፟ት መለለይ ስደተኛታት አር-ኤስ-ዲ (RSD) ተነጺጉ እንታይ እዩ ዝስዕብ?
ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-አር (UNHCR) ቃለመጠይቅ፟ ምስ ገበረልኩም፤ ከም ስደተኛ ክንፈልጠኩም አይንኽእልን ኢና ኢሉ ነቲ ሕቶኹም እንድሕር ነጺጉዎ፤ በቲ ትፈልጡዎን ዝርደአኩምን ቋንቋ ጌሩ ደብዳቤ ክልእኸልኩም እዩ። አብ እዚ ደብዳቤ ድማ እቲ ምኽኒታት መንጸጊኹም ብዝርዝር ከቅ፟ርበልኩም እዩ።
ብዛዕባ’ዚ ውሳነ፤ ጥርዓን ኪተቅ፟ርቡ ትኽእሉ። አብ መብዛሕትኡ ቦታታት፤ ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-አር (UNHCR) ጥርዓን ንምቅ፟ራብ ናይ ሰላሳ መዓልታት ግዜ ጥራይ እዩ ዝህብ። እዚ ዕለት’ዚ ከይሓልፈኩም ክትጥንቀቁ፟ አለኩም። በዚ ተቅ፟ርቡዎ ጥርዓን’ውን ነቲ ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-አር (UNHCR) ንመንጸጊኡ ዘቅ፟ረቦም ምኽኒታት ዝምለስ ሓበሬታ ኪተቅ፟ርቡ አለኩም።
እቲ ጉዳይኩም ዋላ ተነጺጉ እናሃለወን እቲ ግዜ መእተዊ ጥርዓን ሓሊፉ እንተኾነን፤ ስደተኛታት ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-አር (UNHCR) ነቲ ጉዳዮም መሊሱ ኪኸፍት ኪሓቱ ይኽእሉ።
አብ ሓደ ሓደ ሃገራት ዘለው ሕጊ ዝምልከት ናጻ ሓገዝ ኪህቡ ዝኽእሉ ዝርዝር ትካላት አብ’ዚ ኪትረኽቡ ትኽእሉ። ንጥርዓንኩም ዝምልከት ሓገዝ ምስትደልዩ፤ አብቲ ትነብሩሉ ሃገር ምስ ዘለዋ ትካላት ተራኸቡ።
ካብ ኢራፕ (IRAP) ሓገዝ ንምርካብ ብዛዕባ ዘሎ ሓበሬታ ድማ አብ’ዚ ተወከሱ፤ ሓበሬታ ብዛዕባ ካብ ኢራፕ (IRAP) ሓገዝ ምሕታት።
ኣህጉራዊ ፕሮጀክት ሓገዝ ስደተኛታት (IRAP) ንገለ ስደተኛታትን ተመዛበልቲን ብነጻ ሕጋዊ ሓገዝ ይህብ።
- IRAP ንገለ ሰባት ኣገልግሎት ክረኽቡን ናይ ስደተኛታትን ናይ ቪዛ መመልከቲ ንምድላውን ይሕግዞም።
- IRAP ኣካል ዝኾነ መንግስቲ፣ IOM ወይ UNHCR ኣይኮነን።
- IRAP ናይ ስደተኛ ደረጃ ወይ ቪዛ ክህብ ወይ ንጉዳያት ከቀላጥፍ ኣይክእልን እዩ።
- IRAP ገንዘባዊ ሓገዝ ክህብ፣ መንበሪ ገዛ ክረክብ ወይ ክኸፍል፣ ወይ ስራሕ ክረክብ ኣይክእልን እዩ።
- ኩሉ ሓገዝ IRAP ብነጻ’ዩ። ምስ IRAP ርክብ ዘለዎ ሰብ ገንዘብ ወይ ካልእ ኣገልግሎት ክሓተካ መሰል የብሉን።
IRAP ንሰባት ኣብ ኣድላይነቶምን ብቑዕነቶምን ንኹነታት ኢሚግሬሽን መሰረት ብምግባር ክሕግዞም ይውስን። IRAP ንሰባት ንምሕጋዝ ብዝኾነ ካልእ ማሕበራዊ ወይ ፖለቲካዊ ወይ ሃይማኖታዊ መዐቀኒታት መሰረት ኣይውስንን እዩ።
እዚ መርበብ ሓበሬታ ብዛዕባ ንገለ ስደተኛታት ዝቐርብ ሕጋዊ መስርሕ ሓፈሻዊ ሓበሬታ ይህብ። ንውልቃዊ መመልከቲታት ከም ሕጋዊ ምኽሪ ዝዓለመ ኣይኮነን።
ጠለባት ክቕየሩ ይኽእሉ እዮም። ኩሉ ግዜ ካብቲ ሕቶኻ ዝውስን መንግስቲ ወይ ትካል እዋናዊ ጠለባት እንተሃልዩ መርምር።
ኣብ ህጹጽ ኩነታት ስደተኛታት እንተሃሊኹም፣ ኣብታ እትነብረሉ ሃገር ዝርከብ ቤት ጽሕፈት UNHCR ክትረኽብዎ ንመክር።
Comments
0 comments
Please sign in to leave a comment.